ንቕሑ! ነሓሰ 2014 | ሰባት ብኸመይ ሰላም ኪገብሩ ይኽእሉ፧

መብዛሕትኦም ሰባት ምስ ጐረባብቶም ብሰላምን ብስኒትን ኪንበሩ ዚድለዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣሉታዊ ኣረኣእያን ጓህን ግና ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንዘይምርድዳእ ብሰላም ከነድቅሶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ገበር

ሰባት ብኸመይ ሰላም ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ግብራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቕዱስ፡ ጸላእቲ ንዝነበሩ ሰባት ሰላም ኪገብሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣዕሩኽ ኪዀኑ እውን ሓጊዝዎም እዩ።

ካብ ከባቢ ዓለም

ተወሳኺ ዛዕባ፦ ናይ መምሃሪ መጻሕፍቲ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲትን ተተኪኡ፣ ብዙሕ ጕድኣት ዘይብሉ ነዳዲ ምስቲ ሞት ሓያሎ ሰባት ዘስዓበ ብከላ ኣየር ተተሓሒዙ፣ ከምኡ እውን መብዛሕትኦም ኣባላቱ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቦም ዘይፈልጡ ሃይማኖት ክርስትና።

ንስድራ ቤት

ብኸመይ ‘ኣይፋል’ ከም እትብል

ውሉድካ ዝደለዮ ምእንቲ ኽትገብረሉ፡ ምኒን ብምባል ወይ ብምልማን፡ ኢድካ ኸም እትህብ ኪገብረካ ዚጽዕር እንተ ዀነኸ፧

‘ንኣዕዋፍ እሞ ተመልከትወን’

የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ እንታይ ትምህርቲ እዩ ኺምህር ዚጽዕር ነይሩ፧

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ዊልያም ዊስተን

“ካብ ውሩይ ምሁር ናብ ስጉጕ” ወረደ፣ ግናኸ ስለምንታይ፧

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ሕልምታት

ሎሚ፡ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ንምዝርራብ ሕልምታት ይጥቀም ድዩ፧

ተነዲፉ ድዩ፧

ብርሃን ዚስሕብ መንገብገብ ጽምብላሊዕ

መንገብገብ ገሊአን ጽምብላሊዕ፡ ካብ ጸሊም ሕብሪ ንላዕሊ የጠቓለል።