ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መናፍስቲ ምጥያቕ

መናፍስቲ ምጥያቕ

ምስ ምዉታት ክትዘራረብ ምፍታን ጌጋ ድዩ፧

“ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎም . . . ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም።”—ዘሌዋውያን 19:31

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ሰባት፡ እቲ ብሞት እተፈልዮም ዜፍቅርዎ ሰብ ይሳቐ ኸም ዘየለ መረጋገጺ ይደልዩ እዮም። ስለዚ፡ “ንምንታይ ብጠያቒ መናፍስቲ ገይረ ምስኡ ኽራኸብ ዘይፍትን፧ ምናልባት እቲ ጠያቒ መናፍስቲ፡ ኣብ ሓደ መደምደምታ ንኽበጽሕን ናይ ኣእምሮ ሰላም ንኽረክብን ይሕግዘኒ ይኸውን” ኢሎም ይሓስቡ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጥንቲ ልሙድ ዝነበረ፡ ህያዋን ምስ ምዉታት ንኺራኸቡ ዚገብርዎ ጻዕሪ ብንጹር እዩ ዚዅንኖ። ንኣብነት፡ የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ “መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ . . . ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ” ዚብል ሕጊ ሂብዎም ነበረ። (ዘዳግም 18:10-12) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጠየቕቲ መናፍስቲ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ይገልጽ እዩ።—ገላትያ 5:19-21

ምዉታት ንህያዋን ኪጸልውዎም ይኽእሉ ድዮም፧

“ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን።”—መክብብ 9:5

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ምዉታት ብገለ መገዲ ህይወቶም ከም እትቕጽል ይዛረቡ እዮም። ስለዚ፡ ምስ ምዉታት ኪዘራረቡ ይፍትኑ ይዀኑ፣ ምናልባት እውን ካባታቶም ሓበሬታ ኺረኽቡ ወይ ከኣ ንህያዋን ምእንቲ ኸየሸግርዎም ኬሐጕስዎም ይጽዕሩ ይዀኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . [እቲ ህያዋን ከለዉ ዚስምዖም ዝነበረ] ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ።” (መክብብ 9:5, 6) እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዉታት ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይፈልጡ እዩ ዚምህር። ኪሓስቡ፡ ገለ ነገር ኪገብሩ፡ ንኣምላኽ እውን ኬምልኽዎ ኣይክእሉን እዮም። መዝሙር 115:17፡ “ምዉታትን ናብ ስቕ ምባል ዝወረዱ ዅሎምን ንእግዚኣብሄር ኣየመስግንዎን እዮም” ትብል።

ጠየቕቲ መናፍስቲ ዚዛረብዎ ነገራት፡ ሓድሓደ ግዜ ልክዕ ደይኰነን፧

‘ህዝቢዶ ብዛዕባ ህያዋን ንምዉታት ይሓትት እዩ፧’—ኢሳይያስ 8:19

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ጠየቕቲ መናፍስቲ፡ ምዉታትን ስድራ ቤቶምን ወይ ከኣ ምዉታትን ፈተውቶምን ጥራይ ዚፈልጥዎ ሓበሬታ ኺዛረቡ ኸም ዚኽእሉ ይገልጹ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ቀዳማይ ሳሙኤል ምዕራፍ 28፡ እቲ ዘይእሙን ንጉስ ዝነበረ ሳኦል፡ ነቲ ናብ ጠየቕቲ መናፍስቲ ምኻድ ዚኽልክል ሕጊ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝጠሓሶ ትገልጽ እያ። ናብ ሓንቲ ምስቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝነበረ ሳሙኤል እትዘራረብ ዘላ እትመስል ጠያቒት መናፍስቲ ኸይዱ ድማ፡ ምስ ሳሙኤል ንኸተራኽቦ ለመና። ብሓቂ ግና እታ ጠያቒት መናፍስቲ ምስ ሳሙኤል ድያ እትዘራረብ ነይራ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ምስ ሓደ ንሳሙኤል ዚመስል መደናገሪ ኣካል እያ እትዘራረብ ነይራ።

እቲ መደናገሪ፡ እኩይ መንፈስ ኰይኑ፡ ወኪል እቲ “ኣቦ ሓሶት” ዝዀነ ሰይጣን እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 8:44) እኩያት መናፍስቲ ወይ ከኣ ኣጋንንቲ፡ ምዉታት ብህይወት ከም ዘለዉ ዜምስሉ ስለምንታይ እዮም፧ ዕላማኦም ንኣምላኽ ምክፋእን ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምሕሳርን ስለ ዝዀነ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ይኹን እምበር፡ ምዉታት ተስፋ የብሎምን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ኣብ መቓብር ‘ደቂሶም’ ዘለዉ ምዉታት ኣብ መጻኢ ኸም ዚትንስኡ ዚገልጽ ተስፋ ይህብ እዩ። a (ዮሃንስ 11:11-13፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ እቶም ብሞት እተፈልዩና እነፍቅሮም ሰባት፡ ይሳቐዩ ኸም ዘየለዉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

a ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ እትርከብ ምዕራፍ 7፡ “እቶም እተፍቅሮም ምዉታት ዘለዎም ናይ ሓቂ ተስፋ” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዋ። ነታ መጽሓፍ ካብ www.ps8318.com/ti ኸተራግፋ ትኽእል ኢኻ።