ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኑፋቐ ኣመሪካውያን ዲኹም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኑፋቐ ኣመሪካውያን ዲኹም፧

 ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እዩ ዚርከብ። እንተዀነ ግና፡ ኑፋቐ ኣመሪካውያን ኣይኰንናን። ከምኡ እንብለሉ ምኽንያታት ድማ እዚ ዚስዕብ እዩ፦

  •   ገሊኦም ሰባት፡ ኑፋቐ ኻብ ሓደ ሃይማኖት ንእተፈንጨለ ጕጅለ ኸም ዜመልክት ይዛረቡ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ገሊኡ ሃይማኖታዊ ጕጅለ እተፈንጨሉ ኣይኰኑን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ዓይነት ክርስትና ኸም እንስዕብ ኢና እንኣምን።

  •   ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 230 ዓድታትን ሃገራትን ኣብ ኣገልግሎቶም ንጡፋት እዮም። እንነብረሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ተኣማንነትና ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ደኣ እምበር፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዀነ ንኻልእ ሰብኣዊ መንግስቲ ኣይኰነን።—ዮሃንስ 15:19፣ 17:15, 16

  •   ኵሉ ትምህርትታትና ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ዘይኰነስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረት እዩ።—1 ተሰሎንቄ 2:13

  •   ንየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ንኻልእ ንዋላ ሓደ ሰብኣዊ መራሒ ኣይንስዕብን ኢና።—ማቴዎስ 23:8-10