ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ንምስጕዳም ብኸመይ ከም እትሓድጎ

ንምስጕዳም ብኸመይ ከም እትሓድጎ

ጸገም

ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ዝመሓሉ ኽልተ ሰባት፡ ከመይ ኢሎም እዮም ንነዊሕ ሰዓታት ወይ እውን ንመዓልትታት ዚዅርፈፉ፧ ምናልባት፡ ‘ካልእ ይትረፍ፡ ኣይተበኣስናን’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጕዳይ ገና ኣይተፈትሐን ይኸውን፣ ገና እውን ክልቲኦም ተሰጕዲሞም ይህልዉ ይዀኑ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ሕነ ንምፍዳይ። ገሊኦም ሰብ ሓዳር፡ ሕነ ንምፍዳይ ኢሎም ይስጕደሙ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸየማኸረ፡ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ መደብ ገበረ ንበል። ሰበይቱ ብዛዕባ እዚ ምስ ፈለጠት፡ ኣዝያ ትሓርቕ፣ ሓላዪ ኸም ዘይኰነ ኸኣ ትነግሮ። ንሱ ድማ ተነቃፊት ከም ዝዀነት ብምንጋር ይምልሰላ። ሽዑ እታ ሰበይቲ ብሓርቖት ትስጕደም። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ከምቲ ንስኻ ዝጐዳእካኒ፡ ኣነ እውን ክጐድኣካ እየ’ እያ እትብሎ ዘላ።

ድሌትካ ኸም ዚፍጸመልካ ንምግባር። ገሊኦም ሰብ ሓዳር፡ ድሌቶም ከም ዚፍጸመሎም ንምግባር ይስጕደሙ። ንኣብነት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ናብ ሓደ ቦታ ኪኸዱ ይሓስቡ ይዀኑ፣ እታ ሰበይቲ ድማ፡ ወለዳ ምሳታቶም ኪኸዱ ትደሊ ትኸውን። እቲ ሰብኣይ ግና ነቲ ሓሳብ ይቃወሞ። “ንዓኺ ደኣ እምበር፡ ንወለድኺ ኣይኰንኩን ተመርዕየዮም” ድማ ይብላ። ሰበይቱ ነቲ ንሱ ዝሓሰቦ ብምቕባል ኢዳ ኽሳዕ እትህብ ድማ ይስጕደም።

ሓቂ እዩ፡ ሰብ ሓዳር ንግዜኡ ስቕ ምባሎም፡ ቈየቛ ኣብ ዚለዓለሉ እዋን ንኺሃድኡ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ስቕታ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ” ይብል እዩ። (መክብብ 3:7) ኰይኑ ግና፡ ሕነ ንምፍዳይ ወይ ከኣ ድሌትካ ኸም ዚፍጸመልካ ንምግባር ኢልካ ምስጕዳም፡ እቲ ባእሲ ንነዊሕ እዋን ከም ዚጸንሕ እዩ ዚገብር፣ ነቲ እቶም ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ዝነበሮም ኣኽብሮት እውን የጥፍኦ እዩ። እሞኸ ኸምዚ ንኸየጋጥም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንምስጕዳም ንኽትሓድጎ ዜድሊ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ፡ ንጸገማትካ ኺፈትሖ ኸም ዘይክእል ምግንዛብ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ኰሪኻ ምስጕዳም፡ ሕነ ንኽትፈዲ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ ወይ ከኣ መጻምድትኻ ነቲ ንስኻ ዝደለኻዮ ብምግባር ኢዱ ኸም ዚህብ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሓቂዶ ነቲ ንኸተፍቅሮ ዝመሓልካሉ መጻምድትኻ ኸምኡ ኽትገብሮ ትደሊ ኢኻ፧ ነቲ ምስሕሓብ ክትፈትሖ እትኽእለሉ ዝሓሸ መገድታት ኣሎ።

ኣስተውዓሊ ኹን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍቕሪ ‘ኸም ዘይትቝጣዕ’ እዩ ዚገልጽ። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) ስለዚ፡ መጻምድትኻ ብሓርቖት፡ “ፈጺምካ ኣይትሰምዓንን ኢኻ” ወይ “ኵሉ ሳዕ ምስ ደንጐኺ ኢኺ” ኢሉ ኺዛረበካ ኸሎ፡ ህድእ በል። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበለ ኸተስተውዕል ድማ ፈትን። ንኣብነት፡ እቲ፡ “ፈጺምካ ኣይትሰምዕን ኢኻ” ዚብል ዘረባ፡ “ንርእይቶይ ኣርዚንካ እትርእዮ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ” ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 14:29

ንመጻምድትኻ ኸም ኣንጻር ጋንታኻ ዘይኰነስ፡ ከም ወዲ ጋንታኻ ጌርካ ርኣዮ

ድምጽኻ ኣህድእ። ንቘየቛ ደው እንተ ዘየቢልካዮ፡ እናገደደ እዩ ዚኸይድ። ከምኡ ምእንቲ ኸየጋጥም፡ ሓደ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ኣሎ። እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እታ ፋይቲንግ ፎር ዮር መሪጅ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ድምጽኻ ምልስላስን ንርእይቶ መጻምድትኻ ኣፍልጦ ምሃብን፡ ንውጥረት ኪንክዮ፡ ብዝያዳ ንኸይጋደድ ከኣ ኪዓግቶ ዚኽእል ውጽኢታዊ መገዲ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ቈየቛ በዚ ኸምዚ ብቐሊሉ ኺፍታሕ ይኽእል እዩ” ትብል።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 26:20

“ኣነ” ኢልካ ዘይኰነስ፡ “ንሕና” ኢልካ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 10:24) ንመጻምድትኻ ኸም ኣንጻር ጋንታኻ ዘይኰነስ፡ ከም ወዲ ጋንታኻ ጌርካ ትርእዮ እንተ ዄንካ፡ ኣይክትቅየምን ከምኡውን ኣይክትቋየቝን ኢኻ፣ ኣይክትስጕደምን እውን ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መክብብ 7:9

ምስጕዳም ምስቲ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ” ዚብል ምዕዶ መጽሓፍ ቅዱስ ይጻረር እዩ። (ኤፌሶን 5:33) ስለዚ፡ ምስ መጻምድትኻ ብምስምማዕ፡ ምስጕዳም ኣብ ሓዳርኩም ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ንምንታይ ዘይትውስኑ፧