ፊልጲ 3:1-21

  • መተኣማመኒ ብስጋ ኣይኰነን (1-11)

    • ስለ ክርስቶስ፡ ኵሉ ኸም ክሳራ ይቝጸር (7-9)

  • ናብ ሸቶ ምግስጋስ (12-21)

    • ዜጋታት ሰማይ (20)

3  ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታ ተሓጐሱ።+ እዚ መሊሰ ምጽሓፈይ ንዓይ ዜሸግረኒ ኣይኰነን፡ ንዓኻትኩም ከኣ ንድሕንነትኩም እዩ።  ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ ሃሰይቲ ተጠንቀቑ፡ ስጋ ኻብ ዚቘርጹ ተጠንቀቑ።+  ንሕና ብመንፈስ ኣምላኽ እነገልግልን* ብክርስቶስ የሱስ እንምካሕን+ ብስጋ ዘይንተኣማመንን፡ ብናይ ሓቂ ግዝረት እተገዘርና ኢና።+  ብስጋ መተኣማመኒ ዘለዎ እንተሎ፡ ኣነ እውን ኣሎኒ። ብስጋ መተኣማመኒ ዘለዎ ዚመስሎ እንተሎ፡ ኣነ ዝያዳ ኣሎኒ፦  ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ፡+ ካብ ህዝቢ እስራኤል፡ ካብ ነገድ ብንያም፡ እብራዊ ኻብ እብራውያን፡+ ንሕጊ ብዚምልከት ፈሪሳዊ እየ፣+  ንቕንኣት ብዚምልከት ንጉባኤ ዝሰጐጕኩ፡+ ብሕጊ ንዚርከብ ጽድቂ ብዚምልከት መንቅብ ዘይብለይ እየ።  እዚ ንዓይ ረብሓ ዝነበረ ግና፡ ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ክሳራ ቘጺረዮ እየ።*+  ኣብ ልዕሊኡ እውን፡ ስለቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ኵሉ ኸም ክሳራ ቘጺረዮ እየ። ስሊኡ ዅሉ ኸሲረ እየ፡ ከም ጐሓፍ ድማ ቈጺረዮ እየ፣ እዚ ዝገበርኩ ኸኣ፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ፡  ሳላ እቲ ሕጊ ብምስዓብ ዚህልወኒ ናይ ርእሰይ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ሳላ እቲ ብክርስቶስ ብምእማን ዚርከብ ጽድቂ፡+—ኣብ እምነት እተመስረተ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ፡+—ምስኡ ሓድነት ዘሎኒ ዀይነ እውን ምእንቲ ኽርከብ እየ። 10  ሸቶይ ንዕኡን ንሓይሊ ትንሳኤኡን ምፍላጥ፡+ ንኸም ናቱ ዝኣመሰለ ሞት ርእሰይ እናኣግዛእኩ+ ድማ ኣብ መከራኡ ምክፋል እዩ፣+ 11  ብገለ እውን ናብቲ ዝቐደመ ትንሳኤ ምዉታት እንተ በጻሕኩ እዩ።+ 12  ነቲ ብክርስቶስ የሱስ እተሓረኹሉ እንተ ረኸብክዎ ኢለ+ እግስግስ ኣለኹ እምበር፡+ ድሮ ኣይረኸብክዎን፡ ወይስ ድሮ ፍጹም ኣይኰንኩን። 13  ኣሕዋተየ፡ ከም ዝረኸብክዎ ገይረ ንርእሰይ ገና ኣይቈጽራን እየ፣ ሓደ ነገር ግና፡ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡+ ናብቲ ብቕድመይ ዘሎ ድማ እናተመጣጠርኩ፡+ 14  ናብቲ ሸቶ ኣቢለ፡ ናብቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ሽልማት+ ናይ ላዕሊ ጽውዓ+ ኣምላኽ እግስግስ ኣለኹ። 15  እምበኣር፡ እቶም ብሱላት ዘበልና፡+ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ይሃልወና፣ ብገለ ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ኣምላኽ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣረኣእያ ኺገልጸልኩም እዩ። 16  ዝዀነ ዀይኑ፡ በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ። 17  ኣሕዋተየ፡ ብሓባር ንዓይ ምሰሉ፡+ ናብቶም ንሕና ምስ ዝሓደግናልኩም ኣርኣያ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ጠምቱ። 18  ከመይሲ፡ ብዙሕ ሳዕ ዝጠቕሶም ዝነበርኩ፡ ሕጂ እውን እናበኸኹ ዝጠቕሶም፡ ብዙሓት ጸላእቲ ጕንዲ ስቅያት* ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ ኣለዉ። 19  መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፣ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፣ ክብሮም ኣብ ዜሕፍር ተግባሮም እዩ፣ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ።+ 20  ንሕና ግና ዜጋታት+ ሰማይ ኢና፣+ ካብኣ ድማ መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ተሃንጢና ንጽበ ኣለና።+ 21  ንሱ በቲ ንዅሉ ዚገዝኣሉ ዓብዪ ሓይሉ ገይሩ ነዚ እተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፡+ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኼምስሎ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት እነቕርብን።”
ወይ፡ “ብፍታው ጠንጢነዮ እየ” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።