ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

‘ገበንን ፍቕሪ ገንዘብን ብዙሕ ስቓይ ኣምጺኡለይ’

‘ገበንን ፍቕሪ ገንዘብን ብዙሕ ስቓይ ኣምጺኡለይ’
  • ዓመተ ልደት፦ 1974

  • መበቈል ሃገር፦ ኣልባንያ

  • ታሪኽ፦ ሰራቒ፡ ነጋዳይ ሓሽሽ፡ እሱር

ሕሉፍ ህይወተይ

 ኣብታ ርእሲ ኸተማ ኣልባንያ ዝዀነት ቲራነ፡ ካብ ሓደ ድኻ ስድራ ቤት እየ ተወሊደ። ኣቦይ ንዓና ንምንባይ ነዊሕ ሰዓታት ዚዓዪ ቕኑዕ ሰብ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ናብራ ቓልሲ እዩ ዀይኑና ነይሩ። ቈልዓ ኸለኹ፡ ድኽነትና ኣጸቢቐ እፈልጦ ነይረ እየ። ኣብ መብዛሕትኡ ቝልዕነተይ፡ ሳእኒ ኣይነበረንን፡ እኹል ምግቢ ዘይረኽበሉ እዋናት እውን ነይሩ እዩ።

 ገና ንእሽቶ ኸለኹ እየ ኽሰርቕ ጀሚረ። ንስድራ ቤትና ዝሕግዝ ዝነበርኩ እዩ ዚመስለኒ ነይሩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ፖሊስ ሒዞምኒ። ስለዚ፡ ብ1988 ወዲ 14 ዓመት ከለኹ፡ ኣቦይ ናብ ቤት ትምህርቲ ተሓድሶ ሰደደኒ። ኣብኡ ኽልተ ዓመት ጸናሕኩ፣ ኣልሓማይ ክኸውን እውን ተምሃርኩ። ካብኡ ምስ ወጻእኩ፡ ብቕንዕና ኽነብር እየ ሓሲበ ነይረ፣ ግናኸ፡ ስራሕ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ኣልባንያ ብፖለቲካዊ ነውጺ ትሓልፍ ብምንባራ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ኣስፋሕፊሑ እዩ ነይሩ። በዚ ተስፋ ስለ ዝቘረጽኩ፡ ምስ ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ግዜ ኸሕልፍን ዳግም ክሰርቕን ጀመርኩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣነን ኣዕሩኸይን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣቶና፣ ሰለስተ ዓመት ክንእሰር እውን ተፈርደና።

 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ፡ መሊሰ ኣብ ገበን ተዋፈርኩ። ቍጠባ ኣልባንያ ወዲቑ እዩ ነይሩ፣ እታ ሃገር እውን ኣብ ሕንፍሽፍሽ እያ ነይራ። ኣብቲ ዘይምርግጋእ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ብዙሕ ገንዘብ እረክብ ነይረ። ሓደ እዋን፡ ብረት ሒዝና ምስ ዘረፍና፡ ክልተ ተሓባበርተይ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተዉ፣ ኣነ ድማ ነዊሕ ዓመታት ምእንቲ ኸይእሰር ኢለ ኻብታ ሃገር ሃደምኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዩሊንዳ ንዝስማ ሰበይተይ ተመርዕየያስ ወዲ ወሊድና ኔርና ኢና።

 ሽዑ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከድና። ምስ ሰበይተይን ወደይን ሓድሽ ህይወት ክጅምር ሓሳብ እኳ እንተ ነበረኒ፡ ኣመለይ ግና ኣመና ሱር ሰዲዱ እዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣብ ገበን ኢደይ ኣእቶኹ። ሽዑ ኸኣ ኣብ ንግዲ ሓሽሽ እየ ተዋፊረ፣ ብዙሕ ገንዘብ እውን እሕዝ ነይረ።

 እሞ ደኣ ዩሊንዳ ብዛዕባ ንግዲ ሓሽሽ ከመይ እዩ ዚስምዓ ነይሩ፧ ካብ ኣፋ እስከ ንስምዓዮ፦ “ኣብ ኣልባንያ ኻብ ንእስነተይ ኣትሒዘ፡ ካብ ድኽነት ከምልጥ እየ ዝሓልም ነይረ። ህይወተይ ንምምሕያሽ፡ ዝዀነ ነገር ክፍትን ፍቓደኛ እየ ነይረ። ገንዘብ ንህይወትና ዜመሓይሾ ይመስለኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ንኣርታን ኣብቲ ኣብ ሓሶትን ስርቅን ንግዲ ሓሽሽን ዝነበሮ ተሳትፎ ምሉእ ብምሉእ እድግፎ ነይረ እየ፣ ጥራይ ገንዘብ ዜምጽእ ይኹን።”

“ንኣርታን ኣብቲ ኣብ ሓሶትን ስርቅን ንግዲ ሓሽሽን ዝነበሮ ተሳትፎ ምሉእ ብምሉእ እድግፎ ነይረ።”—ዩሊንዳ

 ድሕሪኡ፡ ብ2002 ህይወትና ተለወጠ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ዝነበረና መደብ ኰነ ሕልሚ ድማ ብሃንደበት ተጐናደበ። ብዙሕ ሓሽሽ ሒዘ ተረኸብኩ፣ ዳግም እውን ተኣሰርኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

 ኣነ ኸይፈለጥኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ኪጸልዎ ጀሚሩ ነይሩ። ኣብ 2000፡ ዩሊንዳ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺባ ነይራ፣ ምሳታቶም እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚራ ነይራ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜሰልኪ ገይረ እርእዮ ብምንባረይ፡ ብዛዕባኡ ኽመያየጥ ድሌት ኣይነበረንን። ዩሊንዳ ግና ትፈትዎ ነይራ። ንሳ ባዕላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣነ ኣብ ሃይማኖታዊ ስድራ ቤት እየ ዓብየ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ እውን እፈትዎን አኽብሮን ነይረ እየ። ካብ ቀደመይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ክፈልጥ ድሌት ነይሩኒ፣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ እውን ኣሐጒሱኒ እዩ። ብዙሕ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ እዩ ተዋሒጡለይ። እቲ እተምሃርክዎ፡ ኣብ ህይወተይ ለውጥታት ክገብር ሓጊዙኒ እዩ። ኣብቲ ብዛዕባ ገንዘብ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ግና፡ ክሳዕ እቲ ኣርታን እተኣስረሉ እዋን፡ ብዙሕ ለውጢ ኣይገበርኩን ነይረ። ማእሰርቱ ግና ኣንቂሑኒ። ሽዑ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ ዚብሎ ሓቂ ምዃኑ፡ ብሃንደበት ክግንዘብ ክኢለ። ደድሕሪ ገንዘብ ብዚከኣለና እኳ እንተ ጐየና፡ ሓጐስ ግና ኣይረኸብናን። ድሕርዚ፡ ምሉእ ብምሉእ መለክዒታት ኣምላኽ ክስዕብ ከም ዘሎኒ ተረዲኡኒ።”

 ብ2004 ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻእኩ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ እውን ናብ ንግዲ ሓሽሽ ክምለስ ፈተንኩ። ኣተሓሳስባ ዩሊንዳ ግና ተቐዪሩ እዩ ነይሩ፣ ሓደ ዝበለቶ ነገር እውን ናብ ልበይ ኪምለስ ሓጊዙኒ። “ድሕሪ ሕጂ ገንዘብካ ኣይደልን እየ። ሰብኣየይ ኪምለሰለይ እየ ዝደሊ፣ ደቀይ ኣቦ ኺህልዎም እየ ዝደሊ” ኢላትኒ። እዚ ኣሰምቢዱኒ፣ ግናኸ፡ ሓቃ እያ ነይራ። ንዓመታት ካብ ስድራይ ተፈልየ እየ ነይረ። ብዛዕባ እቲ ብቕጥፈት ደድሕሪ ገንዘብ ምጕያይ ዘስዓበለይ ጓሂ ልቢ እውን ሓሰብኩ። ስለዚ፡ መገድታተይ ክቕይር፡ ምስ ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ዝነበረኒ ርክብ እውን ክበትኽ ወሰንኩ።

 እቲ ናይ ሓቂ ነጥበ መቐይሮ ዝዀነኒ ኸኣ፡ ምስ ሰበይተይን ክልተ ደቀይን ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ከድኩ እዩ። በቲ ኣብኡ ዝረኸብክዎም ቅኑዓትን ምቕሉላትን ሰባት ብሓቂ እየ ተመሲጠ። ኣብ መወዳእታ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ።

ብዙሕ ገንዘብ እንተ ኣጥሪና፡ ሓጐስ እንረክብ ይመስለኒ ነይሩ

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ “ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት እዩ፣ ገሊኦም ነዚ ፍቕሪ እዚ እናተመጣጠሩ . . . ንርእሶም . . . ብብዙሕ ስቓይ ወጋጊኦም እዮም” ዚብል ተምሃርኩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓቂ ምዃና፡ ኣጸቢቐ እፈልጥ ነይረ እየ! እቲ ቕድሚኡ ዝነበረኒ ህይወት ዘስዓበለይ ሳዕቤናትን ኣብ ስድራ ቤተይ ኰነ ኣባይ ዘሕደሮ ጕድኣትን ብዙሕ እዩ ኣጣዒሱኒ። (ገላትያ 6:7) ብዛዕባ እቲ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ንዓና ዘላቶም ፍቕሪ ምስ ተምሃርኩ፡ ስብእናይ ክቕይር ጀመርኩ። ብዛዕባ ርእሰይ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝሓስብ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ክሓስብ ጀመርኩ፣ እዚ ድማ ምስ ስድራ ቤተይ ዝያዳ ግዜ ምሕላፍ ዜጠቓልል ነበረ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ” ዚብል ምኽሪ ጠቒሙኒ እዩ። (እብራውያን 13:5) ሕጂ ሰላምን ንጹህ ሕልናን ኣሎኒ። እዚ ኸኣ ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጦ ሓጐስ እዩ ኣምጺኡለይ። ሓዳረይ ድልዱል እዩ፣ ስድራ ቤትና ኸኣ ኣጸቢቕና ንቀራረብ ኢና።

 ብዙሕ ገንዘብ እንተ ኣጥሪና፡ ሓጐስ እንረክብ ይመስለኒ ነይሩ። ሕጂ ግና ገበንን ፍቕሪ ገንዘብን ብዙሕ ስቓይ ከም ዘምጽኣለይ ብንጹር ይርኣየኒ እዩ። ብገንዘባዊ መዳይ ሃብታማት እኳ እንተ ዘይኰንና፡ ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፡ ማለት ዕርክነት ምስ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝረኸብና እዩ ዚስምዓኒ። ስድራ ቤትና ብሓድነት ከተምልኾ ምኽኣላ፡ ብሓቂ የሐጕሰና እዩ።

ኣብ ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ስድራ ቤተይ