ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ሰይጣን

ሰይጣን

ሰይጣን ናይ ሓቂ ኣካል ድዩ፧

“እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል . . . ናይ ጥንቲ ተመን።”—ራእይ 12:9

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሰባት ንሰይጣን ድያብሎስ፡ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚርከብ ዘይጭበጥ እኩይ ባህርይ ከም ዝዀነ ገይሮም ደኣ እምበር፡ ከም ናይ ሓቂ ኣካል ገይሮም ኣይሓስብዎን እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ሰይጣን ናይ ሓቂ ኣካል እዩ። ዓለወኛ መልኣኽ፡ ማለት ንኣምላኽ እተጻረሮ መንፈሳዊ ፍጡር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ። (ዮሃንስ 12:31) ‘ናይ ሓሶት ትእምርትታትን ጥበራን’ ተጠቒሙ ድማ እዩ ዕላማኡ ዚፍጽም።—2 ተሰሎንቄ 2:9, 10

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ሰይጣንን ኣምላኽን ኣብ ሰማይ ዝገበርዎ ዝርርብ ዚገልጽ ሓሳብ ንረክብ ኢና። ሰይጣን ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ዚርከብ እኩይ ባህርይ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እቲ ፍጹምን ብስነ ምግባር ኣበር ዘይብሉን ኣምላኽ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ምስቲ ኣብ ውሽጡ ዚርከብ እኩይ ባህርይ ከም እተዛረበ ጌርና ኽንድምድም እንኽእል፧ (ዘዳግም 32:4፣ እዮብ 2:1-6) ብንጹር እምበኣር፡ ሰይጣን፡ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዚርከብ እኩይ ባህርይ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓቂ ኣካል እዩ።

ንዓኻ ኼገድሰካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ሰይጣን፡ ከም ዘየለ ጌርካ ኽትሓስብ ዚደልየሉ ምኽንያት፡ ምስቲ ሓደ ገበነኛ ንሕጊ ምእንቲ ኺጥሕስ ንመንነቱ ዚሓብኣሉ ምኽንያት ይመሳሰል እዩ። ስለዚ፡ ንገዛእ ርእስኻ ኻብ ሰይጣን ንምዕቋብ፡ ብሓቂ ኸም ዘሎ ኽትኣምን ኣሎካ።

ሰይጣን ኣበይ እዩ ዚነብር፧

“ኣቱም ምድርን ባሕርን፡ . . . ድያብሎስ . . . ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም።”—ራእይ 12:12

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ሰይጣን ኣብቲ ኣብ ማእከል ምድሪ ዚርከብ ገሃነም እሳት ዚነብር እዩ ዚመስሎም። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ውሽጢ እኩያት ሰባት ዚነብር ይመስሎም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ሰይጣን መንፈሳዊ ፍጡር ስለ ዝዀነ፡ ብዓይኒ ኣብ ዘይርአ ዓለም እዩ ዚነብር። ሰይጣን ኣብቲ ኣምላኽን እሙናት መላእኽቱን ዚነብሩሉ ቦታ ኺኣቱ ይኽእል ነይሩ እዩ። (እዮብ 1:6) ሕጂ ግና፡ ካብ ገጽ ኣምላኽ ስለ እተሰጕጐ፡ ምስ ካልኦት እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢ ምድሪ ይነብር ኣሎ።—ራእይ 12:12

ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ሰይጣን ኣብ ምድሪ ኣብ ሓደ እተወሰነ ቦታ እዩ ዚነብር ማለት ድዩ፧ ንኣብነት፡ ብዛዕባ እታ ጥንታዊት ከተማ ጴርጋሞስ፡ “ዝፋን ሰይጣን ዘለዎ” ዚብል ኣንቢብካ ትኸውን። (ራእይ 2:13) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ኣብ ጴርጋሞስ ኣምልኾ ሰይጣን ኣመና ኣስፋሕፊሑ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። ሰይጣን ኣብ ምድሪ ዚነብረሉ ግኡዝ ቦታ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ኵለን መንግስትታት ዓለም” ናቱ እየን።—ሉቃስ 4:5, 6

ሰይጣን ንሰባት ኪጐድኦም ወይ ኪቈጻጸሮም ይኽእልዶ፧

“ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።”—1 ዮሃንስ 5:19

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ፡ ብጽልዋ ሰይጣን ተታሊሎምን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ኣትዮምን እዮም። (2 ቈረንቶስ 11:14) በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ደቂ ሰብ ንዅነታት ዓለም ኬመሓይሽዎ ዘይከኣሉ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ወይ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ብዛዕባ ዝወደቑን ኣካላዊ ጕድኣት ብዛዕባ ዝወረዶምን ሰባት ይገልጽ እዩ።—ማቴዎስ 12:22፣ 17:15-18፣ ማርቆስ 5:2-5

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ንሓይሊ ሰይጣን ክትፈርሆ ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ወይ ቍጽጽር ሰይጣን ምእንቲ ኸይትወድቕ ግና፡ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮም ክትፈልጥ ኣሎካ፣ “ምኽንያቱ፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና።” (2 ቈረንቶስ 2:11) መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ብዛዕባ ውዲት ሰይጣን ዚገልጽ ኣገዳሲ ፍልጠት ክትረክብን ግዳዩ ኻብ ምዃን ክትዕቈብን ኢኻ።

ምስ ኣጋንንቲ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ንብረት ኣወግድ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:19) እዚ ኸኣ ነቲ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ወይ ምስ ጥንቈላ ዚተሓሓዝ ክታባት፡ ጽሑፋት፡ ቪድዮታት፡ ሙዚቃታት፡ ወይ ከኣ ምስ ኮምፕዩተር ዚተሓሓዝ ነገራት የጠቓልል።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ” ይብል። (ያእቆብ 4:7) ነቲ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተኣዚዝካዮ፡ ንገዛእ ርእስኻ ኻብ እኩይ ፍሕሶ ሰይጣን ከተዕቍባ ኢኻ።—ኤፌሶን 6:11-18