1 ቈረንቶስ 13:1-13

  • ፍቕሪ–ዝበለጸት መገዲ (1-13)

13  ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይ ጨርባሕ ከም ዚብል ጸናጽል ሸሓኒ ምዀንኩ።  ውህበት ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኵሉ ቕዱስ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡+ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ከንቱ* ምዀንኩ።+  ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት ከብልዕ ኢለ እንተ ዝህብ፡+ ምእንቲ ኽምካሕ እውን ሰብነተይ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡+ ሓንቲ እኳ ኣይምተጠቐምኩን።  ፍቕሪ+ ዓቃልን+ ለዋህን+ እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡+ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን፡+  ስዲ ኣይኰነትን፡+ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡+ ኣይትቝጣዕን፡+ ኣይትቕየምን*+ እያ።  ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጻ ኣይትሕጐስን እያ።+  ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡+ ኵሉ ትኣምን፡+ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡+ ኵሉ ትጻወር።+  ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ። ግናኸ፡ ውህበት ትንቢት እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ኺሰዓር፣ ቋንቋታት* እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ኺውዳእ፣ ፍልጠት እንተ ኣልዩ እውን፡ ንሱ ኺስዓር እዩ።  ከመይሲ፡ ብኸፊል ንፈልጥን+ ብኸፊል ንንበን ኣለና፣ 10  እቲ ምልኣት ምስ መጸ ግና፡ እቲ ኸፊል ኪሰዓር እዩ። 11  ቈልዓ ኸለኹ፡ ከም ቈልዓ እዛረብ፡ ከም ቈልዓ እሓስብ፡ ከም ቈልዓ እመራመር ነይረ፣ ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ ነቲ ነገር ቈልዓ ሓዲገዮ። 12  ሕጅስ ብመስትያት ብረት ዘይንጹር ምስሊ ንርኢ ኣለና፣ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና። ሕጂ ብኸፊል እፈልጥ ኣለኹ፣ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ ብልክዕ እተፈለጥኩ፡ ብልክዕ ክፈልጥ እየ። 13  ግናኸ ሕጂ፡ እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚአን ይነብራ፣ ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዘይጠቅም።”
ወይ፡ “በደል ኣይትሕዝን።”
ወይ፡ “ልሳናት።” ማለት፡ ብተኣምራዊ መገዲ ብኻልእ ቋንቋታት ምዝራብ።