ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍሉያት ዓሳ ባህሌላ

ሽሮዋይ ዓሳ ባህሌላ

ፍሉያት ዓሳ ባህሌላ

ከም ዓሳ ባህሌላ ገይሮም ኣቓልቦና ዚስሕቡ ዓሳታት ሒደት እዮም። ምናልባት እቲ ዚማርኽ ሕብርታት እዚ ዓሳ፡ ኣብ ሰርከስ ዜዘናግዕ ባህሌላ ንዚኽደኖ ሕብራዊ ልብሲ የዘኻኽረና ይኸውን፣ ምናልባት እውን መንበሪኡ ኣብ መንጎ እቲ ተናኻሲ መዳህሰሲታት ኣኒሞን ባሕሪ ኪኸውን ምምራጹ የገርመና ይኸውን። ካልኣይ ስም ዓሳ ባህሌላ፡ ዓሳ ኣኒሞን ምዃኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

ልክዕ ከም ንመብዛሕትኦም ተዋሳእቲ ሆሊዉድ፡ ንዓሳ ባህሌላ እውን ቀሪብካ ኽትስእሎም ትኽእል ኢኻ። ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኻብ ሰፈሮም ስለ ዘይርሕቁን በርጋጋት ስለ ዘይኰኑን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዚንቈቱን ዚሕንብሱን ሰባት መብዛሕትኡ እዋን ንዓሳ ባህሌላ ብቐሊሉ ኺስእልዎም ይኽእሉ እዮም።

ንዓሳ ባህሌላ ፍሉያት ዚገብሮም ግና እቲ ሓደገኛ ዚመስል ኣነባብራኦም እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ መርዛም መዳህሰሲታት ኣኒሞን ምንባር፡ ኣብ ሰፈር ኣትማን ካብ ምንባር ዚፍለ ኣይመስልን እዩ። ኰይኑ ግና ዓሳ ባህሌላን እቲ ዚመርጽዎ ኣኒሞንን፡ ኢድን ጓንትን እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይልሙድ ሽርክነት ኪህሉን ዕዉት ኰይኑ ኪቕጽልን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

‘ብዘይ ብኣኻ ኽነብር ኣይክእልን እየ’

ክልተ ሽራጥ ዘለዎም ዓሳ ባህሌላ

ልክዕ ከምቲ ጽቡቕ ዕርክነት ዘለዎም ሰባት ዚገብርዎ፡ ዓሳ ባህሌላን ኣኒሞንን እውን ይህቡን ይቕበሉን እዮም። እዚ ርክብ እዚ ንዓሳ ባህሌላ ምሹእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣድላዪ እውን እዩ። ተመራመርቲ ስነ ህይወት ባሕሪ፡ ዓሳ ባህሌላ ኻብቲ ኣአንጋዲ ዝዀነ ኣኒሞን ተፈልዮም ኪነብሩ ኸም ዘይክእሉ ኣረጋጊጾም እዮም። ንፉዓት ሓንበስቲ ስለ ዘይኰኑ ድማ ብዘይ ዕቝባ ኣኒሞን ኣደዳ ዝጠመዩ ኣራዊት ባሕሪ ምዀኑ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ዓሳ ባህሌላ ንኣኒሞን ከም መንበሪኦምን ዜስግእ ነገር ኬጋጥሞም ከሎ ኸም መዕቈቢኦምን ብምጥቃም፡ ንዓሰርተ ዓመት ብህይወት ኪጸንሑ ይኽእሉ እዮም።

ኣኒሞን ንዓሳ ባህሌላ ዜተኣማምን ሰፈርን ቤትን እዩ ዚዀኖ። ዓሳ ባህሌላ ንእንቋቝሖታቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ኣአንጋዲ ዝዀነ ኣኒሞን እዮም ዜቐምጥዎ፣ ኣብኡ ድማ ክልቲኦም ወለዲ ብጥንቃቐ ኺሕልዉዎ ይኽእሉ። ድሕሪ ግዜ፡ መላእ ስድራ ዓሳ ባህሌላ ኣብ ከባቢ እቲ ኣኒሞን ኪሕንብሱ ይረኣዩ እዮም።

ኣኒሞንከ ኻብዚ ርክብ እዚ እንታይ ጥቕሚ ይረክብ፧ ዓሳ ባህሌላ፡ ነተን ንመዳህሰሲታት ኣኒሞን ኪምገባ ዚፈትዋ ዓሳ ጽምብላሊዕ ብምስጓግ ከም ዘብዐኛታት ኰይኖም የገልግሉ እዮም። እንተ ወሓደ ሓደ ጅር ኣኒሞን ብዘይ ዓሳ ባህሌላ ኺነብር ኣይክእልን እዩ። ተመራመርቲ ንዓሳ ባህሌላ ምስ ኣልገስዎ፡ እቲ ኣአንጋዲ ዝነበረ ኣኒሞን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ምሉእ ብምሉእ ጠፍአ። በተን ዓሳ ጽምብላሊዕ ከም እተበልዐ ድማ ርዱእ እዩ።

ዓሳ ባህሌላ ነቶም ዘአንገድዎም ኣኒሞን፡ ጸዓት እውን ዚህብዎም እዮም ዚመስሉ። እቲ ዓሳ ባህሌላ ዜውጽኦ ኣሞንዩም፡ ንዕቤት እቲ ኣአንጋዲ ዝዀነ ኣኒሞን ሓጋዚ እዩ። ብተወሳኺ፡ ዓሳ ባህሌላ ኣብ መንጎ እቲ መዳህሰሲታት ኪሕንብሱ ኸለዉ፡ እኹል ኦክስጅን ዘለዎ ማይ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣኒሞን ዑደት ኪገብር ይሕግዙ እዮም።

ገሊኦም ምሕምባስ ናብ ዚፈርሁሉ ቦታ ምኻድ

ሮዛ ዓሳ

ዓሳ ባህሌላ፡ መከላኸሊኦም ኣብ ቈርበቶም እዩ ዚርከብ። ኣብ ቈርበቶም ካብ መንከስቲ ዚከላኸለሎም ልፋጭ ኣለዎም። ኣኒሞን ንዓሳ ባህሌላ ኸም ዓሌቱ ገይሩ ዚቘጽሮ ድማ ሳላ እዚ ቐመማዊ ሽፋን እዩ ዚመስል። ከምቲ ሓደ ተመራማሪ ስነ ህይወት ባሕሪ ዝበሎ፡ ዓሳ ባህሌላ “ቘርበት ኣኒሞን እተኸድነ ዓሳ” እዩ ዚኸውን።

ገሊኡ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ዓሳ ባህሌላ ዘአንግዶ ኣኒሞን ኪመርጽ ከሎ፡ ናይ ምውህሃድ መስርሕ ኬካይድ ኣለዎ። እቲ ዓሳ ንፈለማ እዋን ንኣኒሞን ኪረኽቦ ኸሎ፡ ንእተወሰነ ሰዓታት ነቲ ኣኒሞን ጸጸኒሑ ኸም ዚተናኽፎ ተራእዩ እዩ። እዚ ጸጸኒሕካ ዚግበር ምትንኻፍ እዚ፡ እቲ ዓሳ ባህሌላ ነቲ መከላኸሊ ዝዀነ ሽፋኑ ምስቲ ሓድሽ መርዚ ኣኒሞን ኬወሃህዶ የኽእሎ። ዓሳ ባህሌላ፡ ኣብዚ መስርሕ እዚ ብእተወሰነ ይንከስ ይኸውን። ድሕሪኡ ግና ክልቲኦም ተወሃሂዶም እዮም ዚነብሩ።

ካብ ምትሕብባር እዞም ክልተ እተፈላለዩ ፍጥረታት፡ ብሓባር ብዛዕባ ምስራሕ ዜደንቕ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ካብ እተፈላለየ ባህልን ድሕረ ባይታን ዝመጹ ብዙሓት ሰባት፡ ክእለታቶም ኣወሃሂዶም ኪጥቀሙሉ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕርታት ዜደንቕ ውጽኢት ይረኽቡ እዮም። ልክዕ ከም ዓሳ ባህሌላ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ተወሃሂድካ ንምስራሕ እተወሰነ ግዜ ኺወስድ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ እዩ።