ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧

ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ትንሳኤ ኪኸውን . . . ተስፋ ኣሎኒ።”​—ግብሪ ሃዋርያት 24:15ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚመውት የጸናንዓካ።​—2 ቈረንቶስ 1:3, 4

ካብ ፍርሂ ሞት ናጻ ይገብረካ።​—እብራውያን 2:15

ምስቶም ዝሞቱ ሰብካ እንደገና ኽትራኸብ ናይ ሓቂ ተስፋ ይህበካ።​—ዮሃንስ 5:28, 29

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብሰለስተ ምኽንያት።

  • ህይወት ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ። “ምንጪ ህይወት፡” የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (መዝሙር 36:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25) እቲ ንዅሎም ህያዋን ህይወት ዝሃበ ኣምላኽ፡ ንዝሞተ ሰብ ብርግጽ ኬተንስኦ ይኽእል እዩ።

  • ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ምዉታት ኣተንሲኡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሞት ተንሲኦም ኣብ ምድሪ ብህይወት ብዛዕባ ዝነበሩ ሸሞንተ ሰባት ይገልጽ እዩ። እዚኣቶም ዓበይትን ንኣሽቱን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዮም ነይሮም። ገለ ኻባታቶም ንሓጺር ግዜ ጥራይ እዮም ሞይቶም ነይሮም፣ ሓደ ኻባታቶም ግና ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ መቓብር ገይሩ ነበረ።—ዮሃንስ 11:39-44

  • ኣምላኽ ብሕጂ እውን ንምዉታት ኬተንስኦም ይናፍቕ እዩ። የሆዋ ንሞት ከም ጸላኢ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (1 ቈረንቶስ 15:26) ነዚ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ኪስዕሮ፡ ማለት ብትንሳኤ ገይሩ ኼጥፍኦ ድማ ይናፍቕ እዩ። ነቶም ኣብ ተዘክሮኡ ዘለዉ ሰባት ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ እንደገና ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ኺርእዮም ሃረር ይብል እዩ።—እዮብ 14:14, 15

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

እንኣርግን እንመውትን ስለምንታይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ዘፍጥረት 3:17-19፣ ሮሜ 5:12 ይምልሳ እዩ።