ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ሮማ ብቛንቋ ታጋሎግ እተገብረ ኣኼባ ዞባ—“ዳግም እተኣኻኸበ ዓብዪ ስድራ”

ኣብ ሮማ ብቛንቋ ታጋሎግ እተገብረ ኣኼባ ዞባ—“ዳግም እተኣኻኸበ ዓብዪ ስድራ”

ካብ 24-26 ሓምለ 2015 ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ተዛረብቲ ቛንቋ ታጋሎግ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብታ ቛንቋ ታጋሎግ ዚዝረበላ ፊሊፒንስ ልዕሊ 10,000 ኪሎ ሜተር ርሒቖም፡ ኣብ ሮማ፡ ኢጣልያ ፍሉይ ኣኼባ ዞባ ገይሮም ነይሮም።

ብመሰረት ሓደ ገምጋም፡ ልዕሊ 850,000 ደቂ ፊሊፒንስ ኣብ ኤውሮጳ ይነብሩ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዚርከባ ኣስታት 60 ጉባኤታትን ጕጅለታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቛንቋ ታጋሎግ ኣኼባታት ይገብራ፡ ኣብ ከባቢአን ንዚርከቡ ደቂ ፊሊፒንስ ድማ ይሰብካ እየን።

ይኹን እምበር፡ እቲ እዘን ጉባኤታትን ጕጅለታትን እዚአን ኣብ ሮማ ብቛንቋአን ዝገበራኦ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ ዞባ ንፈለማ እዋን እዩ ነይሩ። እቶም 3,239 ዝዀኑ ተኣከብቲ፡ ሓውና ማርክ ሳንደርሰን ዝስሙ ቐደም ኣብ ፊሊፒንስ ዜገልግል ዝነበረ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ ናይ መደምደምታ መደረ ምስ ሃበ ተሓጒሶም እዮም።

“ንልበይ ተንኪፍዎ”

ሓደ ሰብ ካብ ብኻልእ ቋንቋ ብቛንቋ ኣዲኡ ኣኼባ ዞባ ምክፋሉ እንታይ ለውጢ የምጽኣሉ፧ ኤቫ ዝስማ ንጽል ዝዀነት ኣደ፡ “እንግሊዝኛ ቝሩብ እየ ዝርዳእ። ሳላ እዚ ኣኼባ ዞባ እዚ ግና፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንልበይ ተንኪፍዎ” በለት። እዛ ኣደ እዚኣን ክልተ ደቃን፡ ካብ ስጳኛ ናብ ኢጣልያ ኺጐዓዙ ዜኽእሎም ገንዘብ ምእንቲ ኼዋህልሉ፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ ዚገብርዎ ዝነበሩ ሰሙን ሰሙን ኣብ ቤት ምግቢ ኣብ ክንዲ ዚበልዑ፡ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ጥራይ ከምኡ ኺገብሩ ወሰኑ። ኤቫ፡ “ኣብዚ ኣኼባ ዞባ እዚ ዅሉ ስለ እተረድኣኒ፡ ከምኡ ምግባርና ጠቒሙና እዩ” በለት።

ኣብ ጀርመን እትነብር ያስሚን፡ ኣብቲ ኣኼባ ምእንቲ ኽትካፈል ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ሓተተት። ከምዚ ድማ በለት፦ “ቀቅድሚ ምኻደይ ግና፡ ብዙሕ ዚስራሕ ስራሕ ስለ ዘሎ ክኸይድ ከም ዘይክእል ተነጊሩኒ። ኣነ ኸኣ ህድእ ኢለ ናብ የሆዋ ምስ ጸለኹ፡ ናብ ሓለቓይ ከይደ። ኣብቲ ኣኼባ ምእንቲ ኽካፈል ድማ ነቲ ዕዮ ኣተዓራሪና ወዲብናዮ። ካብ መላእ ኤውሮጳ ምስ ዝመጹ ፊሊፒናውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ምትእኽኻብ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ።”

መብዛሕትኦም ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ደቂ ፊሊፒንስ፡ ንዓዶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብ እተፈላለየ ኽፋላት ኤውሮጳ ንዝገዓዙ ፈተውቶም እውን ይናፍቕዎም እዮም። ኣብዚ ኣኼባ ዞባ እዚ ድማ፡ ከም ብሓድሽ ምስ ፈተውቶም ተራኺቦም እዮም፣ ሽዑ ግና፡ መንፈሳውያን ኣሕዋቶም ኣሓቶምን ኰይኖም እዮም ረኺቦምዎም። (ማቴዎስ 12:48-50) ፋብሪስ፡ “ዝፈልጦም ሰባት ምርካበይ ንልበይ ብሓጐስ መሊእዎ እዩ” በለ። ኣብ መደምደምታ እቲ ኣኼባ፡ ሓንቲ ሓብቲ፡ “ዳግም እተኣኻኸበ ዓብዪ ስድራ እዩ ዚመስል” ትብል ነበረት።