ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽልኢ ስዒሮምዎ

ንጽልኢ ስዒሮምዎ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣምላኽ ንዅሎም ዓሌታት ብማዕረ ኸም ዚርእዮም እዮም ዚኣምኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ብትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ንሰባት ሱር ዝሰደደ ጽልኢ እውን ከይተረፈ ኼወግዱ ኽንሕግዞም ንጽዕር ኢና።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብዓሌታውን ብቐቢላውን ጽልኢ ንዚለዓዓል ዝዀነ ይኹን ምንቅስቓስ ኣይንድግፍን ኢና። ንኣብነት፡ እቶም ብግዜ ናዚ ኣብ ጀርመንን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሂትለር ዘለዓዓሎ ናይ ጽልኢ ወፈራ ምድጋፍ ኣበዩ። ብኣማእታት ዚቝጸሩ ድማ ነዚ ወፈራ እዚ ብዘይ ምድጋፎም ተቐቲሎም እዮም።

ብተመሳሳሊ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣባላቶም ኣብቲ ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ እተኻየደ ጃምላዊ ቕትለት ኪሳተፉ ኣየተባብዑን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ገሊኣቶም ነቶም ዚህደኑን ዚቕተሉን ዝነበሩ ንምዕቋብ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም፡ ገሊኦም እውን ህይወቶም ስኢኖም እዮም።

ንዅሎም ሰባት ክንሕግዝ ስለ እንደሊ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብኣስታት 600 ቛንቋ ንሓትምን ንዝርግሕን ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ ጉባኤታትና፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ንዝመጹ ሰባት ሓንጐፋይ ኢለን እየን ዚቕበላኦም።—ራእይ 7:9