ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ርእሰ ቕትለት ድሒኖም

ካብ ርእሰ ቕትለት ድሒኖም

ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት እናኸዱ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ ኣብ ሓንቲ ቤት ኳሕኵሑ። ሓደ እተዘንበ ሰብኣይ ከኣ ማዕጾ ኸፈተሎም፣ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መደያይቦ እተንጠልጠለ ገመድ ነበረ።

እቲ ሰብኣይ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪኣትዉ ምስ ዓደሞም፡ እቲ ገመድ ንምንታይ ምዃኑ ሓተትዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ኪሕነቕ ሓሲቡ ኸም ዝነበረ፡ ደወል ምስ ተደወለ ግና ንመወዳእታ ግዜ ማዕጾ ኪኸፍት ከም ዝወሰነ ነገሮም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሰብኣይ ሓሳቡ ኪቕይር ኬእምንዎ ፈተኑ፣ ቀጺሎም ድማ፡ ናብ ዚሕግዞ ሓኪም ወሰድዎ።

እዚ ዛንታ እዚ ኣብ ጋዜጣ በልጅዩም ወጸ። ኰይኑ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ሰብ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ካብ ርእሰ ቕትለት ኣድሒኖምዎ። ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም እተረኽበ ካልእ ዛንታታት እውን ንርአ።

ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣብ ግሪኽ እትነብር ሰበይቲ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ዓርከይ ሕማቕ ነገር ስለ ዝገበረኒ፡ ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣሕዲረ ነይረ። ብዙሕ ስለ እተሳቐኹ፡ ንህይወተይ ከጥፍኣ ወሲነ። ርእሰ ቕትለት ምሕሳበይ ጥራይ እፎይታ ኣምጺኡለይ ነይሩ፣ ነቲ ስቓይ ደው ከብሎ ደልየ ነይረ።”

እታ ሰበይቲ ኸምኡ ኣብ ክንዲ እትገብር ግና፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ደለየት። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ክትእከብ ጀመረት። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ካብቶም ኣሕዋት ነታ ነዚ ዅሉ ዓመታት ዝደልያ ዝነበርኩ ንጥቕሚ ኻልኦት እተቐድም ፍቕሪ ረኺበ” ኢላ ጸሓፈት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ክኣምኖም ዝኽእል ናይ ሓቂ ፈተውቲ ረኺበ እየ። ህድእትን ሕጕስትን እየ፣ ብዛዕባ መጻኢ እውን ኣይጭነቕን እየ” በለት።

ሓንቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር ድማ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ሓንቲ ዝፈልጣ ሰበይቲ ኣመና ተጨኒቓ ደዊላትለይ፣ በታ ለይቲ እቲኣ ህይወታ ኸተጥፍእ ምዃና ድማ ነጊራትኒ። ኣብ ናይ ግንቦት 2008 ንቕሑ! ኣብ ዝወጸት ዓንቀጽ ብዝረኸብክዎ ነጥብታት ገይረ ርእሰ ቕትለት ከይትፍጽም ኣእሚነያ፡ ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነጊረያ። ድሕሪኡ፡ ጸገማት እኳ እንተ ኣለዋ፡ ህይወታ ኸተጥፍእ ኣይትደልን እያ።”

ኣብ ጋና፡ ማይክል ዚብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ሓንቲ ኣብ ስራሑ እትሰርሕ ሸያጢት ሰበይቲ ኺዛራረብ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣመና ኸም እተጨነቐት ስለ ዘስተብሃለላ፡ እንታይ ከም ዝዀነት ሓተታ።

ንሳ ድማ ሰብኣያ ንዓኣ ሓዲጉ ኻልእ ሰበይቲ ስለ ዝሓዘ፡ ርእሳ ኽትቀትል ከም ዝደልየት ነገረቶ። ሽዑ፡ ማይክል ኣጸናንዓ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚገልጻ ኽልተ መጻሕፍቲ እውን ሃባ። እቲ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ድማ ካብ ርእሰ ቕትለት ኣድሓና። እታ ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጸለት፣ ሕጂ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ኣላ።

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትሕተም ጋዜጣ፡ ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ኣገልግሎት ከሎ፡ ሞተራ ኸይጠፍአ ደው ዝበለት ማኪና ኸም ዝረኣየ ገለጸት።

እቲ መንእሰይ ከምዚ በለ፦ “ዓሰርተ ሰንቲ ሜተር ዝሰንጣቒቱ ትቦ መንቀጺት ማሽን ኣብቲ መውጽኢ ትኪ ተወቲፉ ርእየዮ። በቲ ሓደ ጫፉ ኸኣ ብመስኮት እታ ማኪና ኣትዩ ነይሩ፣ እቲ መስኮት ድማ ብመጣበቒ ሸሪጥ ተሓቲሙ ነይሩ።

“ተቐላጢፈ ናብታ ማኪና ምስ ከድኩ፡ ኣብታ ብትኪ እተዓፈነት ማኪና እትበኪ ሰበይቲ ርእየ። ዓው ኢለ፡ ‘እንታይ ትገብር ኣለኺ፧’ ኢለያ።

“ነቲ ማዕጾ ክኸፍቶ ምስ በልኩ፡ ኣብ ድሕሪት እታ ማኪና ሰለስተ ቘልዑ ርእየ። ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈትክዎ፡ ‘ክኸይድ ኣሎኒ! ክኸይድ ኣሎኒ! ደቀይ ሒዘ ክኸይድ ኣሎኒ’ ኢላትኒ።

“ኣነ ድማ፡ ‘በጃኺ ኸምኡ ኣይትግበሪ፡ እዚ ፍታሕ ኣይኰነን!’ ኢለያ።

“ንሳ ኸኣ፡ ‘ናብ ሰማይ ክኸይድ ኣሎኒ። ደቀይ ሒዘ ክኸይድ ኣሎኒ’ ኢላ መሊሳትለይ።

“ንሳ ኽትበኪ ኸላ ድማ፡ ብብርከይ ተምበርኪኸ፡—ሽዑ ኣነ እውን ክነብዕ ጀሚረ ነይረ። መሊሰ፡ ‘በጃኺ ኸምኡ ኣይትግበሪ’ ኢለያ። ድሕሪኡ፡ ሓቚፈ ቐስ ኣቢለ ኻብታ ማኪና ኣውጺአያ።

“ሽዑ፡ ዓው ኢላ፡ ‘ደቀይ ኣድሕነለይ!’ ኢላትኒ።

“ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ናባይ ገጾም ዘርጊሖምዎ። ክልተ ደቂ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ዝዀና ኣዋልድን ሓደ ወዲ ኽልተ ዝዀነ ወድን እዮም ነይሮም። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኺሞቱ ይኽእሉ ምንባሮም ከይፈለጡ፡ ብጸጥታ ኣብ ድሕሪት እታ ማኪና ኾፍ ኢሎም እዮም ነይሮም።

“ኣርባዕቲኦም ካብታ ማኪና ምስ ወጹ፡ ነቲ ሞተር ኣጥፊአዮ። ሽዑ፡ ሓሙሽቴና ኣብ ደንደስ ሓደ ሓጺር መንደቕ ኮፍ ምስ በልና፡ ‘እንታይ ኢኺ ዄንኪ፡ ንገርኒ’ ኢለያ።”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህይወት ከም ክብርቲ ውህበት ፈጣሪና ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። ኣብ መላእ ምድሪ ነቶም ብርእሰ ቕትለት ሰቦም ዝሞቶምን ነቶም ርእሰ ቕትለት ኪፍጽሙ ዚፍትኑን ኬጸናንዑ ይጽዕሩ እዮም።