ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ንጽህና

ንጽህና

ንጽህና

ኣካላዊ ንጽህናና ንኣምላኽ የገድሶ ድዩ፧

“ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።” —2 ቈረንቶስ 7:1

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ፈጣሪና የፍቅረና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ጥዕና ኺህልወናን ነዊሕን ባህ ዜብልን ህይወት ክንነብርን ይደሊ እዩ። “ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውስኸልካ እዩ እሞ፡ . . . ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን” ኢሉ ኣሎ። (ምሳሌ 3:1, 2) ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ፡ ኣብቲ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ንጥዕናን ንጽሬትን ዚምልከት ዝርዝር መምርሒታት እውን ዜጠቓልል ሕግታት ተንጸባሪቑ ኣሎ። (ዘዳግም 23:12-14) እስራኤላውያን ነቲ ሚዛናዊ ስርዓታት ኪሕልውዎ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ጥዕና ይህልዎምን ኣብ ከባቢኦም ንዝነበራ ኸም ግብጺ ዝኣመሰላ ሃገራት የጥቅዐን ካብ ዝነበረ እተፈላለየ ዓይነት ሕማማት ይሕለዉን ነበሩ፣ እተን ካልኦት ሃገራት፡ ከም ሕጊ ሙሴ ዝበለ ምዕቡል ሕጊ ኣይነበረንን።—ዘዳግም 7:12, 15

ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ‘ካብ ኵሉ እቲ ንስጋ ዜርክስ ነገራት፡’ ማለት ካብ ምትካኽ ሽጋራን ካብ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ካብ ምውሳድ ሓሽሽን ‘ርእሶም ዜንጽሁ’ ሰባት፡ ንርእሶም ካብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሕማም የዕቝብዋ እዮም፣ ቅድሚ ግዜኦም ንኸይሞቱ እውን ይሰትሮም እዩ። ብዘይካዚ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ስለ እንነብር፡ ነቲ ንንጽህና ዚምልከት ስርዓታት ኣምላኽ ምስዓብና፡ ንኻልኦት እውን ከም እንግደሰሎም ዜርኢ እዩ።—ማርቆስ 12:30, 31

ኣምላኽ ብዛዕባ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህና ይግደስ ድዩ፧

“ነቲ . . . ኣካላትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወተ ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ። ብሰሪ እዚ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ይመጽእ ኣሎ።” —ቈሎሴ 3:5, 6

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ” ኢሉ እዩ ዚምዕደና። ብግዜ የሱስ ክርስቶስ፡ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት፡ ብኣካላዊ መዳይ ንጽህናኦም ንምሕላው ብዙሕ እኳ እንተ ገበሩ፡ ንስነ ምግባራውን ንመንፈሳውን ስርዓታት ግና ሸለል ይብልዎ ነበሩ። (ማርቆስ 7:1-5) የሱስ ድማ ቅኑዕ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልዎም ኢሉ፡ “ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ፡ ኬርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከመይሲ፡ . . . ናብ ከብዲ እዩ ዚወርድ፣ ንግዳም ከኣ ይወጽእ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ፣ ከመይሲ፡ ካብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ዚወጽእ፡ ጐዳኢ ሓሳብ፡ ምንዝርና፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ስስዐ፡ እከይ፡ ተንኰል፡ ንውርምና፡ ቅንኢ፡ . . . ዕሽነት እዩ። እዚ ዅሉ እከይ . . . ንሰብ . . . የርክሶ” በለ።—ማርቆስ 7:18-23

ስለዚ፡ ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ ንስነ ምግባራውን ንመንፈሳውን ስርዓታት ኣምላኽ ሸለል እናበሉ ብዛዕባ ኣካላዊ ጽሬት ኣዝዮም ዚጭነቑ ሰባት፡ ልክዕ ከምቲ ዝባኑ ጽሩይ፡ ውሽጡ ግና ረሳሕ ዝዀነ ዋንጫ እዮም።—ማቴዎስ 23:25, 26

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሚዛናዊ ድዩ፧

“ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን።”—1 ዮሃንስ 5:3

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ሚክያስ 6:8፡ “እግዚኣብሄርሲ፡ ቅንዕና ኽትገብር፡ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፡ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” ትብል። እዝስ ሚዛናዊ ትጽቢት ደይኰነን፧ ፈጣሪና፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኽንእዘዞ እዩ ዚደልየና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ብዙሕ ሓጐስ ኢና እንረክብ። (መዝሙር 40:8) ክንጋገ ኸለና ኸኣ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ “ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” እወ፡ ኣምላኽ፡ ድኹማትን ዘይፍጹማትን ምዃንና ይፈልጥ እዩ።—መዝሙር 103:13, 14

ንምጥቕላል፦ እቲ ንኣካላውን ንስነ ምግባራውን ንመንፈሳውን ንጽህና ዚምልከት ስርዓታት ኣምላኽ፡ ንዓና ዘለዎ ሕያውነትን ፍቕርን ዜርኢ እዩ። ነቲ ስርዓታት ብፍታው እንተ ተኣዚዝናዮ፡ ጥበበኛታት ምዃንናን ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮን ከነርኢ ኢና።