ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓለም ብመከራ ዝመልአት እያ፣ እንተዀነ ግና፡ ጠንቂ እዚ መከራ እዚ ኣምላኽ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ጠንቂ መከራ ኣምላኽ ድዩ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ!” (እዮብ 34:10) እዚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ እንርእዮ ዘሎና እከይን መከራን ኣምላኽ ኣየምጽኦን።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ቀንዲ ጠንቂ መከራ፡ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።—ዮሃንስ 14:30

  • መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብሰንኪ እቲ ሰባት ዚገብርዎ ሕማቕ ምርጫታት እውን እከይን መከራን የጋጥም እዩ። —ያእቆብ 1:14, 15

መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ገሊኦም ሰባት፡ ደቂ ሰብ ናይ ሓባር ጻዕሪ ብምግባር ንመከራ ኼወግድዎ ዚኽእሉ ዀይኑ ይስምዖም፣ ካልኦት ግና ኵነታት ዓለም ኪመሓየሽ እዩ ዚብል ብዙሕ ተስፋ የብሎምን። እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንመከራ ኼወግዶ እዩ። “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ኣምላኽ ነቲ ድያብሎስ ዘስዓቦ መከራ ብየሱስ ኣቢሉ ኼወግዶ እዩ።—1 ዮሃንስ 3:8

  • ጻድቃን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ብሰላም ኪነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:9-11, 29