ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ከባቢ ዓለም

ካብ ከባቢ ዓለም

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ኣብ ካሊፎርንያ እትርከብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ፡ እቲ ኣብ 1,215 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዚርከብ ኣስታት 4,500 ዚኸውን ሰማፎሮ ምሉእ ብምሉእ ተዋሃሂዱ ኸም ዚዓዪ ገይራ ኣላ። ብመሰረት ጋዜጣ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ሎስ ኣንጀለስ “ካብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ዓበይቲ ኸተማታት፡ ነዚ ዝገበረት ቀዳመይቲ ኸተማ” እያ።

ዓለም

ብደረጃ ዓለምለኸ እተገብረ ሓደ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ካብ 1990 ክሳዕ 2010 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ቍጽሪ እቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ዝገዘፉ ሰባት ብ82 ሚእታዊት ወሲኹ እዩ። ሽሕ እኳ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዋሕዲ ምግቢ እንተሎ፡ ቍጽሪ እቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ብምግዛፍ ዚሞቱ ሰባት ካብቶም ብጕድለት ኣመጋግባ ዚሞቱ ሰባት ብሰለስተ ዕጽፊ ይዛይድ። ማጂድ ኤዛቲ ዝስሙ ሓደ ኻብቶም ቀንዲ ተመራመርቲ ዝዀኑ ሰባት፡ “20 ዓመት ይገብር፡ ሰባት እኹል ምግቢ ኣብ ዘይረኽቡላ ዓለም ኢና እንነብር ኔርና፣ ሕጂ ግና፡ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዚርከባ ሃገራት እውን ከይተረፈ፡ ሕማም ዜስዕበልና ዘሎ ጐዳእን ኣዝዩ ብዙሕን ምግቢ ኣብ እተፍሪ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና” በለ።

ደሴት ሚድወይ

ኣብ ከባቢ ደሴታት ሃዋይ እትነብር ዑፍ ኣልባጥሮስ፡ “ኣብ ዓለም እታ እተፈልጠት ብዕድመ ዝዓበየት ዑፍ በረኻ” ከም ዝዀነትን ተወሳኺት ጫቚት ከም ዘንቍሐትን ብጸብጻብ ተነግረ። ዕድመ እዛ ዑፍ እዚኣ ኽንደይ እዩ፧ ብ1956 ዕድሚኣ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ዓመት ከሎ፡ ምልክት ተገይሩላ ነበረ። በዚ መሰረት እዚ፡ ሕጂ ዕድሚኣ ልዕሊ 60 ዓመት ኰይኑ ኣሎ። እዛ ዑፍ እዚኣ፡ ኣብ ምሉእ ህይወታ፡ ካብ ሰለስተ ኽሳዕ ኣርባዕተ ሚልዮን ኪ.ሜ. ብምንፋር ተጓዒዛ እያ። እዚ ርሕቀት እዚ፡ ካብ መሬት ናብ ወርሒ እናተመላለስካ፡ ካብ ኣርባዕተ ኽሳዕ ሽዱሽተ ሳዕ ምጕዓዝ ማለት እዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ

ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንኪቐይሓ ኢለን ፍሉይ ሳሙናን ክሬምን ይጥቀማ እየን። እዚ ዜቕይሕ ነገራት እዚ፡ ሓደገኛ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ተኣጊዱ እዩ። ገለ ኻብቲ ዜስዕቦ ጕድኣት ከኣ፡ እተፈላለየ ዓይነት መንሽሮን ሕማም ኵላሊትን ጭንቀትን ዕንፍሩርን ማዳን እዩ።