ራእይ 4:1-11

  • ብዛዕባ የሆዋ፡ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ኸሎ፡ እተራእየ ራእይ (1-11)

    • የሆዋ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ነበረ (2)

    • ኣብ ዝፋናት እተቐመጡ 24 ሽማግለታት (4)

    • እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት (6)

4  ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ኣፍ ደገ ረኣኹ፣ እቲ ኺዛረበኒ ዝሰማዕክዎ ኸም መለኸት ዝበለ ቐዳማይ ድምጺ፡ “ናብዚ ደይብ እሞ፡ እቲ ኪኸውን ዘለዎ ኸርእየካ እየ” በለኒ።  ድሕርዚ፡ ብኡብኡ ብመንፈስ ተመሰጥኩ፦ እንሆ ድማ፡ ዝፋን ኣብ ሰማይ ኣብ ቦታኡ ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋን እውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ።+  እቲ ተቐሚጡ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን+ እምኒ ሰርድዮስን* ይመስል ነበረ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ድማ ስመራግዶስ ዚመስል ቀስተ ደበና ነበረ።+  ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ 24 ዝፋን፡ ኣብቲ ዝፋናት እውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ፡ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ 24 ሽማግለታት ተቐሚጦም ረኣኹ።+  ካብቲ ዝፋን ድማ በርቅታትን+ ደሃያትን ነጐዳታትን+ ይወጽእ ነበረ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሸውዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ፣ እዚኣቶም ድማ እቶም ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።+  ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ከም ባሕሪ መረጼን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል ነበረ።+ ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ድማ፡ ብቕድሚኦምን ብድሕሪኦምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ነበሩ።+  እቲ ቐዳማይ ህያው ፍጡር ከኣ ኣንበሳ ይመስል ነበረ፣+ እቲ ኻልኣይ ህያው ፍጡር ድማ ዝራብዕ ይመስል ነበረ፣+ እቲ ሳልሳይ ህያው ፍጡር+ ከኣ ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ ነበሮ፣ እቲ ራብዓይ ህያው ፍጡር+ እውን ዚነፍር ንስሪ ይመስል ነበረ።+  እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ድማ፡ ነፍሲ ወከፎም ሸሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮም፣ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ።+ መዓልትን ለይትን ከየቋረጹ ድማ፡ “እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን+ ኵሉ ዚኽእል የሆዋ* ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ”+ ይብሉ።  እቶም ህያዋን ፍጡራት ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ድማ ህያው ኰይኑ ዚነብር፡ ግርማን ክብርን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡+ 10  እቶም 24 ሽማግለታት+ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ፍግም ኢሎም፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ሰገዱሉ፣ ከምዚ እናበሉ እውን ኣኽሊላቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደርበዩ፦ 11  “ኦ የሆዋ* ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡+ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን+ ክብርን+ ሓይልን+ ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቀይሕ ዝሕብሩ ኽቡር እምንን።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።