ኣስቴር 8:1-17

  • ማርዶካይ ክብ በለ (1, 2)

  • ኣስቴር ንንጉስ ለመነቶ (3-6)

  • ንጉስ ዘውጽኦ ትእዛዝ (7-14)

  • ንኣይሁድ ራህዋን ታሕጓስን ኰነ (15-17)

8  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ቤት ሃማን+ እቲ ጸላእ ኣይሁድ+ ንንግስቲ ኣስቴር ሃባ። ኣስቴር ድማ፡ ማርዶካይ እንታያ ምዃኑ ስለ ዝነገረት፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወ።+  ንጉስ ከኣ ነቲ ኻብ ሃማን ዝወሰዶ ቐለቤት ማሕተሙ ኣውጺኡ+ ንማርዶካይ ሃቦ። ኣስቴር ድማ ንማርዶካይ ኣብ ልዕሊ ቤት ሃማን ሓላፍነት ሃበቶ።+  ኣስቴር ከኣ ከም ብሓድሽ ንንጉስ ተዛረበቶ። ኣብ ኣእጋሩ ወዲቓ ድማ፡ ሃማን እቲ ኣጋጋዊ ዝገበሮን እቲ ንኣይሁድ እተተናዀሎምን ምእንቲ ኺፈርስ እናበኸየት ለመነቶ።+  ሽዑ፡ ንጉስ ንኣስቴር፡ እቲ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሓላ፣+ ኣስቴር ከኣ ተንሲኣ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት።  ከምዚ ድማ በለት፦ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሞገስ እንተ ረኺበ፡ ንንጉስ ድማ ግቡእ እንተ መሲልዎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ እውን ባህ ዘብል እንተ ዀይነ፡ እቲ ተንኰለኛ ሃማን+ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ+ ነቶም ኣብ ኵሉ ኣውራጃታት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ንምጥፋእ ዝጸሓፎ ሰነዳት ምእንቲ ኺስረዝ፡ ትእዛዝ ይጸሓፍ።  ከመይ ገይረስ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዚመጽእ መዓት ክርኢ እኽእል፧ ከመይ ገይረኸ ጥፍኣት ኣዝማደይ ክርኢ እኽእል፧”  ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከኣ ንንግስቲ ኣስቴርን ንማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውን ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ ቤት ሃማን ንኣስቴር ሂበያ ኣለኹ፣+ ንሱ ንኣይሁድ ኬጥቅዕ* ውዲት ስለ ዝኣለመ ድማ፡ ኣብ ጕንዲ ኸም ዚስቀል ገይረዮ ኣለኹ።+  እቲ ብስም ንጉስ እተጻሕፈን ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ እተሓትመን ትእዛዝ ኪስረዝ ኣይከኣልን እዩ እሞ፡ ምእንቲ ኣይሁድ ግቡእ ኰይኑ እተራእየኩም ዘበለ ብስም ንጉስ ክትጽሕፉን ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ ክትሓትምዎን ትኽእሉ ኢኹም።”+  በታ ግዜ እቲኣ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ሲዋን፡* ኣብ መበል 23 መዓልቲ፡ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ ተጸውዑ። ኵሉ እቲ ማርዶካይ ዝኣዘዞ ድማ ናብ ኣይሁድን ናብ ራእስታትን+ ናብ ሹማምንትን ናብ መሳፍንቲ ኣውራጃታትን፡+ ካብ ህንዲ ኽሳብ ኢትዮጵያ 127 ኣውራጃ፡ ነናብ ኣውራጃ በብስርዓት ኣጸሓሕፋኡ፡ ነናብ ህዝቢ ኸኣ በብቛንቋኡ፡ ናብ ኣይሁድ እውን ብስርዓት ኣጸሓሕፋኦምን ብቛንቋኦምን ጸሓፉ። 10  ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ድማ ጸሓፎ፣ ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ እውን ሓተሞ።+ ነቲ እተጻሕፈ ሰነዳት ብኢድ ኣፍራስ ዚውጥሑ መልእኽተኛታት ሰደዶ፣ ንሳቶም ከኣ ንኣገልግሎት ንጉስ ተባሂሎም ኣብ እተፋረዩ ፈጣናት ናይ መልእኽቲ ኣፍራስ ተወጥሑ። 11  ኣብቲ ሰነዳት ድማ፡ ንጉስ ነቶም ኣብ ኵለን ከተማታት ዘለዉ ኣይሁድ ተኣኪቦም ንህይወቶም* ኪከላኸሉላ፡ ንዜጥቅዕዎም ኵሎም ሓይልታት ህዝቢ ወይ ኣውራጃ፡ እንተላይ ንኣንስትን ሕጻናትን፡ ኬጽንትዎምን ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን፡ ጥሪቶም ከኣ ኪዘምቱ ፈቐደሎም።+ 12  እዚ ድማ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብታ መበል 13 መዓልቲ እታ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡* ኪኸውን ነበሮ።+ 13  ጽሑፍ* እቲ ሰነድ፡ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ከም ሕጊ ኺወጽእ ነበሮ። ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ሕነ ንምፍዳይ በታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኺዳለዉ፡ ንዅሎም ህዝብታት ኪእወጅ ነበሮ።+ 14  እቶም ንኣገልግሎት ንጉስ ተባሂሎም ኣብ እተፋረዩ ናይ መልእኽቲ ኣፍራስ ዚውጥሑ መልእኽተኛታት፡ ብትእዛዝ ንጉስ ብህጹጽን ብፍጥነትን ወጹ። እቲ ሕጊ ኸኣ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* እውን ወጸ። 15  ማርዶካይ ድማ ሰማያውን ጻዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፡ ዓብዪ ዘውዲ ወርቂ ኸኣ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፡ ካብ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ እተገብረ ቕጭን ዓለባ ዝዀነ ባርኖስ ድማ ደሪቡ፡ ካብ ቅድሚ ንጉስ ወጸ።+ ከተማ ሱሳን* ከኣ ብሓጐስ እልል በለት። 16  ንኣይሁድ ድማ ራህዋን* ሓጐስን ፍስሃን ክብርን ኰነሎም። 17  ኣብ ኵለን ኣውራጃታትን ኣብ ኵለን ከተማታትን፡ ማለት ትእዛዝ ንጉስን ሕጉን ኣብ ዝበጽሖ ዘበለ፡ ኣይሁድ ይሕጐሱን ይፍስሁን ይድግሱን የብዕሉን ነበሩ። ብዙሓት ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸኣ፡ ራዕዲ ኣይሁድ ኣባታቶም ስለ ዝወደቐ፡ ኣይሁድ ኰኑ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣንጻር ኣይሁድ ኢዱ ኺዝርግሕ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ንነፍሶም።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ቅዳሕ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብርሃንን።”