ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | መንእሰያት

ንፈተና ብኸመይ ከም እትቃወም

ንፈተና ብኸመይ ከም እትቃወም

ጸገም

“ሓድሓደ ግዜ ገሊአን ኣዋልድ፡ ቍጽሪ ተሌፎነይ ክህበንን ምሳታተን ክዘውርን ይሓትታኒ እየን። ኣነ ግና ገጽ ሂበየን እውን ኣይፈልጥን እየ። ኣብ ኣእምሮይ ግና፡ ‘ቍጽሪ ተሌፎነይ እንተ ሃብኩወን እሞ እንታይ ኣለዎ፧’ ዚብል ሓሳብ ይመላለስ እዩ። ሓቂ ይሓይሽ፡ ገሊአን ኣዋልድ ኣዝየን ምልኩዓት እየን። ብቐሊሉ፡ ‘እንታይ እሞ ኣለዎ፧’ ኢልካ ኸም እትሓስብ እየን ዚገብራኻ።”—ካርሎስ፡ a 16።

ንስኻኸ ኸም ካርሎስ ምስ ፈተና ትቃለስ ዲኻ ዘለኻ፧ ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ክትዕወት ትኽእል ኢኻ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ንፈተና ኢድካ እንተ ሂብካ፡ ርእስኻ ኢኻ እትጐድእ

ንዅሉ ሰብ፡ እንተላይ ንኣባጽሕ ፈተና ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ፈተና እተፈላለየ ዓይነት መልክዕ ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ ኣእምሮይ ዚዋጋእን ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዚማርኸንን ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ መንእሰይ ኣይኰነን ነይሩ። (ሮሜ 7:22, 23) ኰይኑ ግና፡ ጸቕጢ እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ፈጺሙ ኢዱ ኣይሃበን፣ ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ንምንታይ ኢኻ እሞ ባርያ ባህግታትካ እትኸውን፧ (1 ቈረንቶስ 9:27) ገና መንእሰይ ከለኻ ብኸመይ ንፈተና ኸም እትቃወሞ ምፍላጥካ፡ ሕጂ ኻብ ጭንቀት ኪሰትረካ፡ ኣብ እዋን ብጽሕና ዜድልየካ ኣገዳሲ ኽእለት ንኸተጥሪ ድማ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

መራኸቢ ብዙሓን ንፈተና ብዝያዳ የጐሃህሮ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሓያል ዝዀነ “ትምኒት ንእስነት” ይገልጽ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:22) እቲ ትምኒት ንባዕሉ ሓያል ክነሱ፡ ንመንእሰያት ተባሂሉ ዚዳሎ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ሙዚቃን መጻሕፍትን ድማ፡ ንፈተናታት ኢድካ ምሃብ ቅቡል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ትምኒት ብዝያዳ እዩ ዜጐሃህሮ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ፊልም ዘለዉ ኽልተ ገጸ ባህርያት ‘እንተ ተፋቒሮም፡’ ውዒሎም ሓዲሮም ጾታዊ ርክብ ምፍጻሞም ዘይተርፍ እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ዓለም ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ‘ካብቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ትምኒት ስጋ ኺርሕቁ’ ዜኽእሎም ዓቕሚ ኸም ዘለዎም ይገልጽ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:11) ስለዚ፡ ንስኻ እውን ንፈተና ንኽትቃወሞ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ግናኸ ብኸመይ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንድኽመትካ ኣለልዮ። ሓደ ሰንሰለት ኣዝዩ ድልዱል ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓንቲ ቐለቤት እንተ ላሕሊሓ ግና፡ ድልዳለኡ ዋጋ የብሉን። ብተመሳሳሊ፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዘሎካ ቘራጽነት፡ ብሰንኪ ገሊኡ ድኽመትካ ኺልሕልሕ ይኽእል እዩ። እሞኸ ነየናይ መዳይ ህይወትካ ኢኻ ብዝያዳ ኽትጥንቀቐሉ ዘሎካ፧—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ያእቆብ 1:14

ንፈተናታት ኣቐዲምካ ሕሰበሉ። እንታይ ፈተና ኼጋጥመካ ኸም ዚኽእል፡ ኣቐዲምካ ሕሰብ። እቲ ፈተና እንተ ኣጋጢሙካ ብኸመይ ከም እትቃወሞ ኣስተንትን።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 22:3

እምነትካ ኣደልድል። ዮሴፍ ጾታዊ ርኽሰት ንኺፍጽም ፈተና ምስ ኣጋጠሞ፡ “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ከም ዝበለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 39:9) እታ፡ “ከመይ ገይረኸ፧” እትብል ሓረግ፡ ዮሴፍ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ድልዱል እምነት ከም ዝነበሮ እትሕብር እያ። ንስኻኸ ኸምኡ ዲኻ፧

ዚድግፉኻ ኣዕሩኽ ኣናዲ። ከም ናትካ ዓይነት ስነ ምግባራዊ እምነት ዘለዎም ኣዕሩኽ ብምምራጽ፡ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመካ ፈተና ኽትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን” ይብል።—ምሳሌ 13:20

ንፈተና ንኽትቃወሞ ኸቢድ ከም ዝዀነካ ኺገብር ካብ ዚኽእል ኵነታት ርሓቕ። ንኣብነት፦

  • ምስ ኣንጻር ጾታ በይንኻ ኣይትኹን።

  • ስእለ ጽዩፍ ንኽትርኢ ኽትፍተን ኣብ እትኽእለሉ ግዜ ወይ ቦታ ኢንተርነት ኣይትጠቐም።

  • ብዘረባኦምን ብጠባዮምን ገይሮም ንግጉይ ነገራት ከም ዚስሕብ ኬምስልዎ ኻብ ዚኽእሉ ሰባት ርሓቕ።

ካብ ፈተና ንኽትርሕቕ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ መምርሒታት ከተውጽእ ትኽእል፧—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ጢሞቴዎስ 2:22

ሓገዝ ንኺውሃበካ ጸሊ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ጸልዩ’ በሎም። (ማቴዎስ 26:41) የሆዋ ኣምላኽ ንፈተና ኽትቃወሞ ስለ ዚደሊ፡ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ፣ የግዳስ፡ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ” ይብል።—1 ቈረንቶስ 10:13

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።