ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ሕማም​—ከመይ ጌርካ ኽትከላኸሎ ትኽእል፧

ንርእስኻ ኻብ ሕማም ተኸላኸለላ

ንርእስኻ ኻብ ሕማም ተኸላኸለላ

ብዙሓት ጥንታውያን ከተማታት፡ ብዓበይቲ መናድቕ እተዓርዳ እየን ነይረን። ጸላኢ ንንእሽቶ ኽፋል እቲ መንደቕ እውን እንተ ኣፍሪስዎ፡ ድሕንነት መላእ እታ ኸተማ ኣብ ሓደጋ እዩ ዚኣቱ ነይሩ። ኣካላትካ ልክዕ ከም እተዓርደት ከተማ እዩ። ንስርዓተ ምክልኻልካ እትከናኸነሉ መገዲ፡ ኣብ ጥዕናኻ ብዙሕ ጽልዋ ኣለዎ። ንሕማም ኬቃልዑኻ ዚኽእሉ ሓሙሽተ ረቛሒታትን ከመይ ጌርካ ብዝበለጸ መገዲ ኽትከላኸል ከም እትኽእልን እስከ መርምር።

1 ማይ

ዜስግእ ኵነታት፦ ጐዳእቲ ተህዋስያን ብእተበከለ ማይ ኣቢሎም ብቐጥታ ናብ ኣካላትካ ኺኣትዉ ይኽእሉ እዮም።

መከላኸሊኻ፦ እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ፡ ማይካ ኸይብከል ምጥንቃቕ እዩ። ከም እተበከለ እንተ ፈሊጥካ ወይ እንተ ጠርጢርካ ግና፡ ውሑስ ምእንቲ ኪዀነልካ ኣብ ቤትካ ኸተጻርዮ ትኽእል ኢኻ። * ዚስተ ማይ ኣብ ዕጹው ኣቕሓ ኣቐምጦ፣ ክትቀድሖ ኸሎኻ ድማ ብጽሩይ መቕድሒ ወይ ቡምባ ጌርካ ቕድሓዮ። ኣእዳውካ ኣብ ጽሩይ ማይ ኣይተእቱ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ ድማ ምስቶም ንቐልቀሎም ብግቡእ ብምጕሓፍ፡ ማይ ከባቢኦም ብጽሬት ዚሕዙ ሕብረተ ሰብ ክትነብር ፈትን።

2 ምግቢ

ዜስግእ ኵነታት፦ ጐዳእቲ ተህዋስያን ኣብ ምግብኻ ኺርከቡ ይኽእሉ እዮም።

መከላኸሊኻ፦ እተበከለ ምግቢ እውን ሓድሽን መኣዛ ዘለዎን ኪመስል ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንዅሉ ፍረታትን ኣሕምልትን ኣጸቢቕካ ናይ ምሕጻብ ልማድ ኣጥሪ። ምግቢ ኽትሰርሕ ወይ ክትቅርብ ከለኻ፡ ንምግቢ እትጥቀመሉ ኣቕሑን ጣውላ ኽሽነን ኣእዳውካን ጽሩይ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ሓደገኛታት ዝዀኑ ደቀቕቲ ተህዋስያን ምእንቲ ኺሞቱ፡ ገሊኡ ዓይነት ምግቢ ኣብ እተወሰነ ዓቐን ሙቐት ኪበስል የድልዮ እዩ። ሕብሩ ኻብ ዝቐየረ ወይ ደስ ዘየብል ጨናን ጣዕምን ካብ ዘለዎ ምግቢ ተጠንቀቕ፣ እዚ እቲ ምግቢ ተበኪሉ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዜርኢ ምልክት እዩ። ኣብ ጥቕሚ ዘይውዓለ ምግቢ ቐልጢፍካ ኣብ መዝሓሊ ዓቅቦ። ሓሚምካ ኸለኻ ንኻልኦት ምግቢ ኣይተዳሉ። *

3 ሓሸራታት

ዜስግእ ኵነታት፦ ገሊኦም ሓሸራታት በቶም ኣብ ውሽጦም ዚነብሩ ጐዳእቲ ተህዋስያን ኣቢሎም ሕማም ኬስዕቡልካ ይኽእሉ እዮም።

መከላኸሊኻ፦ ሓሸራታት ኣብ ዝበዝሑሉ እዋናት፡ ካብ ቤት ብዙሕ ብዘይ ምውጻእ ወይ ድማ ከም ነዊሕ እጅገ ዘለዎ ኽዳንን ነዊሕ ስረን ዝኣመሰለ ዚሽፍነካ ኽዳን ብምኽዳን፡ ሕማም ካብ ዜመሓላልፉ ሓሸራታት ርሓቕ። ኣብ ዓራትካ ፈውሲ ሓሸራ እተገብረሉ ላሙስያ ተጠቐም፣ ሓሸራ ዜርሕቑ ንጥረ ነገራት እውን ተጠቐም። ጣንጡ ኺራብሓሉ ዚኽእላ ዕቋር ማይ ዝሓዘ ኣቕሓ ኣወግድ። *

4 እንስሳታት

ዜስግእ ኵነታት፦ ኣብ ውሽጢ እንስሳታት ከይተጓድኡ ዚነብሩ ደቀቕቲ ተህዋስያን ንጥዕናኻ ኣብ ሓደጋ ኼእትውዎ ይኽእሉ እዮም። ብእንስሳ ዘቤት ወይ ብኻልእ እንስሳ እንተ ተነኺስካ ወይ ተሓንፊጥካ ወይ ድማ ንቐልቀሉ እንተ ተቓሊዕካ፡ ጥዕናኻ ኣብ ሓደጋ ኺኣቱ ይኽእል እዩ።

መከላኸሊኻ፦ ገሊኦም ሰባት ምስ እንስሳታት ብዙሕ ምእንቲ ኸይተናኸፉ፡ ንእንስሳታቶም ካብ ቤት ወጻኢ ኼስፍርዎም ይመርጹ እዮም። እንስሳ ዘቤት ድሕሪ ምትንካይካ፡ ኣእዳውካ ተሓጸብ፣ እንስሳ ዘገዳም ድማ ፈጺምካ ኣይትተንኪ። እንተ ተነኺስካ ወይ ተሓንፊጥካ፡ ነቲ ቝስልኻ ብግቡእ ሕጸቦ፣ ሓኪም ድማ ተርአ። *

5 ሰባት

ዜስግእ ኵነታት፦ ገሊኦም ደቀቕቲ ህዋስ፡ ካብ ምስዓል ወይ እንጥሾ ምባል ሓደ ሰብ ብዚወጽእ ንእሽቶ ንጣብ ኣቢሎም ናብ ኣካላትካ ብምእታው ኬጥቅዑኻ ይኽእሉ እዮም። ብኸም ምሕቋፍ ወይ ሰላም ምባል ዝኣመሰለ ምትንኻፍ ቈርበት እውን ኪመሓላለፉ ይኽእሉ እዮም። ካብ ካልኦት ሰባት ዝመጹ ደቀቕቲ ተህዋስያን ኣብ ከም መትሓዚ ማዕጾ፡ መደገፍ መደያይቦ፡ ተሌፎን፡ መቈጻጸሪ ተለቪዥን፡ ወይ ናይ ኮምፕዩተር ስክሪንን ኪቦርድን ተሓቢኦም ኪጸንሑ ይኽእሉ እዮም።

መከላኸሊኻ፦ ከም መላጸዪ፡ መወጽ ወይ ብራሽ ስኒ፡ ወይ ሽጐማኖ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ንብረትካ ኻልእ ሰብ ኪጥቀመሉ ኣይተፍቅድ። ካብ ኣካላት እንስሳታትን ካልኦት ሰባትን ዚወጽእ ፈሳሲ፡ እንተላይ ደምን ካብ ክፋላት ደም ዚስራሕ ፍርያትን ኣይትተንኪ። ኣእዳውካ ብተደጋጋምን ኣጸቢቕካን ምሕጻብ ዘለዎ ጥቕሚ ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። እዚ፡ ምምሕልላፍ ሕማም ደው ከተብለሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ እትሓመሉ እዋን ካብ ቤትካ ኣይትውጻእ። እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም፡ ኣብ ክንዲ ናብ ኢድካ፡ ናብ መንዲልካ ወይ እጅገኻ ኽትስዕል ወይ እንጥሾ ኽትብል ከም ዘሎካ ይምሕጸን።

ሓደ ጥንታዊ ምስላ፡ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ይብል። (ምሳሌ 22:3) እዘን ቃላት እዚአንሲ፡ ኣብዛ ብሓደገኛ ሕማማት መሊኣ ዘላ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን እየን! ስለዚ፡ ኣብ ከባቢኻ ኻብ ዚርከባ ኣገልግሎት ጥዕና ዚህባ ትካላት ሓበሬታ ርኸብ፣ ጽሬትካ ብምሕላው ድማ ካብ ሓደጋ ተሓባእ። መከላኸሊኻ ኣደልድል፣ ብሕማም ከም እትጥቃዕ ዚገብረካ ነገራት ከኣ ኣወግድ!

^ ሕ.ጽ. 6 ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ቤትካ ዄንካ ማይ ከተጻርየሉ እትኽእል እተወሰነ ሜላታት ከም ዘሎ ርእይቶ ይህብ እዩ፣ እዚ ኸኣ ክሎሪንን ጸሓያዊ ጸዓትን ምጥቃም፡ ምጽራይ፡ ከምኡ ድማ ምፍላሕ የጠቓልል።

^ ሕ.ጽ. 9 ብዛዕባ ጥዕና ምግቢ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ሰነ 2012 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 3-9 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 12 ንሕማም ዓሶ ኽትከላኸለሉ እትኽእል መገድታት ንምፍላጥ፡ ኣብ ናይ ሓምለ 2015 ሕታም ንቕሑ! ኣብ ገጽ 14-15 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ብመርዛማት እንስሳታት ዚወርድ ጕድኣት መብዛሕትኡ ግዜ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት የድልዮ እዩ።