ሮሜ 5:1-21

  • ብክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ተዓረቕና (1-11)

  • ሞት ብኣዳም፡ ህይወት ብክርስቶስ (12-21)

    • ሓጢኣትን ሞትን ናብ ኵሉ ሓለፈ (12)

    • ሓንቲ ግብሪ ጽድቂ (18)

5  እምበኣር፡ ሳላ እምነት ካብ ጸደቕና፡*+ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና፣*+  ብእኡ ኸኣ ብእምነት ናብዚ ዘለናዮ ጸጋ፡ መእተዊ ረኺብና ኣለና፣+ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽ እውን ንተሓጐስ።*  በዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብጸበባ እውን ንተሓጐስ፣*+ ምኽንያቱ፡ ጸበባስ ተጻዋርነት ከም ዜምጽእ ንፈልጥ ኢና፣+  ተጻዋርነት ድማ እተፈተነ ብቕዓት፣+ እተፈተነ ብቕዓት እውን ተስፋ፣+  ፍቕሪ ኣምላኽ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ ኸኣ፡+ እታ ተስፋ እቲኣ ኣይተሕፍርን እያ።+  ገና ድኹማት ከለናስ፡+ ክርስቶስ ኣብ ምዱብ ግዜ ምእንቲ ሓጥኣን ሞይቱ እዩ።  ምእንቲ ጻድቕ ዚመውትሲ ዚርከብ ኣይመስልን፣ ምእንቲ ሕያዋይ ኪመውት ዚደፍር እኳ ምናልባት ኣይሰኣንን ይኸውን።  ግናኸ፡ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ።+  እምበኣር፡ ሕጂ ብደሙ ኻብ ጸደቕና፡+ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ ብእኡ ኽንደይ ኣዚና ዘይንድሕን!+ 10  ጸላእቱ ኸለና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ኻብ ተዓረቕናስ፡+ ምስ ተዓረቕና ደኣ ብህይወቱ ኽንደይ ኣዚና ዘይንድሕን! 11  እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና፡+ ብኣምላኽ እውን ንሕጐስ ኢና። 12  ስለዚ ኸኣ፡ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡+ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ+—። 13  ሕጊ ቕድሚ ምምጻኡስ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነይሩ እዩ፣ ሕጊ ኸየሎ ግና፡ ሓጢኣት ኣይቍጸርን እዩ።+ 14  ግናኸ፡ ሞት ካብ ኣዳም ክሳዕ ሙሴ፡ ኣብቶም ከም ኣበሳ ኣዳም ዘይሓጥኡ እውን ነጊሱ እዩ፣ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ኺመጽእ ዝነበሮ እዩ።+ 15  ግናኸ፡ እቲ ውህበት ከምቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ብኣበሳ ሓደ ሰብ ብዙሓት ካብ ሞቱ፡ ጸጋ ኣምላኽን በቲ ሓደ ሰብ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ብጸጋ እተዋህበ ናጻ ውህበቱን ግዳ ኽንደይ ኣብ ብዙሓት ኣዝዩ ዘይዓዝዝ!*+ 16  እቲ ናጻ ውህበት ከምቲ ሓደ ዝገበሮ ሓጢኣት እውን ኣይኰነን።+ ድሕሪ ሓንቲ ኣበሳ ዝመጸ ፍርድስ ኵነኔ እዩ፣+ ድሕሪ ብዙሕ ኣበሳ ዝመጸ ውህበት ግና፡ ምጽዳቕ እዩ።+ 17  ከመይሲ፡ ብኣበሳ እቲ ሓደ፡ ሞት በቲ ሓደ ኻብ ነገሰ፡+ እቶም ብዙሕ ጸጋን ናጻ ውህበት ጽድቅን+ እተቐበሉ ግዳ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣዝዮም ዘይነግሱ!+ 18  እምበኣር፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ እተዀነነ፡+ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ፡* ኵሉ ዓይነት ሰብ+ ንህይወት ይጸድቕ ኣሎ።+ 19  ከመይሲ፡ ከምቲ ብዘይተኣዛዝነት ሓደ ሰብ ብዙሓት ሓጥኣን ዝዀኑ፡+ ከምኡ ድማ ብተኣዛዝነት እቲ ሓደ፡ ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም።+ 20  ሕጊ ዝመጸስ፡ ኣበሳ ምእንቲ ኺዓዝዝ እዩ።+ ግናኸ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ፡ ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዚዙ እዩ። 21  ስለምንታይ፧ ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝነገሰ፡+ ከምኡ ድማ ጸጋ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ኣቢሉ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ጽድቂ ምእንቲ ኺነግስ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰላም ኣሎና” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።
ወይ፡ “ንሕጐስ ኢና” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንሕጐስ ኢና” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣኺሉ ዘይተርፍ።”
ወይ፡ “ዜጽድቕ ግብሪ።”