ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስድራ ቤትን | ሓዳር

ቂም ካብ ምሓዝ ብኸመይ ከም እትርሕቕ

ቂም ካብ ምሓዝ ብኸመይ ከም እትርሕቕ

ጸገም

ነቲ መጻምድትኻ ዝበሎ ወይ ዝገበሮ ሕማቕ ነገር ክትርስዖ ኣይከኣልካን፣ ነቲ ተሪር ቃላትን ነቲ ብሸለልትነት እተፈጸመ ተግባርን፡ ካብ ተዘክሮኻ ኽትሓክኮ የጸግመካ ይኸውን። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ እቲ ቐደም ዝነበረካ ፍቕሪ፡ ብቒም ተተኪኡ እዩ። ኣብዚ ፍቕሪ ዝረሓቖ ሓዳር ተቘሪንካ ኻብ ምንባር ዚሓይሽ ምርጫ ዘይብልካ ዀይኑ ድማ ይስምዓካ። በዚ ምኽንያት እዚ እውን ንመጻምድትኻ ትቕየሞ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ዅነታት ኪመሓየሽ ከም ዚኽእል ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ፈለማ ግና፡ ብዛዕባ ቒም ምሓዝ እተወሰነ ነጥብታት እስከ ንርአ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ቂም ምሓዝ፡ ሓዳርካ ንቕድሚት ንኸይስጕም ኪዓግቶ ዚኽእል ጾር እዩ

ቂም ምሓዝ ንሓዳር ኪብትኖ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ነቲ ቐንዲ መሰረት ሓዳር ዝዀነ ኸም ፍቕርን ተኣማንነትን ዝኣመሰለ ባህርያት ስለ ዜጥፍኦ እዩ። ስለዚ፡ ቂም ምሓዝ ብሰንኪ ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ጸገማት ዚመጽእ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሓዳር ጸገም ዜምጽእ ባህርይ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ምረት . . . ካባኻትኩም ይርሓቕ” ዚብል።—ኤፌሶን 4:31

ቂም ትሕዝ እንተ ዄንካ፡ ገዛእ ርእስኻ ኢኻ እትጐድእ። ቂም ምሓዝ፡ ንገዛእ ርእስኻ ጸፊዕካያ ኽነስኻ፡ ካልእ ሰብ እቲ ጽፍዒት ኬሕምሞ ኸም ምጽባይ እዩ ዚቝጸር። ማርክ ዚከል ኣብታ ሂሊንግ ፍሮም ፋሚሊ ሪፍትስ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “እቲ እተቐየምናዮ ኣባል ስድራ ቤት፡ ነቲ ዚኸውን ዘሎ ስለ ዘይፈልጥ፡ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጸገም ተሓጒሱ ህይወቱ ይመርሕ ይህሉ ይኸውን” በለ። እቲ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ ዚከል ከም ዝገለጾ፡ “ቂም ምሓዝ፡ ካብቲ እተቐየምካዮ ሰብ ንላዕሊ ንዓኻ እዩ ብዝያዳ ዚጐድኣካ።”

ቂም ምሓዝ፡ ንገዛእ ርእስኻ ጸፊዕካያ ኽነስኻ፡ ካልእ ሰብ እቲ ጽፍዒት ኬሕምሞ ኸም ምጽባይ እዩ ዚቝጸር

ቂም ምሓዝ ኣብ ምርጫ እተመርኰሰ እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ ቂም ምሓዝ ኣብ ምርጫ እተመርኰሰ ምዃኑ የጠራጥሮም እዩ። ‘ብዓል ቤተይ/ብዓልቲ ቤተይ እኮ እዩ/እያ ቒም ከም ዝሕዝ ገይሩኒ/ገይራትኒ’ ይብሉ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ፡ ኣብቲ ኽትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ነገር፡ ማለት ኣብ ተግባራት እቲ ኻልእ ሰብ ከም እተተኵር እዩ ዚገብረካ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ እተፈልየ ሓሳብ እዩ ዚህብ። “ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር” ይብል። (ገላትያ 6:4) ነቲ ኻልእ ሰብ ዚብሎ ወይ ዚገብሮ ነገራት ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና፣ ነቲ ንሕና እንህቦ ምላሽ ግና ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና። ብዘይካ ቒም ምሓዝ፡ ካልእ ኣማራጺ ኸም ዘየልቦ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንመጻምድትኻ ጥራይ ተሓታቲ ኣይትግበሮ። ሓቂ እዩ፡ ንመጻምድትኻ ተሓታቲ ኽትገብሮ ቐሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ቂም ምሓዝ ኣብ ምርጫ እተመርኰሰ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ይቕረ ምባል እውን ከምኡ እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ተቘጢዕኩም ከለኹም፡ ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ዚብል ምኽሪ ኽትስዕቦ ትኽእል ኢኻ። (ኤፌሶን 4:26) ይቕረ ናይ ምባል መንፈስ እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ ኣብ ሓዳርካ ዘጋጠመካ ጸገም ብዝሓሸ ኣተሓሳስባ ንኽትፈትሖ ኣጋጣሚ ኽትረክብ ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ቈሎሴ 3:13

ገዛእ ርእስኻ ብቕንዕና መርምር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ሰባት ‘ቍጡዓትን ተነቀፍትን’ ምዃኖም ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 29:22) ንስኻኸ ኸምኡ ዲኻ፧ ‘ቀልጢፈ ድየ ዝቝጣዕ፧ ብቐሊሉ ድየ ዝቕየም፧ ንንኣሽቱ ነገራት ኣኽቢደ ድየ ዝርእዮ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናብ ነገር ዚምለስ . . . ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም” ይብል። (ምሳሌ 17:9፣ መክብብ 7:9) እዚ ኣብ ሓዳር እውን ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ቂም ናይ ምሓዝ ዝንባለ እንተ ኣልዩካ፡ ‘ምስ መጻምድተይ ኣብ ዘሎኒ ርክብ ዝያዳ ትዕግስቲ ኸርኢ እኽእል ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ጴጥሮስ 4:8

ኣብቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ ኣተኵር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ” ይብል እዩ። (መክብብ 3:7) ምስ መጻምድትኻ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ በደል ክትዘራረቡ ኣየድልየኩምን እዩ፣ ሓድሓደ ሳዕ፡ “ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን።” (መዝሙር 4:4) ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ክትዘራረቡ ግድን እንተ ዀይኑ፡ ካብ ሓርቖትካ ኽሳዕ እትዝሕል ተጸበ። ቢትሪዝ ዝስማ ሰበይቲ፡ “ስምዒተይ ኪጕዳእ ከሎ፡ ፈለማ ኽሃድእ እፍትን። ሓድሓደ ሳዕ፡ እቲ ጕዳይ ክንድቲ ኸቢድ ዘይምንባሩ ጸኒሑ ስለ ዚርድኣኒ፡ ብኣኽብሮት ንኽዛረብ እድረኽ እየ” በለት።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 19:11

“ይቕረ ምባል” እንታይ ማለት ምዃኑ ተረዳእ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ይቕረ ምባል” እትብል ቃል፡ ካብታ ‘ንሓደ ነገር ምሕዳግ’ እተመልክት ኣብ በዅሪ ቛንቋ እትርከብ ቃል እያ እትትርጐም። ስለዚ፡ ይቕረ ምባል፡ ነቲ በደል ወይ ነቲ ተግባር ከም ዘይተፈጸመ ጌርካ ኣትሒትካ ትርእዮ ማለት ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ሸለል ትብሎ ማለት እዩ፣ ከመይሲ፡ ቂም ምሓዝ ንጥዕናኻን ንሓዳርካን ኣዝዩ ኺጐድኦ ይኽእል እዩ።