ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ስርዓተ ምፍራይ እታ ንእንቋቝሖኣ ኣብ ከስዐኣ እትሓቝፎ እንቍርዖብ

ስርዓተ ምፍራይ እታ ንእንቋቝሖኣ ኣብ ከስዐኣ እትሓቝፎ እንቍርዖብ

እታ ኻብ 2002 ኣትሒዛ ኸም ዝጸነተት ጌርካ እትሕሰብ ዝነበረት፡ ኣብ ኣውስትራልያ እትርከብ ንእንቋቝሖኣ ኣብ ከስዐኣ እትሓቝፎ እንቍርዖብ፡ ፍልይ ዝበለ ዓይነት ስርዓተ ምፍራይ እዩ ዘለዋ። እታ ኣንስተይቲ እንቍርዖብ ነቲ ዝጸገየ እንቋቝሖኣ ናብ ከስዐኣ ትውሕጦ፣ ንሽዱሽተ ሰሙን ከኣ ኣብኡ ትሓቝፎ። ጸኒሖም እቶም ደቃ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝዓበየ እንቍርዖብ ኰይኖም ብኣፋ ይወጹ።

እታ እንቍርዖብ ነቲ ዝወሓጠቶ እንቋቝሖ ብምብላዕ ምእንቲ ኸይተሕቅቖ፡ ምግቢ ኣይትበልዕን እያ፣ ንምሕቃቕ ምግቢ ዚኸውን ኣሲድ እውን ኣይተዳሉን እያ። ካብቲ ዝወሓጠቶ እንቋቝሖን ካብቲ ዝነቝሐ እንቋቝሖን ዚወጽእ ኬሚካል፡ ኣሲድ ንኸይዳሎ ይከላኸል እዩ።

እታ እንቍርዖብ፡ ክልተ ደርዘን ዚዀኑ እንቋቝሖ እያ ብሓንሳእ ኣብ ከስዐኣ እትሓቍፍ። ነቶም እንቋቝሖ ኽትወልዶም ከላ፡ ኣስታት 40 ሚእታዊት ክብደት ናይ ሰብነታ እዮም ዚዀኑ። እዚ ኸኣ፡ ሓንቲ፡ ነፍሰ ጾር ቅድሚ ምዃና 68 ኪሎ ግራም እትምዘን ዝነበረት ሰበይቲ፡ ነፍሲ ወከፎም 1.8 ኪሎ ግራም ዝኽብደቶም 24 ሕጻናት ኣብ ማህጸና ትስከም ከም ዘላ እዩ ዚቝጸር። እቶም ንኣሽቱ እንቍርዖብ፡ ክሳዕ ሳምቡእ ኣዲኦም ዚጽቀጥ ንኸስዐኣ ኣመና ስለ ዚውጥርዎ፡ እታ እንቍርዖብ ብቘርበታ ኸተስተንፍስ ትጅምር።

እቶም ውላድ እንቍርዖብ፡ መዓልቶም ምስ ኣኸለ፡ ካብ ከስዐ ኣዲኦም ኪወጹ ይጅምሩ። እታ ኣደ፡ ንደቃ ሓደጋ ዜጋጥሞም እንተ መሲሉዋ፡ ብኣፋ ብምትፋእ ትወልዶም። ሓንቲ እንቍርዖብ ንሽዱሽተ ደቃ ብሓባር ንኣስታት ሓደ ሜተር ዚኸውን ኣርሒቓ ኽትተፍኦም ከላ፡ ተመራመርቲ ርእዮም እዮም።

ከምቲ ገሊኦም ሰባት ዚብልዎ፡ ስርዓተ ምፍራይ እታ ንእንቋቝሖኣ ኣብ ከስዐኣ እትሓቝፎ እንቍርዖብ ብፍልቀት ዝመጸ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ኣካላታን ጠባያን ብሓንሳእ ዓብዪ ለውጢ ኽትገብር ኣለዋ ማለት እዩ። ሚካኤል ተይለር ዝስሙ ኣብ ፍልቀት ዚኣምን ተመራማሪ ስነ ፍልጠት፡ እታ እንቍርዖብ “ኣብቲ ምስ ስርዓተ ምፍራይ ዚተሓሓዝ ስነ ህይወት ቀስ ብቐስን በብደረጃኡን ለውጢ ኸም ዝገበረት ዚገልጽ ሓሳብ ዘይእመን እዩ። እቲ ንምፍራይ እትጥቀመሉ መገዲ፡ ወይ ምሉእ ብምሉእ ውጽኢታዊ ወይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ዘይሰርሕ እዩ ኪኸውን ዚኽእል” በለ። ተይለር ኣስዕብ ኣቢሉ ኸም ዝገለጾ፡ እቲ ሓደ ኺወሓጠልካ ዚኽእል መግለጺ፡ ስርዓተ ምፍራይ እታ እንቍርዖብ “ኣዝዩ ዓብዪ ስጕሚ” ንቕድሚት ሰጒሙ ኪኸውን ከም ዘለዎ ዚሕብር መግለጺ እዩ። ገሊኦም ሰባት ነዚ ዓብዪ ስጕሚ እዚ፡ “ፍጥረት” ኢሎም ይጽውዕዎ። a

እንታይ ይመስለካ፧ ስርዓተ ምፍራይ እታ ንእንቋቝሖኣ ኣብ ከስዐኣ እትሓቝፎ እንቍርዖብ፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

a ቻርለስ ዳርዊን ኣብታ ኦሪጅን ኦቭ ስፒሺስ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ተፈጥሮ ነቲ ቐስ ብቐስ ዚርአ ለውጥታት ተጠቒሙ እዩ ዘዝበለጸ ዚመርጽ ደኣ እምበር፡ ናብ ካልእ ደረጃ ፈጺሙ . . . ኣይነጥርን እዩ” በለ።