ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ! ቍ. 1 2022 | ህውከት ዝመልኣ ዓለም​—ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ኵነታት ዓለም እናኸፍአ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ መብዛሕትና ብባህርያውን ሰብ ብዝሰርሖ ሓደጋታትን ንሳቐ ኢና። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉን ኣባናን ኣብ ሰብናን ንዜሕድሮ ጽልዋ ብኸመይ ክንንክዮ ኸም እንኽእልን ርአ።

 

ህውከት ዝመልኣ ዓለም—ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ሓደጋ ኼጋጥም ኸሎ፡ ንርእስኻን ንስድራ ቤትካን ንምዕቛብ ቈራጽ ስጕምቲ ንምውሳድ ፍቓደኛ ኹን።

1 | ጥዕናኻ ሓሉ

ጥዕናኻ ብዝሓለኻ መጠን፡ ንኣጸጋሚ ዅነታት ብዝሓሸ ኽትጻወሮ ትኽእል ኢኻ።

2 | መነባብሮኻ ሓሉ

ንገንዘብካ ብጽቡቕ ተካውኖ እንተ ዄንካ፡ ንእዋን ሓደጋታት ብዝሓሸ ኽትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ።

3 | ርክብካ ሓሉ

ሓዳርካ፡ ምሕዝነትካ፡ ምስ ደቅኻ ዘሎካ ርክብ ንምሕላው ጠቓሚ ምኽርታት ርአ።

4 | ተስፋኻ ሓሉ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ጸገማት ክንዋጽኣሉ ይሕግዘና፡ ብዛዕባ መጻኢ ኸኣ የተስፍወና።

ኣብዛ ሕታም ንቕሑ!

ነቲ ንደቂ ሰባት ዜጋጥሞም ህውከት፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ክትዋጽእሉ ዚሕግዘኩም ዓንቀጻት ኣንብብ።