ንቕሑ! ለካቲት 2014 | ንግዜኻ ብኸመይ ብጥበብ ከም እትጥቀመሉ

ግዜ ሓንሳእ ምስ ኣምለጠ፡ ኣይምለስን እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንሓያሎ ሰባት ንግዜኦም ኣብቲ ኣብ ህይወት ብዝያዳ ዜገድስ ነገራት ብምውዓል ብጥበብ ንኺጥቀሙሉ ኣብ ዝሓገዞም ኣርባዕተ ሜላታት ተተኵር።

ካብ ከባቢ ዓለም

ዛዕባታት፦ ዘይሕጋዊ ስኒ ሓርማዝ ኣብ ማለዥያ፡ ተኣማንነት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኢጣልያ፡ ሕማም ኣብ ኣፍሪቃ፡ ዚጣልዑ ቘልዑ ኣብ ኣውስትራልያ።

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መናፍስቲ ምጥያቕ

ብዙሓት ሰባት ምስ ምዉታት ኪዘራረቡ ይጽዕሩ እዮም፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዘለዎ ርእይቶ እንታይ እዩ፧

ገበር

ንግዜኻ ብኸመይ ብጥበብ ከም እትጥቀመሉ

ሓደ ኻብቲ ንግዜኻ ብጥበብ ንኽትጥቀመሉ ዜኽእለካ መገድታት ንህይወትካ ብኽልተ መዳያት ብምምርማር እዩ። እዚ ኽልተ መዳያት እዚ እንታይ እዩ፧

ቃለ መጠይቕ

ሓደ ኽኢላ ባዮተክኖሎጂ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ዶክተር ሃንስ ክሪስቲያን ኮትላር ብዛዕባ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ከም ዚሓትት ገበሮ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታቱ ዝመለሰሉ ብኸመይ እዩ፧

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ቆስጣንጢኖስ

ቆስጣንጢኖስ ብፖለቲካውን ብሃይማኖታውን መዳይ ዝገበሮ ነገራት፡ ንእምነት እተን ሎሚ ዘለዋ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ርአ።

ንስድራ ቤት

ንጓልካ ውጥረት ኬጋጥማ ኸሎ

ሓያሎ ጐራዙ በቲ ኣብ እዋን ጕርዝውና ዜጋጥመን ለውጥታት ይጭነቓ እየን። ወለደን ነቲ ውጥረት ንኺዋጽኣሉ ብኸመይ ኪሕግዘወን ይኽእሉ፧

ተነዲፉ ድዩ፧

መብራህቲ ሓዊለይቶ

እዚ ደቂቕ ሓሸራ እዚ፡ ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ነቲ ኣብ ብዙሕ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዚግጠም ዝያዳ መብራህቲ ዜመንጭው ዳዮድ ንኺሰርሑ ዝደረኾም ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

ናይ ሓቂ ፈታዊ መን እዩ፧

ናይ ሓሶት ኣዕሩኽ ብቐሊሉ እዮም ዚርከቡ፡ ናይ ሓቂ ፈታዊ ግና ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧