ምሳሌ 6:1-35

  • ከይትውሓስ ተጠንቀቕ (1-5)

  • “ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ” (6-11)

  • ዘይጠቅምን እኩይን ሰብ (12-15)

  • የሆዋ ዚጸልአን ሸውዓተ ነገር (16-19)

  • ካብ ክፍእቲ ሰበይቲ ተሓሎ (20-35)

6  ወደየ፡ ንብጻይካ እንተ ተዋሒስካዮ፡+ምእንቲ ኻልእ ሰብ ኢድ እንተ ጠቒዕካ፡*+   ብዝኣቶኻዮ ቓል እንተ ተፈንጢርካ፡ብቓላት ኣፍካ ድማ እንተ ተታሒዝካ፡+   ወደየ፡ ኣብ ኢድ ብጻይካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፡ከምዚ ጌርካ ንርእስኻ ኣናግፋ፦ ኪድ፡ ትሕት በል፡ ንብጻይካ ድማ ብህጹጽ ለምኖ።+   ንኣዒንትኻ ድቃስ፡ንኸበሮ ዓይንኻ ድማ ሰለምታ ኣይትሃብ።   ከም ሰስሓ ኻብ ኢድ ሃዳናይ፡ከም ዑፍ ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዑፍ፡ ርእስኻ ኣድሕን።   ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፣+መገድታቱ ተዓዘብ እሞ፡ ጥበበኛ ኹን።   ኣዛዚ፡ ወይ ሓለቓ፡ ወይ ገዛኢ እኳ እንተ ዘይብሉ፡   ምግቡ ብሓጋይ የዳሉ፣+ቀለቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።   ኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ በጥ ክትብል፧ ካብ ድቃስካኸ መዓስ ክትትንስእ ኢኻ፧ 10  ቍሩብ ትድቅስ፡ ቍሩብ ትኽስ ትብል፡ከተዕርፍ ኢልካ ቝሩብ ኣእዳውካ ተጣምር፣+ 11  ሽዑ፡ ድኽነትካ ኸም ሽፍታ፡ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዓጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።+ 12  ዘይጠቅምን እኩይን ሰብ ብቔናን ዘረባ ይመላለስ፣+ 13  ዓይኑ ይጸቅጥ፡+ ብኣእጋሩ የመልክት፡ ኣጻብዑ ኸኣ የንቀሳቕስ። 14  ብቔናን ልቢ፡ወትሩ ኽፉእ ይሓስብ፡+ ባእሲ ድማ ይዘርእ።+ 15  ስለዚ፡ ጥፍኣቱ ብሃንደበት ኪመጽእ፣ብቕጽበት ከኣ ከም ዘይሓዊ ዀይኑ ኺስበር እዩ።+ 16  የሆዋ ዚጸልአን ሽዱሽተ ነገር ኣለዋ፣እወ፡ ዚፍንፍነን* ሸውዓተ ነገር ኣለዋ፦ 17  ዕብይቲ ዓይኒ፡+ ሓሳዊት ልሳን፡+ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡+ 18  እኩይ ሓሳብ ዚምህዝ ልቢ፡+ ናብ ክፍኣት ቀልጢፈን ዚጐይያ ኣእጋር፡ 19  ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ሓሳዊ ምስክር፡+ኣብ መንጎ ኣሕዋት ከኣ ባእሲ ዚዘርእ።+ 20  ወደየ፡ ትእዛዝ ኣቦኻ ሓሉ፣ትምህርቲ* ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ።+ 21  ወትሩ ኣብ ልብኻ እሰሮ፣ኣብ ክሳድካ እውን ግበሮ። 22  ክትከይድ ከለኻ፡ ኪመርሓካ እዩ፣በጥ ክትብል ከለኻ፡ ኪሕልወካ እዩ፣ምስ ነቓሕካ፡ ኪዛረበካ* እዩ። 23  ትእዛዝሲ መብራህቲ፡+ሕጊ ኸኣ ብርሃን፡+መግናሕቲ ተግሳጽ ድማ መገዲ ህይወት እዩ።+ 24  ካብ ክፍእቲ ሰበይቲ፡+ካብ ዜስሕት ልሳን እትምንዝር* ሰበይቲ ኺሕልወካ እዩ።+ 25  ብልብኻ ንጽባቐኣ ኣይትመነዮ፣+ብዚስሕብ ኣዒንታ ድማ ኣይትማርኽካ፣ 26  ብሰንኪ ኣመንዝራስ፡ ሰብኣይ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፣+ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ከኣ ክብርቲ ህይወት* እያ እትሃድን። 27  ሰብዶ ሓዊ ሓቚፉስ ክዳውንቱ ኣይነድድን እዩ፧+ 28  ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሓርርን እዩ፧ 29  ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዚኣቱ ኸኣ ከምኡ እዩ፣ዚትንክያ ዘበለ ኸይተቐጽዐ ኣይተርፍን እዩ።+ 30  ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል* ኢሉ እንተ ሰሪቑ፡ሰብ ኣይንዕቆን እዩ። 31  ምስ ተረኽበ ግና፡ ሸውዓተ ዕጽፊ እዩ ዚኽሕስ፡ኵሉ ጥሪት ቤቱ ድማ እዩ ዚህብ።+ 32  ምስ ሰበይቲ ዚዝሙ ዘበለ ልቢ የብሉን፣እቲ ኸምኡ ዚገብር፡ ኣብ ርእሱ* ጥፍኣት የምጽእ።+ 33  ቍስልን ውርደትን ጥራይ እዩ ዚረክብ፣+ነውሩ ኸኣ ኣይድምሰስን እዩ።+ 34  ቅንእስ ንሰብኣይ የነድሮ እዩ፣ሕነ ኺፈዲ ኸሎ ድማ ኣይርሕርሕን እዩ።+ 35  ካሕሳ* ኣይቅበልን እዩ፣ህያብ ኣብዚሕካ እንተ ኣቕረብካሉ እኳ፡ ኣይሃድእን እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ከም መግለጺ ስምምዕ።
ወይ፡ “ነፍሱ እትፍንፍነን።”
ወይ፡ “ሕጊ።”
ወይ፡ “ኪምህረካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጓና።” ኣብ ምሳ 2:16 ርአ።
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ ኺዕንግል።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “በጃ።”