ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ምስልታት

ምስልታት

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ቕኑዓት ሰባት፡ ኣብ ኣምልኾኦም ምስልታት ይጥቀሙ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ነዚ ተግባር እዚ ይድግፎ ድዩ፧ ንኣምላኽከ የሐጕሶ ድዩ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ኣይሁድ፡ ኣብ ኣምልኾኦም ምስልታት ይጥቀሙ ነይሮም ድዮም፧

“ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ።”—ዘጸኣት 20:4, 5

ኣብቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ዚብሃል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ምስልታት ኣብ ኣምልኾ ምጥቃም ብተደጋጋሚ ተዀኒኑ ኣሎ

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዝገለጾ፡ ኣይሁድ ምስ ኣምልኾኦም ዚተሓሓዝ ብዙሕ ምስልታት ነበሮም፣ “ነዚ ምስልታት እዚ ኸኣ የኽብርዎን ከም ቅዱስ ገይሮም ይርእይዎን ኣብ ኣምልኾኦም ይጥቀሙሉን ነበሩ።” እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ኣብነት ገይሩ ዚጠቕሶ፡ ነቲ ንቤት መቕደስ የሩሳሌም ኣማዕሪግዎ ዝነበረ ቕርጺ ፍረታትን ዕምባባታትን እንስሳታትን እዩ።—1 ነገስት 6:18፣ 7:36

ክትፈልጦ ዘሎካ፦

ካብቲ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ዚገልጾ ብእተፈልየ መገዲ፡ እሙናት ኣይሁድ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ቕርጽታት ወይ ንዝዀነ ይኹን ምስልታት ኣብ ኣምልኾኦም ኣይጥቀሙን እዮም ነይሮም። ከመይሲ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሙናት እስራኤላውያን ኣብ ኣምልኾኦም ምስሊ ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር ሓሳብ ፈጺምና ኣይንረክብን ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ክብረተይ . . . ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ” በለ።—ኢሳይያስ 42:8

ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾኦም ምስልታት ይጥቀሙ ነይሮም ድዮም፧

‘ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ “ርኹስ ኣይትተንክዩ።”’—2 ቈረንቶስ 6:16, 17

“ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ኣብያተ ክርስትያኖም ምስልታት ኬቐምጡ፡ ፈጺሞም ዘይሓስብዎ ነገር እዩ ነይሩ፣ ኣብቲ ምስልታት ምስጋድ ወይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ምጽላይ፡ ከም ኣምልኾ ጣኦት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም።”—ሂስትሪ ኦቭ ዘ ክርስቺያን ቸርች

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ኸምዚ በለ፦ “ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾኦም ምስልታት ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ፡ ሕጂ ኣሉ ኽንብሎ ዘይንኽእል ነገር እዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝነበረ መካነ መቓብር ጥንታውያን ክርስትያናት (ካታኮምብ)፡ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምስልታት ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር ነገራት ዝሓዘ እዩ። . . . ኣብዚ ቕዱስ ቦታ ኣምልኾን መካነ መቓብርን ዝዀነ ቦታ እዚ፡ ምስልታት እቶም ኣብ ኣፈ ታሪኽ ጥራይ እንፈልጦም ሰባት እውን ተሳኢሉ ይርከብ እዩ።” a

ክትፈልጦ ዘሎካ፦

ኣብቲ ካታኮምብ ዚብሃል ከም መካነ መቓብር ኰይኑ እውን ዜገልግል ዝነበረ ናይ ትሕቲ መሬት መተሓላለፊ፡ ነዊሕ ዝዕድሚኡ ምስልታት ተረኺቡ እዩ፣ ኣብ ሳልሳይ ዘመን እተሰርሐ ድማ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ድሕሪ ሞት የሱስ ኣስታት 200 ዓመት ጸኒሑ ማለት እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ ‘ኣምልኾ ቐዳሞት ክርስትያናት’ ኢሉ ዝጸውዖ ክርስትና፡ ብሓቂ ቐዳማይ ኣይኰነን፣ ናይ ብሓቂ ቀዳማይ ክርስትና፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ዚስዕብዎ ዝነበሩ ነገራትን ኣብቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባትን እዩ። እቲ ምስልታት ኣብቲ ካታኮምብ ኪርከብ ዝኸኣለ፡ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዚገልጹ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት፡ ምስልታት ኣብ ኣምልኾ ናይ ምጥቃም ኣረማዊ ልምድታት ተቐቢሎም ስለ ዝነበሩ እዩ፣ ምናልባት ነቶም እምነቶም ዝቐየሩ ሰባት ምእንቲ ኺስሕቡ ኢሎም እዮም ከምኡ ገይሮም። b

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ።”—1 ቈረንቶስ 10:14

ንኣምልኾ ንኺሕግዘካ ኢልካ ምስልታት ምጥቃም ግቡእ ድዩ፧

“ካብ ጣኦታት ተሓለዉ።”—1 ዮሃንስ 5:21

ኣብ ኣምልኾ ምስልታት ምጥቃም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ዘይድግፎ ሃይማኖታዊ ተግባር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኣምልኾኦም ምስልታት ዘይጥቀሙ፣ ኣብ ቤቶም ኰነ ኣብ ቦታታት ኣምልኾኦም እውን እንተ ዀነ፡ ሃይማኖታዊ ምስልታት የልቦን

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ብምስሊ ተጠቒምካ ዚቐርብ ኣምልኾ፡ ናብቲ እቲ ምስሊ ዚውክሎ ኣካል እዩ ዚበጽሕ፣ ስለዚ፡ ነቲ ኣካል ዚቐርብ ኣምልኾ፡ ናብቲ ነቲ ኣካል ዚውክሎ ምስሊ እውን ኪቐርብ ይኽእል እዩ” ይብል።

ክትፈልጦ ዘሎካ፦

የሱስ ንሰዓብቱ ብኸመይ ከም ዚጽልዩ ኺምህሮም ከሎ፡ ምስልታት ኪጥቀሙ ኣይነገሮምን። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምምላኽ ኢልካ ምስሊ ምጥቃም፡ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ፈጺሙ ኣይርከብን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኽ፡ ንዕኡ በይኑ ድማ ኣገልግል።”—ማቴዎስ 4:10

a ኣብዚ ሓሳብ እዚ፡ ምስልታት ኪብሃል ከሎ፡ ስእልታትን ምስልታት ቅዱሳንን ሓወልትታትን ምልክታትን ዝዀነ ይኹን ኣኽቢርካ ዚርአ ነገራትን ዜጠቓልል እዩ።

b ምስልታት ኣብ ኣምልኾ ምጥቃም ኣብ ብዙሕ ጥንታዊ ባህልታት፡ እንተላይ ኣብቲ ኣብ ህንድን ግሪኽን ግብጽን ዝነበረ ባህልታት ልሙድ እዩ ነይሩ።