ምሳሌ 6:1-35
6 ወደየ፡ ንብጻይካ እንተ ተዋሒስካዮ፡+ምእንቲ ኻልእ ሰብ ኢድ እንተ ጠቒዕካ፡*+
2 ብዝኣቶኻዮ ቓል እንተ ተፈንጢርካ፡ብቓላት ኣፍካ ድማ እንተ ተታሒዝካ፡+
3 ወደየ፡ ኣብ ኢድ ብጻይካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፡ከምዚ ጌርካ ንርእስኻ ኣናግፋ፦
ኪድ፡ ትሕት በል፡ ንብጻይካ ድማ ብህጹጽ ለምኖ።+
4 ንኣዒንትኻ ድቃስ፡ንኸበሮ ዓይንኻ ድማ ሰለምታ ኣይትሃብ።
5 ከም ሰስሓ ኻብ ኢድ ሃዳናይ፡ከም ዑፍ ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዑፍ፡ ርእስኻ ኣድሕን።
6 ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፣+መገድታቱ ተዓዘብ እሞ፡ ጥበበኛ ኹን።
7 ኣዛዚ፡ ወይ ሓለቓ፡ ወይ ገዛኢ እኳ እንተ ዘይብሉ፡
8 ምግቡ ብሓጋይ የዳሉ፣+ቀለቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።
9 ኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ በጥ ክትብል፧
ካብ ድቃስካኸ መዓስ ክትትንስእ ኢኻ፧
10 ቍሩብ ትድቅስ፡ ቍሩብ ትኽስ ትብል፡ከተዕርፍ ኢልካ ቝሩብ ኣእዳውካ ተጣምር፣+
11 ሽዑ፡ ድኽነትካ ኸም ሽፍታ፡ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዓጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።+
12 ዘይጠቅምን እኩይን ሰብ ብቔናን ዘረባ ይመላለስ፣+
13 ዓይኑ ይጸቅጥ፡+ ብኣእጋሩ የመልክት፡ ኣጻብዑ ኸኣ የንቀሳቕስ።
14 ብቔናን ልቢ፡ወትሩ ኽፉእ ይሓስብ፡+ ባእሲ ድማ ይዘርእ።+
15 ስለዚ፡ ጥፍኣቱ ብሃንደበት ኪመጽእ፣ብቕጽበት ከኣ ከም ዘይሓዊ ዀይኑ ኺስበር እዩ።+
16 የሆዋ ዚጸልአን ሽዱሽተ ነገር ኣለዋ፣እወ፡ ዚፍንፍነን* ሸውዓተ ነገር ኣለዋ፦
17 ዕብይቲ ዓይኒ፡+ ሓሳዊት ልሳን፡+ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡+
18 እኩይ ሓሳብ ዚምህዝ ልቢ፡+ ናብ ክፍኣት ቀልጢፈን ዚጐይያ ኣእጋር፡
19 ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ሓሳዊ ምስክር፡+ኣብ መንጎ ኣሕዋት ከኣ ባእሲ ዚዘርእ።+
20 ወደየ፡ ትእዛዝ ኣቦኻ ሓሉ፣ትምህርቲ* ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ።+
21 ወትሩ ኣብ ልብኻ እሰሮ፣ኣብ ክሳድካ እውን ግበሮ።
22 ክትከይድ ከለኻ፡ ኪመርሓካ እዩ፣በጥ ክትብል ከለኻ፡ ኪሕልወካ እዩ፣ምስ ነቓሕካ፡ ኪዛረበካ* እዩ።
23 ትእዛዝሲ መብራህቲ፡+ሕጊ ኸኣ ብርሃን፡+መግናሕቲ ተግሳጽ ድማ መገዲ ህይወት እዩ።+
24 ካብ ክፍእቲ ሰበይቲ፡+ካብ ዜስሕት ልሳን እትምንዝር* ሰበይቲ ኺሕልወካ እዩ።+
25 ብልብኻ ንጽባቐኣ ኣይትመነዮ፣+ብዚስሕብ ኣዒንታ ድማ ኣይትማርኽካ፣
26 ብሰንኪ ኣመንዝራስ፡ ሰብኣይ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፣+ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ከኣ ክብርቲ ህይወት* እያ እትሃድን።
27 ሰብዶ ሓዊ ሓቚፉስ ክዳውንቱ ኣይነድድን እዩ፧+
28 ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሓርርን እዩ፧
29 ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዚኣቱ ኸኣ ከምኡ እዩ፣ዚትንክያ ዘበለ ኸይተቐጽዐ ኣይተርፍን እዩ።+
30 ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል* ኢሉ እንተ ሰሪቑ፡ሰብ ኣይንዕቆን እዩ።
31 ምስ ተረኽበ ግና፡ ሸውዓተ ዕጽፊ እዩ ዚኽሕስ፡ኵሉ ጥሪት ቤቱ ድማ እዩ ዚህብ።+
32 ምስ ሰበይቲ ዚዝሙ ዘበለ ልቢ የብሉን፣እቲ ኸምኡ ዚገብር፡ ኣብ ርእሱ* ጥፍኣት የምጽእ።+
33 ቍስልን ውርደትን ጥራይ እዩ ዚረክብ፣+ነውሩ ኸኣ ኣይድምሰስን እዩ።+
34 ቅንእስ ንሰብኣይ የነድሮ እዩ፣ሕነ ኺፈዲ ኸሎ ድማ ኣይርሕርሕን እዩ።+
35 ካሕሳ* ኣይቅበልን እዩ፣ህያብ ኣብዚሕካ እንተ ኣቕረብካሉ እኳ፡ ኣይሃድእን እዩ።
እግረ ጽሑፍ
^ ማለት፡ ከም መግለጺ ስምምዕ።
^ ወይ፡ “ነፍሱ እትፍንፍነን።”
^ ወይ፡ “ሕጊ።”
^ ወይ፡ “ኪምህረካ።”
^ ወይ፡ “ነፍሲ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ ኺዕንግል።”
^ ወይ፡ “ነፍሱ።”
^ ወይ፡ “በጃ።”