ማቴዎስ 19:1-30

  • መውስቦን ፍትሕን (1-9)

  • ከይተመርዓኻ ምንባር እተዋህቦም (10-12)

  • የሱስ፡ ቈልዑ ባረኸ (13-15)

  • ሓደ ሃብታም ጐበዝ ዘቕረቦ ሕቶ (16-24)

  • ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኽፈል መስዋእቲ (25-30)

19  የሱስ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ካብ ገሊላ ነቒሉ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ወሰናስን ይሁዳ መጸ።+  ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሰዓቦ፣ ንሱ እውን ኣብኡ ኣሕወዮም።  ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ ናብኡ መጺኦም፡ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒዱሉ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+  ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠሮም፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮምዶ ኣየንበብኩምን፧+  ‘ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ’ ኸም ዝበለዶኸ ኣየንበብኩምን፧+  ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። እምበኣር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ኢሉ መለሰሎም።+  ንሳቶም ከኣ፡ “ስለምንታይ ደኣ እዩ ሙሴ ጽሑፍ መፍትሒኣ ሂብካ ኽትፍታሕ ዝኣዘዘ፧” በልዎ።+  ንሱ ድማ፡ “ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም እዩ ኣንስትኹም ክትፈትሑ ዝፈቐደልኩም፣+ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን።+  ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ንሰበይቱ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና* ዚፈትሓ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ ይዝሙ” በሎም።+ 10  እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ጕዳይ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ዘይምምርዓው ይሓይሽ” በልዎ። 11  ንሱ ግና፡ “ነዚ ነገር እዚ፡ ብዘይካ እቶም እተዋህቦም፡ ኵሉ ኣይኰነን ዚቕበሎ።+ 12  ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ ኣለዉ፣ ብሰባት እተሰልቡ ስሉባት እውን ኣለዉ፣ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባት እውን ኣለዉ። ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” በሎም።+ 13  ድሕርዚ፡ ኢዱ ምእንቲ ኼንብረሎምን ምእንቲ ኺጽልየሎምን፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ገንሕዎም።+ 14  የሱስ ግና፡ “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ነቶም ቈልዑ ሕደግዎም፡ ናባይ ከይመጹ ድማ ኣይትኸልክልዎም” በለ።+ 15  ኣእዳዉ እውን ኣንበረሎም፣ ካብኡ ኸኣ ከደ። 16  እንሆ ድማ፡ ሓደ ናብኡ መጺኡ፡ “መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ፡ እንታይ ሕያውነት* ክገብር ኣሎኒ፧” በሎ።+ 17  ንሱ ኸኣ፡ “ብዛዕባ ሕያውነት* ስለምንታይ እትሓትተኒ፧ ሓደ ጥራይ እዩ ሕያዋይ።*+ ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻ ግና፡ ብቐጻሊ ትእዛዛት ሓሉ” በሎ።+ 18  ንሱ ድማ፡ “ኣየኖት፧” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ኣይትቕተል፡+ ኣይትዘሙ፡+ ኣይትስረቕ፡+ ብሓሶት ኣይትመስክር፡+ 19  ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡+ ብጻይካ እውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ።+ 20  እቲ ጐበዝ፡ “ነዚ ዅሉስ እሕልዎ ኣለኹ፣ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ፧” በሎ። 21  የሱስ ድማ፡ “ፍጹም* ክትከውን እንተ ደሊኻስ፡ ኪድ፡ ንብረትካ ሼጥካ፡ ንድኻታት ሃብ፣ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ፣+ ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” በሎ።+ 22  እቲ ጐበዝ ነዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ፡ ጕህዩ ኸደ።+ 23  የሱስ ግና ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣቱ ጭንቂ ኸም ዚዀኖ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 24  ደጊመ እብለኩም ኣለኹ፡ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል” በሎም።+ 25  እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ “መን ኰን ኪድሕን ይኽእል፧” እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ።+ 26  የሱስ ከኣ እናጠመቶም፡ “እዚ ብሰባት ኣይከኣልን እዩ፡ ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎም።+ 27  ሽዑ፡ ጴጥሮስ መሊሱ፡ “እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ፣ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” በሎ።+ 28  የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ብዳግመ ፍጥረት፡ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ዚቕመጠላ እዋን፡ ንስኻትኩም እቶም ዝሰዓብኩምኒ እውን ኣብ 12 ዝፋን ተቐሚጥኩም፡ ን12 ነገዳት እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም።+ 29  ምእንቲ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ውሉዳት፡ ወይ ግራውቲ ዝሓደገ ዅሉ፡ 100 ዕጽፊ ኺረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ኪወርስ እዩ።+ 30  “ብዙሓት ቀዳሞት ግና ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ምሉእ።”