ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣይርላንድን ብሪጣንያን ዚነብሩ ሰባት ብቛንቋኦም ይብሰሩ

ኣብ ኣይርላንድን ብሪጣንያን ዚነብሩ ሰባት ብቛንቋኦም ይብሰሩ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣይርላንድን ብሪጣንያን ንዚነብሩ ሰባት ብቛንቋኦም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኬበስርዎም ኣበርቲዖም ይጽዕሩ ኣለዉ። a እቲ ዚጥቀሙሉ ቛንቋ እንግሊዝኛ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣይርላንድኛ፡ ጋኤልኛ (ናይ ስኮትላንድ)፡ ወይልስኛ የጠቓልል።

ኣብ መስከረም 2012፡ እቲ ለውጥታት ተገይሩሉ እተዳለወ ወብ ሳይት jw.org ብሓያሎ ቛንቋታት፡ እንተላይ ብኣይርላንድኛን ብወይልስኛን ከም ዚዕየየሉ ጌርና ኢና። ካብ ነሓሰ 2014 ጀሚሩ ድማ እዚ ወብ ሳይት እዚ ብጋኤልኛ ይርከብ እዩ። በዚ ቛንቋታት እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እተፈላለየ ጽሑፋት እውን ንሓትም ኢና። ብዙሓት ብዛዕባ እዚ እተገብረ ጻዕሪ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትራክት ብጋኤልኛ ምስ ተቐበለ፡ ብኡብኡ ዓው ኢሉ ኣንበቦ፡ ኪነብዕ ድማ ጀመረ። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ከርኢ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ በቲ ብሉጽ ብቕዓት እቲ ትርጉም ኣዝዩ ስለ እተገረመ እዩ። “ነዚ መን እዩ ተርጒምዎ፧ ኣዚዩ ጽቡቕ እዩ” ብምባል ከኣ ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ እዩ።

ኣብታ jw.org ብጋኤልኛ እተፈነወላ ናይ መጀመርታ ወርሒ፡ ከባቢ 750 ሰባት ነቲ ወብ ሳይት ከፊቶም ርእዮም እዮም።

ሓደ ኣብ ጋልወይ፡ ኣይርላንድ ኣብ ዚርከብ ናሽናል ዩኒቨርሲቲ መምህር ኰይኑ ዚዓዪ፡ ብዛዕባ ሃይማኖት ተገዳስነት ከም ዘይብሉ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ገሊጽሉ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እታ መጽሓፍ ቅዱስ—እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ብቛንቋ ኣይርላንድ ከም ዘላ ምስ ፈለጠ ግና፡ ሓንቲ ብሮሹር ክትውሃቦ ሓተተ። ኵሉ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብቛንቋኡ ኺረክብ ኣለዎ ዚብል ኣረኣእያ ድማ ነበሮ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ንተዛረብቲ ቛንቋ ኣይርላንድ ንምጥቃም ኢሎም እተፈላለየ ጽሑፋት ብምድላዎም ንኢድዎም እዩ።

ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብሮሹር ብወይልስኛ ምስ ተቐበለት፡ “ሓቂ ዘረባ፡ እዛ ብሮሹር ብእንግሊዝኛ እንተ ትህቡኒ ኣይምተቐበልኩኹምን ነይረ፡ ብቛንቋይ ምርካበይ ግና ደስ ዜብል እዩ” ብምባል ሓጐሳ ገለጸት።

ኣብ ነሓሰ 2014፡ ቍጽሪ እቲ ኣብ jw.org ብወይልስኛ እነወጽኦ ሕታማት ወሲኹ እዩ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ፡ ቍጽሪ እቶም ጽሑፋት ብወይልስኛ ምእንቲ ኼንብቡ ወብ ሳይትና እተጠቕሙ ሰባት እውን ብዕጽፊ ወሲኹ እዩ።

“ሓደ ዓይነት ቋንቋ ኢና እንዛረብ”

የሱስ ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ኬብርሃሎም ከሎ፡ “ኣብ መገዲ ኺዛረበናን ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ኪገልጸልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ኣብ ውሽጥና ይነድድ ኣይነበረን፧” ብምባል ስምዒቶም ገሊጾም እዮም። (ሉቃስ 24፡32) ብዙሓት ሰባት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ብንጹር ምስ ተገልጸሎም፡ ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ ይገብሩ እዮም።

ሓደ ኤሚር እተባህለ ኣብ ወይልስ ዚነብር ሰብኣይ በዓልቲ ቤቱ ናይ የሆዋ ምስክር እያ፣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ምስኣ ተኻፊሉ ኣይፈልጥን እዩ። ድሕሪ ግዜ ግና ምስ ሓደ ራስል እተባህለ ናይ የሆዋ ምስክር ተዓራረኸ። ኣረኣእያኡ ብኸመይ ከም እተቐየረ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ራስል ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ b ዘርእስታ መጽሓፍ ምስ ሃበኒ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ወሰንኩ። ነታ መጽሓፍ ኪህበኒ ኸሎ፡ ‘እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብወይልስኛ እያ ተዳልያ። ካብ ሎሚ ጀሚርና ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸነጽንዓ ኢና’” በለኒ። ኤሚር በቲ ራስል ብግልጺ ዝገበሮ ኣቀራርባ እተመሰጠ ስለምንታይ እዩ፧ ንሱ ባዕሉ ኸምዚ ይብል፦ “ሓደ ዓይነት ቋንቋ ኢና እንዛረብ፡ ተመሳሳሊ ባህሊ ድማ ኣሎና፡ ንሓድሕድና እውን ጽቡቕ ኢና እንረዳዳእ።” ኤሚር መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ቛንቋ ኣዲኡ ዝዀነ ወይልስኛ ኼጽንዕ ከሎ፡ ልቡ “ይነድድ” ነበረ፡ ነቲ እተዋህቦ መግለጺ ድማ ብንጹር ተረዲእዎ እዩ።

ሰባት በቲ ልቢ ዚትንክፍ ቋንቋ ኣዲኦም ብዛዕባ ኣምላኽ ምእንቲ ኺምሃሩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሕግዝዎም ወትሩ ይጽዕሩ እዮም።

a ኣብዚ ብሪጣንያ ኺብሃል ከሎ፡ ንዓዲ እንግሊዝን ስኮትላንድን ወይልስን የመልክት።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ።