ሮሜ 1:1-32

  • ሰላምታ (1-7)

  • ጳውሎስ ናብ ሮሜ ንምብጻሕ ዝነበሮ ድሌት (8-15)

  • ጻድቕ ብእምነት ይነብር (16, 17)

  • ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ዜመኻንይዎ የብሎምን (18-32)

    • ባህርያት ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ይርአ (20)

1  ካብ ጳውሎስ እቲ ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዐ፡ ንብስራት ኣምላኽ ከኣ እተፈልየ፡+ እተላእከት መልእኽቲ፣  እዚ ብስራት እዚ ድማ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ብነብያቱ ኣቢሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎ ዀይኑ፡  ብዛዕባ እቲ ብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝመጸ ወዱ እዩ።+  ንሱ ኻብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡+ ብመንፈስ ቅድስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ ተጋሂዱ እዩ፣+ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ።  ስለ ስሙ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ብእምነት ተኣዛዝነት ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡+ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን ተቐቢልና ኢና፣+  ካብቶም ኣህዛብ እውን ንስኻትኩም ናይ የሱስ ክርስቶስ ክትኰኑ ተጸዊዕኩም ኣለኹም።  ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ሮሜ ዘለዉ ቕዱሳት ኪዀኑ እተጸውዑ ፍቑራት ኣምላኽ፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  እምነትኩም ኣብ ኵላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ።  ከየቋረጽኩ ዅሉ ሳዕ ኣብ ጸሎተይ ከም ዝጠቕሰኩም፡ እቲ ብዛዕባ ወዱ እናኣበሰርኩ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ* ኣምላኽ ምስክረይ እዩ፣+ 10  ሕጂ ኣብ መወዳእታ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰሊጡንስ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እልምን እየ። 11  ምእንቲ ኽትጸንዑስ፡ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም ኢለ፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣለኹ፣ 12  ማለት፡ ብእምነት ሓድሕድና፡ በታ ናትኩምን በታ ናተይን እምነት፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኢለ እየ።+ 13  ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣብ ካልኦት ኣህዛብ ዝረኸብክዎ፡ ኣባኻትኩም እውን ፍረ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ ብዙሕ ግዜ ኸም ዝሓለንኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣለኹ። 14  ንግሪኻውያንን ንጓኖትን፡* ንለባማትን* ንዓያሹን ዕዳ ኣሎኒ። 15  ስለዚ፡ ኣብ ሮሜ ንዘለኹም እውን ከበስረኩም ተሃንጥየ ኣለኹ።+ 16  ብብስራትሲ ኣይሓፍርን እየ፣+ እኳ ደኣስ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ፡+ ቅድም ንኣይሁዳዊ፡+ ከምኡ ድማ ንግሪኻዊ፡+ ንድሕነት ዚኸውን ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 17  ከመይሲ፡ ከምቲ፡ “ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር” ዚብል እተጻሕፈ፡+ ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ብእምነትን ንእምነትን ይግለጽ ኣሎ።+ 18  ቍጥዓ ኣምላኽሲ+ ኻብ ሰማይ ኣብ ኵሉ ረሲእነትን ዓመጻን እቶም ንሓቂ ብዓመጻ ዚዓብጡ+ ሰባት ይግለጽ ኣሎ። 19  ከመይሲ፡ ኣምላኽ ኣግሂዱሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሁድ እዩ።+ 20  እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ ዀነ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን+ ኣምላኽነቱንሲ፡+ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ፣+ ስለዚ፡ ዜመኻንይዎ የብሎምን። 21  ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ኣየኽበርዎን፡ ኣየመስገንዎን እውን፣ የግዳስ፡ ብሓሳቦም ከንቱ ዀይኖም፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦም እውን ጸልሚቱ።+ 22  ለባማት* ኢና እኳ እንተ በሉ፡ ዓሽዮም፣ 23  ንኽብሪ እቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ከኣ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳታትን ለመምትን ዚመስል ለዊጦምዎ።+ 24  ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ሰብነቶም ምእንቲ ኼሕስሩ፡ ከም ትምኒት ልቦም፡ ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሂብዎም። 25  ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ብሓሶት ለዊጦምዎ፣ ኣብ ክንዲ ንፈጣሪ፡—ንሱ ንዘለኣለም እተወደሰ እዩ፡ ኣሜን፡—ንፍጥረት ኣምሊኾምን ኣገልጊሎምን። 26  ስለዚ ድማ እዩ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወተ ስጋ ኣሕሊፉ ዝሃቦም፣+ ከመይሲ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ባህርያዊ ርክብ፡ ናብ ዘይባህርያዊ ለዊጠናኦ፣+ 27  እቶም ደቂ ተባዕትዮ እውን ከምኡ ነቲ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዚግበር ባህርያዊ ርክብ ሓዲጎም፡ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ጽዩፍ ተግባር እናገበሩን+ ግቡእ መቕጻዕቲ* ስሕተቶም ኣብ ርእሶም እናተቐበሉን+ ኣብ ንሓድሕዶም ብፍትወት ረሲኖም። 28  ከምቲ ንኣምላኽ ኪእመኑሉ ዘይደለዩ፡* ኣምላኽ ከኣ ዘይግቡእ ነገር ኪገብሩ ንዘይሰምሮ ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሂብዎም።+ 29  ብዅሉ ዓመጻ፡+ እከይ፡ ስስዐ፡+ ክፍኣት፡ ቅንኢ፡+ ቅትለት፡+ ባእሲ፡ ተንኰል፡+ ሕሰም+ ድማ ተመሊኦም፣ ከምኡ እውን መሕሸዅሸዅቲ፡* 30  ሓመይቲ፡+ ጸላእቲ ኣምላኽ፡ ነቓጻት፡ ዕቡያት፡ ምኩሓት፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡+ 31  ዘይርድኡ፡+ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ጨካናት ኰይኖም። 32  እዚኣቶም፡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡+ እዚ እውን ቅኑዕ ትእዛዝ ኣምላኽ ምዃኑ ኣጸቢቖም ዚፈልጡ ኽነሶም፡ ነዚ ይገብርዎ ኣለዉ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ ነቶም ዚገብርዎ ይሰምርዎም ኣለዉ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርበሉ።”
ወይ፡ “ንዘይግሪኻውያንን።” ቃ.ቃ.፡ “ንባርባራውያንን።”
ወይ፡ “ንጥበበኛታትን።”
ወይ፡ “ጥበበኛታት።”
ወይ፡ “ዓስቢ።”
ወይ፡ “ንኣምላኽ ብልክዕ ምፍላጡ ዚረብሕ ገይሮም ዘይረኣዩ።”
ወይ፡ “ወረኛታት።”