ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፖሊሲ ምስጢራውነትን ኩኪስን

ፖሊሲ ምስጢራውነትን ኩኪስን

ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሰላት ምስጢራውነት ውልቀ ሰባት የኽብር እዩ። ንዓለምለኻዊ ዕቀባ ሓበሬታ ብዚምልከት ፖሊሲ እቲ ውድብ እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ በጃኻ ኣብዚ ጠውቕ።

እቲ ፖሊሲ ዕቀባ ሓበሬታ፡ ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንውልቃዊ ሓበሬታ ብኸመይ ከም ዚሕዞ ይገልጽ። ብዘይካዚ፡ ነዚ ወብ ሳይት እዚ ዚምልከት ንጹር መምርሒታት ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ኣሎ።

እዚ ወብ ሳይት እዚ፡ ንብረት እቲ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ዚከታተል Watchtower Bible and Tract Society of New York, Inc. (“Watchtower”) ዚብሃል ንመኽሰብ ዘይቈመ ትካል ኒው ዮርክ እዩ። ገለ ኻብቲ እዚ ወብ ሳይት እዚ ዚጥቀመሉ ሰርቨራት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እዩ ዚርከብ።

ውልቃዊ ሓበሬታ

ንውልቃዊ ሓበሬታ፡ ነቲ እቲ ተጠቃሚ ውልቃዊ ሓበሬታኡ ኼእቱ ኸሎ ዚግለጸሉ ዕላማ ጥራይ ኢና እንጥቀመሉ።

ንዝሓተትካዮ ኣገልግሎት ንምሃብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ንዝዀነ ይኹን ኣካል ኣይንህብን ኢና። ይኹን እምበር፡ ሕግታትን ስርዓታትን ንምሕላው ወይ ከኣ ምስ ስርቅን ውሕስነትን ተክኒካዊ ጕዳያትን ብዚተሓሓዝ ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ምሉእ ብምሉእ እንተ ኣሚኑሉ፡ ንውልቃዊ ሓበሬታኻ ብፍቓድካ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ነዚ ወብ ሳይት እዚ ምጥቃምካ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዕላማ ጥራይ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ንሳልሳይ ወገን ኪውሃብ ከም እተሰማማዕካ ዜርኢ እዩ። ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ ዚኣቱ ዝዀነ ይኹን ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ኣይሽየጥን፡ ኣይልወጥን ወይ ኣይካረን እዩ።

ሳልሳይ ወገን ሸያጦ። ሓድሓደ እዋን፡ ኣብ ክንዳና ዀይኑ ኣገልግሎት ዚህብ ሳልሳይ ወገን ሸያጣይ ናብ ዜመሓድሮ ወብ ሳይት ዚመርሕ ሊንክ ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ ትረክብ ኢኻ። (ንኣብነት፡ ብኢንተርነት ዚምላእ ፎርም ዝሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ።) እቲ ወብ ሳይት ሳልሳይ ወገን ሸያጣይ፡ እተፈልየ ትርኢትን ኣድራሻን ስለ ዘለዎ፡ ብቐሊሉ ኸተለልዮ ትኽእል ኢኻ። ሳልሳይ ወገን ሸያጦ ኽንመርጽ ከለና፡ ምስ መረጽናዮ እውን ጸጸኒሕና፡ ብዛዕባ ፖሊሲ ምስጢራውነትን ዕቀባ ሓበሬታን ከም ናትና ዓይነት መትከል ዘለዎም እንተ ዀይኑ ንምርግጋጽ ንምርምር ኢና። ብዛዕባ ፖሊሲታት እቲ ሳልሳይ ወገን ሸያጦ ሕቶ እንተ ኣልዩካ፡ ኣብቲ ወብ ሳይቶም እተዘርዘረ ፖሊሲ ርአ።

ውሕስነት

ብዛዕባ ውሕስነት ውልቃዊ ሓበሬታኻ ኣዚና ንጥንቀቕ ኢና። ውልቃዊ ሓበሬታኻ ኣብ ዚሰጋገረሉ እዋን ከም Transport Layer Security (TLS) ብዝኣመሰለ መገዲ ብምስጢር እዩ ዚሰጋገር። ምስጢርን ውሕስነትን እቲ ናባና ዚኣቱ ሓበሬታ ዚዕቅብ፡ ብኤሌክትሮኒካዊ ዀነ ብኻልእ መገዲ ኸይወጽእ ዜኽእል ሒደት ሰባት ጥራይ ዚኣትውዎ ስርዓት ኮምፕዩተር ኢና እንጥቀም።

ኣካውንት

ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ ኣካውንት ክትከፍት ከለኻ እትህቦ ኣድራሻ ኢ-መይል፡ ምስ ኣካውንትኻ እተተሓሓዘ ሓበሬታ ንኺውሃበካ እዩ ዜገልግል። ንኣብነት፡ ነቲ ናብ ኣካውንትኻ ንምእታው ዜድልየካ ስምን መሕለፊ ቓልን እንተ ረሲዕካዮ፡ ናብ ኣካውንትኻ ንምእታው ከኣ ሓገዝ እንተ ሓቲትካ፡ ብኣድራሻ ኢ-መይልካ ኣቢሉ ብዚመጸካ መልእኽቲ ሓገዝ ኪውሃበካ እዩ።

ወፈያታት

ብኢንተርነት ገንዘብ እንተ ወፊኻ፡ ስምካን ኣድራሻኻን ንወስድ ኢና። ነቲ ወፈያኻ ብክረዲት ካርድ ምእንቲ ኽንቅበሎ፡ ውሕስነትን ፖሊሲ ምስጢራውነት ሓበሬታን ብምሕላው ዝመጸ ብደረጃ ዓለምለኸ ተፈላጥነት ዘለዎ ሜላ ኽፍሊት ኦንላይን ኢና እንጥቀም። ሓበሬታ ክሬድት ካርድኻ፡ ቍጽሪ ሕሳብ ባንክኻ፡ ወይ ካልእ ናብ ገንዘብ ኣመሓላለፍቲ ትካላት ዚልኣኽ ሓበሬታ ኣይንወስድን ወይ ኣይንኽዝንን ኢና። እቲ ተቐባሊ ወፈያ፡ ብዛዕባ እቲ ወፈያ ንዚገልጽ ሰነድ እንተ ወሓደ ንዓሰርተ ዓመት ዚኣክል ይሕዞ እዩ። እቲ ሰነድ፡ ወፈያ እተገብረሉ ዕለትን መጠን እቲ ወፈያን እተፈየሉ ሜላን ዝሓዘ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ እተጠቕሰ ዓመት እተበግሶ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ምላሽ ክንህበሉ ይሕግዘና። ተወሳኺ ወፈያ ኽትገብር ግና ኣይንሓትተካን ኢና።

ካልእ ሓበሬታ

ወፈያ ንምግባር ወይ ኣድራሻ ንምፍጣር (ንኣብነት፡ ብናጻ መጽሓፍ ቅዱስ ኽትምሃር ንምሕታት) ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልእ ዕላማ እውን ውልቃዊ ሓበሬታኻ (ከም ስምካን ኣድራሻ ጶስጣኻን ቍጽሪ ተሌፎንካን) ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ነዚ ሓበሬታ እዚ፡ ነቲ ዘእቶኻሉ ዕላማ ኽንጥቀመሉ ኢልና ጥራይ ኢና እንእክቦን እንኽዝኖን፣ ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ ጥራይ ድማ ኢና እንጥቀመሉ።

ኩኪስን ካልእ ተክኖሎጅን

ናብ ወብ ሳይትና ኽትኣቱ ኸለኻ፡ እተወሰነ ሓበሬታ ብኡብኡ ንወስድ ኢና። ነዚ ሓበሬታ እዚ እንእክቦ፡ ብ“ኩኪስ”ን ብ“ወብ ቤከን”ን ብኻልእ ተክኖሎጅታትን እዩ። ኣብዚ ፖሊሲ ምስጢራውነት፡ “ኩኪስ” ሰፊሕ ዝዀነ ትርጉም ዝሓዘ እዩ፣ ከም መኽዘን (local storage) ዝኣመሰለ ተመሳሳሊ ተክኖሎጂ እውን ይሓቁፍ።

ኩኪስ። ናብዚ ወብ ሳይት እዚ ኽትኣቱ ኸለኻ፡ መብዛሕትኡ ወብ ሳይት ከም ዚገብሮ እተወሰነ ሓበሬታ ከም “ኩኪስ” ኰይኑ ኣብ ሞባይልካ፡ ታብለትካ፡ ወይ ኮምፕዩተርካ ኪኽዘን ይኽእል እዩ። እተፈላለየ ዕዮ ዚዓይን ነዚ ወብ ሳይት እዚ ንእትጥቀመሉ መገዲ ዜመሓይሽን እተፈላለየ ዓይነት ኩኪስ ኣሎ። ነቲ ኩኪስ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብ ወብ ሳይትና ኣቲኻ እንተ ኔርካ ንምፍላጥ ወይ ነቲ ወብ ሳይት ክትጥቀም ከለኻ ትጥቀመሉ ዝነበርካ ምርጫ ንምዝካር ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ንወብ ሳይትና ኽትጥቀም ከለኻ ዝመረጽካዮ ቛንቋ ኣብ ኩኪስ ስለ ዚቕመጥ፡ ካልእ እዋን ናብቲ ወብ ሳይት ክትኣቱ ኸለኻ፡ እቲ ወብ ሳይት በቲ ኣቐዲምካ ዝመረጽካዮ ቛንቋ ይኽፈት። ኩኪስ ንመወዓውዒ ኣይንጥቀመሉን ኢና።

ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ እንጠቀመሉ ዓይነት ኩኪስ ኣብ ሰለስተ ይኽፈሉ፦

  1. ኣዝዩ ኣገዳሲ ኩኪስ፦ እዚ ዓይነት ኩኪስ እዚ፡ ገሊኡ ዓይነት ትሕዝቶ እዚ ወብ ሳይት እዚ ንምጥቃም ኣድላዩ እዩ፣ ንኣብነት፡ ብኣድራሻኻ ናብቲ ወብ ሳይት ክትኣቱ ወይ ኣብቲ ወብ ሳይት ፎርም ክትመልእ ከለኻ የድሊ እዩ። እዚ ኩኪስ እዚ እንተ ዘየልዩ፡ ወፈያ ኽትገብርን ካልእ ኣገልግሎት ክትረክብን ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ኩኪስ እዚ፡ ኣብቲ ወብ ሳይት ክትደሊ ኸለኻ ንእትሓትቶ ኣገልግሎት ከነቕርበልካ እውን የኽእለና እዩ። ንንግዲ ወይ ኣብ ኢንተርነት ክትኣቱ ኸለኻ ንምዝካር ዚሕግዘና ሓበሬታ ንምእካብ ግና ኣይንጥቀመሉን ኢና።

  2. ዕማማዊ ኩኪስ፦ እዚ ዓይነት ኩኪስ እዚ፡ እቲ ወብ ሳይት ነቲ ኣቐዲምካ ዝመረጽካዮ ነገራት (ንኣብነት፡ ስም ተጠቃሚ፡ ቋንቋ፡ ወይ ዘለኻሉ ዞባ) ንምዝካርን ብዝሓሸ መገዲ ኽትጥቀም ዚሕግዝካ ኣገልግሎት ንምሃብን የኽእሎ።

  3. መጽናዕታዊ ኩኪስ፦ እዚ ዓይነት ኩኪስ እዚ፡ ናብዚ ወብ ሳይት ዚኣትዉ ሰባት ነዚ ወብ ሳይት እዚ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ ሓበሬታ ንምእካብ ይጠቅም፣ ንኣብነት፡ ቍጽሪ በጻሕቲ ወይ ኣብቲ ወብ ሳይት ዚጸንሑሉ ገምጋም ግዜ ይእክብ። እዚ ሓበሬታ እዚ፡ ንዕዮ እዚ ወብ ሳይት እዚ ንምምሕያሽ ጥራይ ኢና እንጥቀመሉ።

ገሊኡ ኩኪስ፡ ብወብ ሳይትና እተዳለወ ናይ ቀዳማይ ወገን ኩኪስ እዩ። ገሊኡ ግና ካልኦት ወብ ሳይታት ዘዳለውዎ ናይ ሳልሳይ ወገን ኩኪስ እዩ። ምስ Google reCAPTCHA ዚተሓሓዝ ናይ ሳልሳይ ወገን ኩኪስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናይ ቀዳማይ ወገን ኩኪስ ጥራይ ኢና እንጥቀም። Google reCAPTCHA ከኣ፡ ነቲ ወብ ሳይት ዚጥቀም ዘሎ ሰብ ድዩ ኮምፕዩተር ኣለሊና ኣውቶማቲክ ስፓም ክንከላኸል ይሕግዘና። ብዛዕባ ፖሊሲ ምስጢራውነት ጉግል ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ በጃኻ ነዚ ዚስዕብ ሊንክ ርአ፦ https://www.google.com/intl/en/policies/privacy/

ወብ ቢከንስ። ገሊኡ ገጻት ወብ ሳይትና፡ ንጥፈታትካ ክንምዝግብ ዜኽእለና ወብ ቢከንስ ዚብሃል ንኣሽቱ ኤልክትሮኒካዊ ፋይላት ሒዙ ኣሎ፣ ንኣብነት፡ ናብ ገሊኡ ገጻት ክትኣቱ ኸለኻ ነዚ ንጥቀመሉ ኢና። ወብ ቢከንስ፡ እዚ ወብ ሳይት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚዝውተር ንምክትታልን ብቕዓቱ ንምቍጽጻርን ይሕግዝ።

ኣጠቓቕማ ኣድራሻ ኣይፒ። ኣድራሻ ኣይፒ፡ ኮምፕዩተርካ ኣብ ኢንተርነት ክትልለ ዜኽእላ ቑጽሪ ኣድራሻ እዩ። ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ ኣጠቓቕማኻ ንምፍላጥን ዜጋጥመካ ጸገማት ንምልላይን ነቲ እነቕርበልካ ኣገልግሎት ንምምሕያሽን፡ ነቲ ናትካ ኣድራሻ ኣይፒ ዀነ ነቲ ንመድለዪ እትጥቀመሉ ፕሮግራም ንጥቀም ኢና።

ምርጫኻ። መብዛሕትኡ መድለዪ ፕሮግራማት ኩኪስ ከተጥፍእ ወይ ኣብ መሳርሒኻ ኩኪስ ቅድሚ ምኽዛኑ መጠንቀቕታ ኸም ዚነግረካ ኽትገብር እትኽእለሉ ኣማራጺ ኣለዎ። ነዚ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ በጃኻ ንመምርሒታት እቲ እትጥቀመሉ መድልዪ ተወከስ። ብዘይ ኩኪስ ግና ንዅሉ ትሕዝቶ ወብ ሳይትና ኽትጥቀመሉ ኸም ዘይትኽእል ኣስተብህል።

ኣክቲቭ ስክሪፕቲንግ ወይ ጃቫስክሪፕት

jw.org ስክሪፕቲንግ ዚጥቀም፡ እዚ ወብ ሳይት እዚ ብጽቡቕ ከም ዚዓዪ ንምግባር እዩ። እዚ ተክኖሎጂ እዚ፡ jw.org ንተጠቃሚ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ኺመልስ እዩ ዚሕግዞ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኮምፕዩተር ተጠቃሚ ሶፍትዌር ንምጽዓን ወይ ከኣ ካብ ተጠቃሚ ዘይተፈቕደ ሓበሬታ ንምእካብ ኣብ ጥቕሚ ኣይውዕልን እዩ።

ገሊኡ ኽፋል jw.org ብግቡእ ምእንቲ ኺሰርሕ፡ ኣብ መድለዪ (browser) ዘሎ ኣክቲቭ ስክሪፕቲንግ ወይ ጃቫስክሪፕት ኪውላዕ ኣለዎ። ሓያሎ መድለዪታት ወብ ሳይት (Web browsers)፡ ኣክቲቭ ስክሪፕቲንግ ወይ ጃቫስክሪፕት ኣብ ገሊኡ ወብ ሳይታት ከም ዚውላዕ ወይ ከም ዚጠፍእ ይገብር እዩ። ኣብ ገሊኡ ወብ ሳይታት፡ ስክሪፕቲንግ ብኸመይ ከም ዚውላዕ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ብዛዕባ እዚ እተዳለወ ሓጋዚ ሰነድ (Web browser help documentation) ርአ።

መሰላትካ

ነዚ ወብ ሳይት እዚ ብናጻ ኽትርእዮን ሕታማትን ቪድዮታትን ቅድሓት ኣውድዮን ብናጻ ኸተራግፈሉን ትኽእል ኢኻ። ኣካውንት ክትከፍት፡ ወፈያ ኽትገብር፡ ወይ ካብዚ ወብ ሳይት እዚ ምእንቲ ኽትጥቀም ኢልካ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ኽትህብ ኣይትግደድን ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ብፍቓድካ ኣካውንት ክትከፍት፡ ወፈያ ኽትገብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ክትሓትት ወይ ካልእ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ዚሓትት ተግባራት ክትገብር እንተ ወሲንካ፡ ምስዚ ፖሊሲ ምስጢራውነት ኩኪስን ከም እተሰማማዕካ እዩ ዜርኢ። ብዘይካዚ፡ ሓበሬታኻ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ሰርቨር ኪኽዘን፡ Watchtower ኰነ ንዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚድግፍ ትካላት ነቲ ዝሓተትካዮ ጠለብ ንምምላእ ንውልቃዊ ሓበሬታኻ ኽእክብን ኪጥቀመሉን ኬመሓላልፎን ኪኽዝኖን ከም እተሰማማዕካ እዩ ዜርኢ። እቲ ዚእከብ ሓበሬታ ኸከም እቲ ነቲ ወብ ሳይት እትጥቀመሉ መገዲ እተፈላለየ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ናብ ዚርከብ ሕጋዊ ትካል ገንዘብ እንተ ወፊኻ፡ እቲ ዝገበርካዮ ወፈያ ምእንቲ ኺመሓላለፍ ስምካን ኣድራሻኻን ናብቲ ሕጋዊ ትካል ይልኣኽ እዩ። ወይ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ እንተ ሓቲትካ፡ ንሕቶኻ ምላሽ ምእንቲ ኺውሃበሉ፡ ስምካን ኣድራሻኻን ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልኣኽ እዩ።

ኣካውንት ክትከፍት፡ ወፈያ ኽትገብር፡ ወይ ካብዚ ወብ ሳይት እዚ ኻልእ ጥቕሚ ኽትረክብ ዜድሊ ውልቃዊ ሓበሬታ እንተ ዘየማሊእካ፡ ነቲ ዝደለኻዮ ጠለብ ከነማልኣልካ ኣይንኽእልን ኢና።

ነቲ እንጥቀመሉ ፖሊሲ ምስጢራውነት ክንቅይሮ ኣገዳሲ ዀይኑ እንተ ረኺብናዮ፡ ነየናይ ሓበሬታ ኸም እንእክብን ብኸመይ ከም እንጥቀመሉን ወትሩ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነቲ ለውጢ ኣብዚ ገጽ እዚ ኸነእትዎ ኢና።

ንውልቃዊ ሓበሬታኻ ዚምልከት ሕጊ ዚፈቕዶ ተወሳኺ መሰላት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ መሰላት እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ ዝሃብካና ውልቃዊ ሓበሬታ ምርካብ፡ ምእራም፡ ወይ ምድምሳስ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ሕጊ እዚ፡ ኣብ ሃገርካ ተግባራዊ ዚኸውን እንተ ዀይኑ፡ ኣብዚ ኣድራሻ ኽትረክብ ኢኻ። ንውልቃዊ ሓበሬታኻ ብዚምልከት ዘቕረብካዮ ሕቶ፡ ምስቲ ዝገበርካዮ ወፈያ ዚተሓሓዝ እንተ ዀይኑ፡ በጃኻ ምስቲ ወፈያ ኽትገብር ከለኻ እተገልጸልካ ተቐባሊ ወይ ምስቲ ኣብ ቅብሊት ወፈያኻ ዘሎ ኣድራሻ ተራኸብ።