ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ሓቂ ፍለጦ

ነቲ ሓቂ ፍለጦ

እቲ ጸገም

ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጸገም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግጉይ ሓበሬታ ይምርኰስ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ርአ፦

  • ገሊኦም ኣስራሕቲ፡ ‘ደቂ ኣንስትዮ ንገሊኡ ስነ ፍልጠታዊ ወይ ተክኒካዊ ስራሓት ኣይበቕዓን እየን’ ዚብል ግጉይ እምነት ኣለዎም።

  • ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ‘ዒላታት ይምርዙ፡ ሕማም ከኣ የስፋሕፍሑ እዮም’ ተባሂሎም ብሓሶት ይኽሰሱ ነይሮም። ብግዜ ስርዓት ናዚ ኸኣ፡ ኣይሁድ ኣብ ጀርመን ቍጠባዊ ቕልውላው ከም ዘምጽኡ ጌርካ ተጠቂኖም። ኣብ ክልቲኡ እዋን፡ ግዳያት ጽልኢ ዀይኖም እዮም፣ እዚ ጽልኢ እዚ እውን ክሳዕ ሕጂ ብእተወሰነ መልክዕ ኣሎ።

  • ብዙሓት ሰባት፡ ‘ስንኩላን ጕሁያት ወይ እተመረሩ እዮም’ ዚብል ግጉይ መደምደምታ ኣለዎም።

ንኸምዚ ዝበለ ጽውጽዋይ ዚኣምኑ ሰባት፡ ነቲ ቔናን ኣተሓሳስባኦም ዚድግፍ ዚመስል ኣብነት ወይ መርትዖ የቕርቡ እዮም። ምሳታቶም ዘይሰማማዕ ዘበለ ኸኣ ደንቈሮ ኸም ዝዀነ ይመስሎም እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ

“ሰብ ብዘይ ፍልጠት፡ ጽቡቕ ኣይኰነን።”—ምሳሌ 19:2

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓቂ እንተ ዘይፈሊጥና፡ ሕማቕ ውሳነ ኢና እንገብር። ሓቂ ዘይኰነስ ጽውጽዋይ እንተ ኣሚንና፡ ንሰባት ብጌጋ ንፈርዶም ኢና።

ሓቂ ምፍላጥ ብኸመይ ይሕግዝ፧

ብዛዕባ ሰባት ህሉው ሓቅታት እንተ ፈሊጥና፡ ነቲ ብዛዕባኦም ልሙድ ዝዀነ ናይ ሓሶት ግምታት ኣይንኣምነሉን ኢና። ብዛዕባ ሓደ ጕጅለ ሓቂ ኸም ዘይተነግረና ሓንሳእ ምስ ፈለጥና ኸኣ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ጕጅለታት ዚንገረና ግምታት ኣብ ሕቶ ኸነእትዎ ንጅምር ኢና።

ክትገብሮ እትኽእል

  • ብዛዕባ ጕጅለ ሰባት ብሓፈሻ ዚውረ ኣሉታዊ ነገር፡ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ጕጅለ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ከም ዘይምልከት ዘክር።

  • እቲ ብዛዕባ ኻልኦት ዘሎካ ሓበሬታ ድሩት ኪኸውን ከም ዚኽእል ተኣመን።

  • ካብ እሙን ምንጭታት፡ ሓበሬታ ኽትረክብ ፈትን።