ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ተጠቐም

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ኬመሓይሾ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ኬመሓይሾ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ተራ መጽሓፍ ኣይኰነን። ካብ ፈጣሪና ዝመጸ ምኽሪ ዝሓዘለ መጽሓፍ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) መልእኽቱ፡ ዓብዪ ጽልዋ ኼሕድረልና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ” ይብል። (እብራውያን 4:12) ብኽልተ ቐንዲ መገድታት ንህይወትና ናይ ምምሕያሽ ሓይሊ ኣለዎ፣ ማለት፡ ሕጂ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና መምርሒ ይህበና፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ተስፋታቱን ክንፈልጥ ድማ ይሕግዘና።—1 ጢሞቴዎስ 4:8፣ ያእቆብ 4:8

ሕጂ ህይወትካ የመሓይሽ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያት ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ነገራት ግብራዊ ምኽሪ ይህብ፦

ኣብ እስያ ዚነብሩ መንእሰያት ሰብ ሓዳር ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ምኽሪ ኣዝዮም ኣማስዮምሉ እዮም። ልክዕ ከም ሓያሎ ሓደስቲ መርዑት፡ ንባህርያት ሓድሕዶም ኪለምድዎን ናጻ ዀይኖም ኢሂን ምሂን ኪበሃሃሉን ከቢድዎም ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብዎ ኣብ ተግባር ኬውዕልዎ ጀመሩ። እሞኸ እንታይ ውጽኢት ረኸቡ፧ እቲ ቪሰንት ዝስሙ ብዓል ቤት፡ “እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብክዎ፡ ነቲ ኣብ ሓዳርና ዜጋጥም ብድሆታት ብፍቕራዊ መገዲ ኽሕዞ ሓጊዙኒ እዩ። ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓልና፡ ዜሐጕስ ህይወት ከነሕልፍ ኣኽኢሉና እዩ” ይብል። ብዓልቲ ቤቱ ኣናሉ እውን ምስዚ ብምስምማዕ፡ “ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ኣብነታት ምንባብ ሓጊዙና እዩ። ሕጂ ብሓዳርናን ብእንስዕቦ ሸቶታትን፡ ሕጕስትን ዕግብትን እየ” ትብል።

ንኣምላኽ ክትፈልጦ ይሕግዘካ። ቪሰንት ብዘይካ እቲ ብዛዕባ ሓዳር ዝሃቦ ሓሳባት፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን እዋን ሕጂ ንየሆዋ ብዝያዳ ዝቐረብክዎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” እውን ኢሉ እዩ። ትዕዝብቲ ቪሰንት ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ዘተኰረ እዩ፣ እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክትፈልጦ ኺሕግዘካ ዚኽእል ምዃኑ እዩ። ከምኡ ብምግባርካ፡ ካብ ምኽሩ ትጥቀም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ፈታዊኻ ጌርካ ኽትፈልጦ ትኽእል። ብዛዕባ እቲ ንዘለኣለም ዚቕጽል “ናይ ሓቂ ህይወት” ከተስተማቕረሉ እትኽእል ዝሓሸ መጻኢ ብዝርዝር ገሊጹ ኸም ዘሎ ድማ ክትፈልጥ ኢኻ። (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ነዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ክትረኽቦ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ከይተሓለልካ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ እንተ ኣንቂድካ፡ ንስኻ እውን እዚ በረኸታት እዚ ኽትረክብ፡ ማለት ሕጂ ህይወትካ ኸተመሓይሽን ንኣምላኽ ክትፈልጦን ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ብዙሕ ሕቶታት ይመጸካ ይኸውን። ከምኡ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ነቲ ቕድሚ 2,000 ዓመት ኣቢሉ ዚነብር ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ዝሓደጎ ጽቡቕ ኣብነት ዘክሮ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ ሕቶታት ነይርዎ እዩ። ነቲ ዜንብቦ ዝነበረ ይርድኦ እንተ ነይሩ ምስ ተሓትተ፡ “ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ብምባል መለሰ። * ድሕርዚ፡ ካብቲ ድሮ ኽኢላ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ፊልጶስ ዝስሙ ወደ መዝሙር የሱስ፡ ብህንጥዮት ሓገዝ ተቐበለ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:30, 31, 34) ብተመሳሳሊ፡ ንስኻ እውን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ኣብ www.ps8318.com ዚርከብ መሕተቲ ፎርም ምልኣዮ ወይ ካብቲ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ዚርከብ ኣድራሻታት ናብ ዚቐርበካ ጽሓፍ። ኣብ ከባቢኻ ምስ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ወይ ኣብ ከባቢኻ ንዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኬድካ ኽትርእዮ እውን ትኽእል ኢኻ። ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልካ ብምንባብ፡ ንምንታይ ናብ ዝሓሸ ህይወት ኪመርሓካ ዘይትፈቕደሉ፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ክትኣምኖ ትኽእል እንተ ዄንካ የተሓሳስበካ እንተ ኣልዩ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ዘርእስታ ሓጻር ቪድዮ ርኣያ። ነዚ ኮድ እዚ ስካን ብምግባር ወይ ናብ jw.org ኣቲኻ፡ ኣብ ትሕቲ ሕታማት > ቪድዮታት > መጽሓፍ ቅዱስ ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ

^ ሕ.ጽ. 8 መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ግብራዊ ምኽሪ ዜርኢ ዝያዳ ኣብነታት እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 ነታ “ንእሽቶ ግጉይ ምርዳእ ጥራይ ድዩ፧” ዘርእስታ ኣብዛ ሕታም እዚኣ እትርከብ ዓንቀጽ እውን ርአ።