ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብራ ስድራ ቤትን ዕርክነትን

ናብራ ስድራ ቤትን ዕርክነትን

ብዙሓት ሰባት ነቲ ምስ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ዘለዎም ጽቡቕ ርክብ ምዕቃቡ ይኸብዶም እዩ። ማሕበራዊ ህይወትካ ዜመሓይሽ ገለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ርአ።

ፈታው ርእሱ ኣይትኹን

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊልጲ 2:4

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ዕዉት ርክባት ኣብ ምሃብ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምቕባል ዘተኰረ ኣይኰነን። ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ዘተኰረ ህይወት ትነብር እንተ ዄንካ፡ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ከተበላሹ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ዜተኵሩ ሰብ ሓዳር ንኣሚኖም እሙናት ኣይኰኑን እዮም። ብዘይካዚ ድማ፡ ወትሩ ብዛዕባ ጥሪቱ ወይ ብዛዕባ ፍልጠቱ ምስ ዚምካሕ ሰብ ኪተዓራረኽ ዚደሊ የልቦን። እምበኣር፡ ከምቲ ዘ ሮድ ቱ ካራክተር ዘርእስታ መጽሓፍ ዝበለቶ፡ “ርእሰ ፍትወት ናብ ሕማቕ ኣንፈታት ይመርሕ እዩ።”

ክትገብሮ እትኽእል፦

  • ንሰብ ሓግዝ። ድልዱል ዕርክነት ንምምስራት፡ ተወፋይነትን እምነትን የድሊ እዩ። ንሰብ ዚሕግዙ ዘበሉ ብሕዱር ጭንቀት ኪጥቅዑ ዘለዎም ዕድል ከም ዚንኪ፡ ብዛዕባ ርእሶም ዘለዎ ኣኽብሮት ድማ ክብ ከም ዚብል፡ ገሊኡ መጽናዕትታት ይሕብር እዩ።

  • ደንጋጺ ኹን። ድንጋጽ ንስምዒት ካልእ ኣብ ልብኻ ኸም ዚስምዓካ እትገብር ባህርይ ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ። ደንጋጺ እንተ ዄንካ፡ ንስምዒት ሰባት ክትጐድእ ኢልካ ዚወግእ ሽምጠጣ ወይ ከኣ እሾዅ ዝዀነ ሕጫጨ ወይ ኣሽሙር ኣይትዛረብን ኢኻ።

    ደንጋጺ እንተ ዄንካ፡ ንሰባት ክትጾሮም ዘሎካ ዓቕሚ ተዕቢ ኢኻ። ስለዚ፡ ካልኦት ሰባት ብማዕዶ ኣይጸልኡኻን እዮም፣ እተፈላለየ ባህልታት ወይ ኣተዓባብያ ንዘለዎም ሰባት እውን ክትተዓራረኾም ትኽእል ኢኻ።

  • ንሰባት ግዜ ሃብ። ምስ ሰባት ብዝያዳ ግዜ ብዘሕለፍካ መጠን፡ ብዝያዳ ኢኻ እትፈልጦም። ናይ ሓቂ ዕርክነት ንምምስራት፡ ትርጉም ዘለዎ ዝርርባት ክትገብር ኣሎካ። ስለዚ፡ ንፉዕ ሰማዒ ኹን። ብዛዕባ እቲ ንኣዕሩኽካ ዜተሓሳስቦም ነገራት ተገደስ። ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ “ዕምቈት ዘለዎ ዝርርባት ንሰባት ብዝያዳ ኼሐጕሶም ይኽእል እዩ።”

ኣዕሩኽካ ብጥበብ ምረጽ

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ስነ ምግባር የበላሽዎ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 15:33፡ እግረ ጽሑፍ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ መዋዕልትኻ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ብዙሕ ይጸልዉኻ እዮም። እዚ ጽልዋ እዚ ንህይወትካ ኺትንክዮ ኸም ዚኽእል፡ ክኢላታት ስነ ማሕበረ ሰብ ይኣምኑ እዮም። ንኣብነት፡ ሽጋራ ምስ ዜትክኹ ወይ ኣብ መስርሕ ፍትሕ ምስ ዘለዉ ሰባት ትውዕል እንተ ዄንካ፡ ሽጋራ ምትካኽ ክትጅምር ወይ ክትፋታሕ ዘሎካ ዕድል ይሰፍሕ እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል፦ እተድንቖ ወይ ክትቀድሖ እትደሊ ባህርያትን መትከላትን ምስ ዘለዎም ሰባት ተዓራረኽ። ንኣብነት፡ ሜለኛታትን ኣኽበርቲ ሰብን ለጋሳትን ተቐበልቲ ጋሻን ምስ ዝዀኑ ሰባት ተቐራረብ።

ካልእ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንሰብ ሓዳርን ንመንእሰያትን ንቘልዑን ናብራ ስድራ ቤቶም ኬመሓይሹ ዚሕግዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ቪድዮታት ርአ

ጐዳኢ ዘረባ ኣይትዛረብ።

“ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ።”​—ምሳሌ 12:18

ለጋስ ኩን።

“ለጋስ ሰብ ጽቡቕ ይረክብ።”​—ምሳሌ 11:25

ከምቲ ኺግበረልካ እትደልዮ ግበር።

“ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።”​—ማቴዎስ 7:12