ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህውከት ዝመልኣ ዓለም

2 | መነባብሮኻ ሓሉ

2 | መነባብሮኻ ሓሉ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብዙሓት ሰባት፡ መዓልታዊ ዜድልዮም ነገራት ኬማልኡ ይቃለሱ እዮም። እቲ ዜሕዝን፡ ዓለም ብህውከት ስለ ዝመልአት፡ እቲ ዘሎ ጸገማት እናገደደ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ስለምንታይ፧

  • ህውከት ኣብ ዘለዎ ማሕበረ ሰባት፡ ከም ዋጋ ምግብን መንበርን ዝኣመሰለ ነገራት ይውስኽ እዩ።

  • ቅልውላው፡ ስእነት ስራሕ ከም ዚውስኽ፡ ወይ ድማ ደሞዝ ከም ዚንኪ ኺገብር ይኽእል እዩ።

  • ሓደጋታት፡ ትካላት ንግድን ኣባይትን ንብረትን ኬዕኑ ወይ ኬጥፍእ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ብዙሓት ይደኽዩ እዮም።

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ንገንዘብካ ብጽቡቕ ተካውኖ እንተ ዄንካ፡ ንእዋን ሓደጋታት ብዝሓሸ ኽትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ።

  • ገንዘብ ንሓዋሩ ውሕስነት ይኸውን እዩ ማለት ኣይኰነን፣ ኣተዊኻ፡ ቍጠባኻ፡ ንብረትካ ዋጋ ኺስእን ይኽእል እዩ።

  • ከም ሓጐስን ሓድነት ስድራ ቤትን ዝኣመሰለ ነገራት ብገንዘብ ኣይዕደግን እዩ።

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ምግብን ክዳንን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና።”—1 ጢሞቴዎስ 6:8

ዕጉብ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ንእትደልዮ ነገር ደረት ምግባርን በቲ ኣብ መዓልታዊ ዜድልየካ ነገር ምዕጋብን የጠቓልል። ብፍላይ ድማ መነባብሮና ጕድኣት ኪወርዶ ኸሎ ኣገዳሲ እዩ።

ዕጉብ ንምዃን ኣብ ኣነባብራኻ ምትዕርራይ የድልየካ ይኸውን። ልዕሊ ኣታዊኻ ትነብር እንተ ዄንካ፡ ቍጠባዊ ጸገማትካ ኺጋደድ ይኽእል እዩ።