ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ሰባት ብኸመይ ሰላም ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ሰባት ብኸመይ ሰላም ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ፍራንክን ጄሪን ተሳንዮም ዚነብሩ ጐረባብቲ እዮም ነይሮም። ሓደ ምሸት ጄሪ ኽሳዕ ለይቲ ዝጸንሐ ጓይላ ዘለዎ ድግስ ምስ ገበረ ሰላሞም ተዘርገ። a ፍራንክ ብዛዕባ እቲ ጫውጫው ምስ ኣማረረ፡ ጄሪ ብኣዘራርባ ፍራንክ ኰረየ። ንሓድሕዶም ተቛየቑ። ድሕሪኡ ኸኣ ተጐሳሰዩ።

ፍራንክን ጄሪን ልሙድ ዝዀነ ጸገም እዩ ኣጋጢምዎም። ክልተ ሰባት ዘይምርድዳእ ኬጋጥሞም ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓድሕዶም እናተወቓቐሱ ይቝጥዑ እዮም። ነዚ ምስሕሓብ እዚ ብኣጋኡ እንተ ዘይፈቲሖምዎ ኸኣ፡ መወዳእታኡ ኽሳዕ ምርሕሓቕ ኪበጽሑ ይኽእሉ እዮም።

ምናልባት ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢሙካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣጋጢሙካ እንተ ዀይኑ ድማ ብእኡ ባህ ከም ዘይብለካ ፍሉጥ እዩ። መብዛሕትና ምስ ፈተውትናን ጐረባብትናን ብሰላምን ብስኒትን ክንነብር ኢና እንደሊ። ግናኸ፡ ሓድሓደ ግዜ ዘይምርድዳእ እናኣጋጠመና እውን ብሰላምን ብስኒትን ክንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኸነወግድን ንዘጕሃዩና ይቕረ ኽንብለሎምን ንኽእል ዲና፧ ንዘይምርድዳእ ብሰላም ክንፈትሖ ንኽእል ዲና፧

ንዅነታት ፍራንክን ጄሪን እሞ ንመርምሮ። ብመሰረቱ፡ ዕርክነቶም ኪዝረግ ዝጀመረ፡ ነዚ ዚስዕብ ግጉይ ስጕምትታት ስለ ዝወሰዱ እዩ፦ (1) ጄሪ ሓልዮት ኣየርኣየን፡ (2) ፍራንክ ንጄሪ ብዜበሳጩ መገዲ ተዛሪብዎ፡ (3) ክልቲኦም ስምዒቶም ኣይተቘጻጸሩን፡ ከምኡ እውን (4) ክልቲኦም ኪለዝቡ ኣይደለዩን።

ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ግዜ፡ ክልቲኦም ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ሽግራቶም ብምፍታሕ ሰላም ገይሮም እዮም። ንኺዕወቱ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ግብራዊ ስርዓታት እዩ። እዚ ስርዓታት እዚ፡ ንሓያሎ ሰባት ኣሸጋሪ ዅነታት ንኺሰግሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዕርክነቶም ብዝያዳ ንኼደልድሉ እውን ሓጊዝዎም እዩ።

እቲ ግብራዊ ስርዓታት እቲ ኣብቲ ኣብ ዓለም ካብ ካልእ መጻሕፍቲ ንላዕሊ፡ ብብዝሒ እተዝርግሐ መጽሓፍ፡ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ምስትውዓልን ልቦናን ለውሃትን ፍቕርን ትዕግስትን ዝኣመሰለ ሰላም ዜስፍንን ንእተጐድአ ስምዒት ዚፍውስን ባህርያት ከነማዕብል እዩ ዜተባብዓና።—ምሳሌ 14:29፣ 1 ቈረንቶስ 13:4, 5

እቲ ዝረአናዮ ናይ ፍራንክን ጄሪን ኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ናብ ዝሓሸ ዅነታት ኪቕየር ከም ዚኽእል ዜርኢ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካልእ ሓያሎ ኣብነታት እውን ኣሎ። አረ ገሊኦምሲ ሱር ዝሰደደ ኣሉታዊ ባህርያት እውን ከይተረፈ ኼወግዱ ኽኢሎም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ሮበርት፡ ሱር ዝሰደደ ቝጥዓ ኼወግድ ክኢሉ እዩ። ኣብ ቲሞር ለስተ ዚነብር ነልሰን ከኣ ንነዊሕ እዋን ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ጽልኢ ኣወጊዱ ምስቲ ቐደም ጸላኢኡ ዝነበረ ሰብ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪምስርት ክኢሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሮበርትን ንነልሰንን ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎም፧ ንቕሑ! ንኽልቲኦም ቃለ መጠይቕ ገይራትሎም ኣላ።

ቃለ መጠይቕ 1

ሮበርት፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያኻ እስከ ቝሩብ ነገረና።

ሓጐስ ኣብ ዘይብሉ ቤት እየ ዓብየ። ንኣብነት፡ ኣቦይ ሓራቕ እዩ ነይሩ፣ ብዙሕ ሳዕ ድማ ይቕጥቅጠኒ ነበረ። አረ ሓድሓደ ግዜስ፡ ደም ንደም ገይሩ ሃለዋተይ ክሳዕ ዘጥፍእ እዩ ዜብጽሓኒ ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ቍጡዕን ዓመጸኛን ኰንኩ። ኣብ ዕድመ ዀተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ኣብ መአረሚ ቦታ ኣሕለፍክዎ። ድሕሪኡ፡ ብጭካነ መጥቃዕቲ ስለ ዝፈጸምኩ፡ ጽኑዕ ሓለዋ ኣብ ዚግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐንኩ። ምስ ተፈታሕኩ ድማ ንህይወት ብሓድሽ መልክዕ ክጅምራ ተስፋ ብምግባር ናብ ኣውስትራልያ ገዓዝኩ።

ሮበርት ቍጥዑን ዓመጸኛን ኰይኑ እዩ ዓብዩ፡ ተኣሲሩ እውን ነይሩ እዩ

ናብ ኣውስትራልያ ምግዓዝካ፡ ህይወትካ ኸም እትቕይር ገይሩካዶ፧

ከም ዝቕየር ዝገበረኒ ናብ ኣውስትራልያ ምግዓዘይ ዘይኰነስ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዐይ እዩ። ይኹን እምበር፡ ቍጥዐይ ንምቍጽጻር ተቓሊሰ እየ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ተስፋ እቘርጽን ከም ዘይረብሕ ኰይኑ ይስምዓንን ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግና፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 19:11 ዚርከብ፡ “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ዚብል ጥቕሲ ኸስተንትነሉ ጀመርኩ። ነዚ ምስትውዓል እዚ ንኸማዕብል ኣዝየ ስለ እተሃንጠኹ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ንስምዒታትናን ንቓላትናን ንተግባራትናን ዜመንጭዎ ነገራት ክሓስብ ጀመርኩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ በብቝሩብ ንሰባት ጸገሞም ብዝያዳ ኽርድኣሎምን ክዕገሶምን ይቕረ ኽብለሎም ከኣልኩ።

ሓንቲ ኣብነትዶ ኽትህበና፧

ሓደ መዓልቲ ንሓደ ዓርከይ ብዘይፍላጥ ኣሕረቕክዎ፣ ንሱ ኸኣ ብቝጥዐ ኣብ ቅድሚ ሰባት ገንሓኒ። ሽዑ ኣዝየ እየ ተዋሪደ። ይኹን እምበር፡ ነቲ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ዘከርኩ እሞ፡ ብኡብኡ ይቕረታ ሓተትክዎ። (ሮሜ 12:17) ዓርከይ ምስ ዘሓለ፡ ንብሕቱ ኣዘራረብክዎ እሞ፡ ናይ ስድራ ቤት ጸገማት ኣጋጢምዎ ኸም ዝነበረ ፈለጥኩ። ሽዑ ተዓረቕና፡ ድሕሪኡ ሓንቲ ጽብቕቲ ጁባ ሃበኒ። ምስ ተዋረድኩ፡ ከም ቀደመይ ተቘጢዐ እንተ ዝምልሰሉ ነይረ፡ እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ክሓስቦ እውን ኣይደልን እየ።

ኣብ ስድራ ቤትካ ንዜጋጥም ጸገማት ብኸመይ ኢኻ እትዋጽኣሉ፧

ኣነን ሰበይተይን ወዲ 20 ዓመት ውሉድ ኣሎና፣ ከም ካልኦት ስድራ ቤታት ከኣ ዘይምርድዳእ የጋጥመና እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ተማሂረ እየ፣ ንኣብነት፡ “ኣይትሓዘለይ” ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ምዃኑ ተማሂረ እየ። ብቕንዕና ይቕረታ ምሕታት፡ ባእሲ ኸይፍጠር ኪከላኸል ዚኽእል ምዃኑ ብሓቂ ዜገርም እዩ።

ቃለ መጠይቕ 2

ነልሰን፡ ብሩህ ፍሽኽታን ተቐራቢ ባህርይን ኣሎካ። ሓደ እዋን ግና ብጽልኢ እተቘረንካ ኢኻ ኔርካ። ሓቂ ድዩ፧

እወ! መንእሰይ ከለኹ ኣባል ሓደ ተቓዋሚ መንግስቲ ዝዀነ ፖለቲካዊ ጕጅለ ዀይነ ነበርኩ። ብዘይካዚ፡ ንኣውራጃይ ኪቈጻጸር ንዚደሊ ዝነበረ ተቐናቓኒ ዝዀነ ፖለቲካዊ ፓርቲ እጸልኦ ነበርኩ። ዝሓሽኩ ተቓላሳይ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡ ማርሻል ኣርት ተመሃርኩ፡ ንዘሕረቐኒ ዘበለ ሰብ ከኣ እሃርሞ ነበርኩ።

ነልሰን ዝስሙ መንእሰይ፡ ኣባል ሓደ ተቓዋሚ ዝዀነ ፖለቲካዊ ጕጅለ ዀይኑ ነበረ

ንኽትቅየር ዝደረኸካ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕን ንትምህርትታቱ ኣብ ግብሪ ኸውዕልን ምስ ጀመርኩ፡ ብፍላይ ክልተ ጥቕሲ ንልበይ ተንኪፈናኦ እየን። እታ ቐዳመይቲ፡ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም” ትብል። (ማቴዎስ 7:12) እታ ኻልአይቲ ድማ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ትብል። (ማቴዎስ 22:39) እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሩኒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓሌታዊ ወይ ቀቢላዊ ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ፡ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸም ዘላቶም ተዓዚበ እየ። ኣነ እውን ከማታቶም ክኸውን ደለኹ። ተዓዊተ ድማ እየ፣ ከመይሲ፡ እቶም ቀደም ዝፈልጦም ዝነበርኩ ሰባት በቲ ዝገበርክዎ ለውጢ ተገሪሞም እዮም፣ ሕጂ ኣይፈርሁንን እዮም።

ደጊሱካዶ ይፈልጥ፧

ኣብ ቅድሚ ሰባት ብጋህዲ እኳ እንተ ዘይደገሰኒ፡ ኣብ ቤት ግና ቍጥዐይ ንምቍጽጻር እቃለስ እየ። አረ፡ ሓደ እዋንሲ ተቘጢዐ፡ ንሰበይተይ ሃሪመያ እየ፣ ኣዝየ ድማ ተጠዓስኩ። ሰበይተይ ይቕረታ ገበረትለይ፣ እዚ ኸኣ ስምዒተይ ንምቍጽጻር ዝያዳ ቘራጽነት ንኽገብር ደረኸኒ።

ሕጂ ሰባት ከም ዘይፈርሁኻ ገሊጽካ ኔርካ። ሓንቲ ኣብነት ክትህበና ትኽእልዶ፧

እወ። ሓደ መዓልቲ፡ ኦግስቶ ዝስሙ ምርኡይ ኣባል እታ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዋ ተቐናቓኒት ፖለቲካዊት ጕጅለ ተጓነፈኒ። ኣብ ፈለማ ብዙሕ ጥንቃቐ ገበረ። ግናኸ፡ ጽቡቕ ገይረ ሰላም በልክዎ እሞ፡ ንዝነበረና ዘይምርድዳእ ክንርስዖ ሓሳብ ኣቕረብኩሉ፡ ናብ ቤተይ ከኣ ዓደምክዎ። ንዕድመይ ተቐበሎ፡ ብዝገበርክዎ ለውጢ ኣዝዩ ስለ እተገረመ ኸኣ፡ ንሱ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣነን ኦግስቶን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ጥራይ ዘይኰንናስ፡ መንፈሳውያን ኣሕዋት እውን ኢና።

“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ”

ጠንቅታት ባእሲ፡ ሕልኽላኽን እተፈላለየን እዩ፣ ሰላም ንኸተስፍን ንእትገብሮ ጻዕሪ ግርህ ኢሉ ኣወንታዊ ምላሽ ዚህበሉ እውን ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ዚብል ግብራዊ ምኽሪ ዚህብ።—ሮሜ 12:18

እቶም ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ብሓቂ ኸም ዚዓዪ፡ ነቲ “ጽኑዕ ዕርድታት” ዝዀነ ኣሉታዊ ስምዒታት እውን ከይተረፈ ኼፍርስ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዚገልጹ ህያው መርትዖ እዮም። (2 ቈረንቶስ 10:4) ምሳሌ 3:17, 18 ብዛዕባ ጥበብ፡ “ጐደናኣ ጐደና ሓጐስ፡ ብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ። ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ” ትብል።

ሕጂ ነልሰንን ኦግስቶን ጽቡቕ ዕርክነት ኣለዎም

ዝያዳ ሕጉስን ሰላማውን ክትከውን ትደሊዶ፧ ፈተና ምስ ኣጋጠመ ዘይብተኽ ዕርክነት ኪህልወካ ትምነ ዲኻ፧ ነዚ ብኸመይ ክትረኽቦ ኸም እትኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕብረካ እንተ ፈቒድካሉ፡ ኣይክትሓፍርን ኢኻ።

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።