ዮሃንስ 1:1-51

  • ቃል ስጋ ዀነ (1-18)

  • ዮሃንስ መጥምቕ ዝሃቦ ምስክርነት (19-28)

  • የሱስ፡ ገንሸል ኣምላኽ (29-34)

  • ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ (35-42)

  • ፊልጶስን ናትናኤልን (43-51)

1  ቃል ብመጀመርታ ነበረ፣+ እቲ ቓል ድማ ምስ ኣምላኽ ነበረ፣+ እቲ ቓል እውን ኣምላኽ* ነበረ።+  እዚ ብመጀመርታ ምስ ኣምላኽ ነበረ።  ኵሉ ብእኡ ዀነ፣+ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ፡ ሓደ እኳ የልቦን።  ህይወት ብእኡ ዀነት፣ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።+  ብርሃን እውን ኣብ ጸልማት የብርህ ኣሎ፣+ ጸልማት ግና ኣይሰዓሮን።  ሓደ ሰብ፡ ወኪል ኣምላኽ ኰይኑ ተላኢኹ መጸ፣ ስሙ ዮሃንስ ይብሃል።+  ኵሎም ዓይነት ሰባት ብእኡ ምእንቲ ኺኣምኑ፡ ንሱ ብዛዕባ ብርሃን ምእንቲ ኺምስክር፡+ ምስክር ኰይኑ መጸ።  ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።+  እቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ዜብርህ ናይ ሓቂ ብርሃን ናብ ዓለም ኪመጽእ ቀሪቡ ነበረ።+ 10  ኣብ ዓለም ነበረ፣+ ዓለም እውን ብእኡ ዀነት፣+ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። 11  ናብቶም ናቱ መጸ፣ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን። 12  ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ግና፡ ብስሙ ስለ ዚኣምኑ፡+ ውሉዳት ኣምላኽ ኪዀኑ ስልጣን ሃቦም።+ 13  ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ እተወልዱ ኣይኰኑን።+ 14  እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡+ ኣብ መንጎና እውን ነበረ፣ ክብሩ ድማ ከምቲ ንኣቦኡ ሓደ ዝዀነ ወዲ ዚረኽቦ ኽብሪ ረኣና፣+ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ነበረ። 15  (ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፣ እወ፡ “እቲ ብዛዕባኡ፡ ‘እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ቅድመይ ስለ ዝነበረ፡ ቀደመኒ’ ዝበልኩሉ ንሱ እዩ” በለ።)+ 16  ኵላትና ኻብ ምልኣቱ፡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና። 17  ምኽንያቱ፡ ሕጊ ብሙሴ ተዋህበ፣+ ጸጋን+ ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ።+ 18  ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፣+ እቲ ኣብ ጐድኒ ኣቦ* ዘሎ+ ሓደ ውሉድ ዝዀነ ኣምላኽ፡+ ንሱ ገለጾ።+ 19  ኣይሁድ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሎም ኪሓትትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣኹሉ፡ ምስክርነት ዮሃንስ እዚ እዩ፦+ 20  “ኣነ ክርስቶስ ኣይኰንኩን” ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሓደን። 21  ንሳቶም ድማ፡ “መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፧”+ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይኰንኩን” ኢሉ መለሰ። “እቲ ነብዪ ዲኻ፧”+ “ኣይኰንኩን” ኢሉ መለሰ። 22  ሽዑ፡ ንሳቶም፡ “መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ ንገረና። ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧” በልዎ። 23  ንሱ ኸኣ፡ “ኣነስ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ ዝበሎ፡ ‘መገዲ የሆዋ* ኣቕንዑ’+ እናበለ ኣብ በረኻ ዚጭድር ድምጺ እየ” በሎም።+ 24  እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። 25  ንሳቶም ከኣ፡ “ንስኻ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ስለምንታይ ደኣ ተጥምቕ ኣለኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 26  ዮሃንስ ድማ፡ “ኣነ ብማይ አጥምቕ ኣለኹ። ኣብ መንጎኹም ግና ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ደው ኢሉ ኣሎ፣ 27  እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ኣነ ስራኽ ሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ፡ ንሱ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።+ 28  እዚ ኣብቲ ዮሃንስ ዜጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዚርከብ ቢታንያ ዀነ።+ 29  ንጽብሒቱ፡ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣዮ እሞ፡ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም+ ዜርሕቕ+ ገንሸል*+ ኣምላኽ! 30  ብዛዕባ እዚ እየ፡ ‘ቅድመይ ዝዀነ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ ኣሎ፣ ንሱስ ቅድመይ ዝነበረ እዩ’ ዝበልኩ።+ 31  ኣነ እኳ ኣይፈለጥክዎን፣ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግሃድ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጺአ” በለ።+ 32  ዮሃንስ ድማ ከምዚ ኢሉ መስከረ፦ “መንፈስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብኡ ኪቕመጥ ርእየ እየ።+ 33  እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፡ ‘እቲ፡ መንፈስ ወሪዱ ኪቕመጦ እትርእዮ፡+ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ’+ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። 34  ኣነ ኸኣ ርእየስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስኪረ።”+ 35  ንጽብሒቱ፡ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ፣ 36  ንየሱስ ኪኸይድ ምስ ረኣዮ፡ “እንሆ፡ ገንሸል+ ኣምላኽ!” በለ። 37  እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ኺዛረብ ምስ ሰምዕዎ፡ ንየሱስ ሰዓብዎ። 38  የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፡ “እንታይ ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ረቢ፡ (ትርጉሙ “መምህር” ማለት እዩ፡) ኣበይ ኢኻ እትነብር፧” በልዎ። 39  ንሱ ኸኣ፡ “ንዑ ርኣዩ” በሎም። ከይዶም ድማ ኣበይ ከም ዚነብር ረኣዩ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እውን ምስኡ ጸንሑ፣ ዓስረይቲ ሰዓት* ኣቢላ ኸኣ ነበረት። 40  ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዓብዎ ኽልተ፡ እቲ ሓደ እንድርያስ+ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ ነበረ። 41  ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፡ “ንመሲሕ (ትርጉሙ “ክርስቶስ” እዩ) ረኺብናዮ” በሎ፣+ 42  ናብ የሱስ እውን ወሰዶ። የሱስ ምስ ጠመቶ፡ “ንስኻ ስምኦን+ ወዲ ዮሃንስ ኢኻ፣ ንስኻ ኬፋ (ትርጉሙ “ጴጥሮስ” እዩ፡) ኽትብሃል ኢኻ” በሎ።+ 43  ንጽብሒቱ፡ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ። ንፊልጶስ+ ረኸቦ እሞ፡ “ሰዓብየይ ኩን” በሎ። 44  ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤት-ሳይዳ ነበረ፣ እንድርያስን ጴጥሮስን እውን ደቂ እታ ኸተማ ነበሩ። 45  ፊልጶስ ንናትናኤል+ ረኸቦ እሞ፡ “እቲ ሙሴ ኣብ ሕጊ ዝጸሓፈሉ፡ ነብያት እውን ዝጸሓፉሉ፡ የሱስ ወዲ ዮሴፍ+ ብዓል ናዝሬት ረኺብናዮ” በሎ። 46  ናትናኤል ግና፡ “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪርከብ ይኽእል እዩ፧” በሎ። ፊልጶስ ድማ፡ “ንዓ ርአ” በሎ። 47  የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣዮ እሞ፡ ብዛዕባኡ፡ “እንሆ፡ ተንኰል ዚብሃል ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ።+ 48  ናትናኤል ድማ፡ “ኣበይ ትፈልጠኒ፧” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ* ከለኻ ርእየካ” ኢሉ መለሰሉ። 49  ናትናኤል ድማ፡ “መምህር፡* ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፣ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ 50  የሱስ ከኣ፡ “ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ከም ዝረኣኹኻ ስለ ዝነገርኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 51  ኣስዒቡ እውን፡ “ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽ እውን ኪድይቡን ናብ ወዲ ሰብ ኪወርዱን ክትርእዩ ኢኹም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መለኮታዊ ባህርይ ዘለዎ፣ ኣምላኽነት ዘለዎ።”
ወይ፡ “ኣብ ሕቝፊ ኣቦ።” እዚ ንፍሉይ ሞገስ የመልክት።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ማለት፡ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ረቢ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።