ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ከባቢ ዓለም

ካብ ከባቢ ዓለም

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ሕርሻ፡ ብ2012፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኻብ ዘለዋ ስድራ ቤታት፡ 14.5 ሚእታዊት—ብድምር 49 ሚልዮን ሰባት—ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ እተወሰነ ወቕቲ፡ “ንዅሎም ኣባላተን ዚኸውን እኹል ምግቢ ኼዳልዋሎም ዚኽእላ እንተ ዀይነን ሰጊአን ነይረን እየን፣ ወይ እውን ኪረኽባሎም ኣይከኣላን።”

ስጳኛ

ኣብ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ 56 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን 41 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮን ሰታያት እዮም። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ሰታይ ዚብሃል፡ ኣብ ሓደ ግዜ እንተ ወሓደ (ደቂ ተባዕትዮ) ኽሳዕ ሸሞንተ ወይ ከኣ (ደቂ ኣንስትዮ) ክሳዕ ሽዱሽተ ዚሰቲ ማለት እዩ።

ሰላማዊ ውቅያኖስ

ኣብ ማርያና ትረንች ንታሕቲ 11,000 ሜተር ብምኻድ መርኣያ ሒዞም እተመልሱ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ እቲ ቦታ እቲ፡ ምሉእ ብምሉእ ጸልማትን ሓያል ጸቕጢ ዘለዎን ኣዝዩ ቘራርን ክንሱ ባክተርያን ካልእ ማይክሮብን ከም ዚስስኑሉ ተዓዚቦም እዮም። ቅድሚ እዚ ግና፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕምቈት፡ ህይወት ብብዝሒ ኸም ዘይርከብ እዩ ዚሕሰብ ነይሩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ

ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሰበ ስልጣን ዱባይ ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኽረሻ ንምንካይ፡ ሓደ ሰብ፡ ሓደ ኪሎ ግራም ምስ ዚንኪ፡ በቲ ናይ ሽዑ ገምጋም 45 ዶላር ኣመሪካ ኸም ዚኽፈሎ፡ ንተቐማጦ እታ ሃገር ቃል ኣትዮምሎም ነይሮም። ሰባት ወርቂ ምእንቲ ኪቕበሉ ኢሎም፡ ኣብ ወርሒ ሮመዳን እንተ ወሓደ 2 ኪሎ ግራም ንኺንክዩ ኣቐዲሞም ኪምዝገቡ ኣድልይዎም እዩ።