ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

መፍትሕ ዜሐጕስ ህይወት

መፍትሕ ዜሐጕስ ህይወት

“ተመርዕየ ምስ ወለድኩ እየ ዝሕጐስ።”

“ናይ ገዛእ ርእሰይ ቤት ምስ ኣጥረኹ እየ ዝሕጐስ።”

“ነዛ ስራሕ እዚኣ ምስ ረኸብክዋ እየ ዝሕጐስ።”

“[ከምዝን ከምትን] እዩ ዜሐጕሰኒ።”

ንስኻኸ ኸምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ሸቶኻ ምስ ወቓዕካ ወይ ዝደለኻዮ ነገር ምስ ረኸብካ፡ ሓጐስካ ንነዊሕ እዋንዶ ጸኒሑ፡ ወይስ ብኡብኡ ኪቕህም ጀሚሩ፧ ሓቂ እዩ፡ ሸቶና ኽንወቅዕ ከለና ወይ እተመነናዮ ነገር ክንረክብ ከለና ንሕጐስ ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ሓጐስና ቐልጢፉ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ። ነባሪ ሓጐስ ኣብ ዓወት ወይ ኣብ ጥሪት ጥራይ እተመርኰሰ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ልክዕ ከም ጽቡቕ ኣካላዊ ጥዕና፡ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ረቛሒታት እዩ ዚምርኰስ።

ነፍሲ ወከፍና ነናትና ኣመለኻኽታ ኣሎና። ንዓና ዜሐጕሰና ነገራት ንኻልእ ሰብ ከየሐጕሶ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እናዓበና ብዝኸድና መጠን፡ ዜሐጕሰና ነገራት ይቕየር እዩ። ኰይኑ ግና፡ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ገሊኡ ነገራት ምስ ሓጐስ ብዝያዳ እተተሓሓዘ እዩ። ንኣብነት፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ፡ ዕግበት ምስ ምርካብ፡ ካብ ቅንኢ ምስ ምርሓቕ፡ ንኻልኦት ምስ ምፍቃር፡ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ተጻዋርነት ድማ ምስ ምጥራይ ይተሓሓዝ እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ እስከ ንርአ።

1. ዕጉብ ኩን

ሓደ ኻብ ሰብኣዊ ተፈጥሮ ዚምሃር ዝነበረ ጥበበኛ ሰብኣይ፡ ‘ገንዘብ ከም ጽላል’ ምዃኑ ገሊጹ ነበረ። ይኹን እምበር፡ “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ” ብምባል ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (መክብብ 5:10፣ 7:12) እቲ ኼመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ ገንዘብ ብህይወት ንኽንነብር የድልየና እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ ፈጺምና ኸም ዘይንዓግብ ኪገብረና ዚኽእል ስስዐ ግና ክንርሕቕ ኣሎና። እቲ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ዝጸሓፎ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን፡ ሃብትን ምሾትን ናይ ሓቂ ሓጐስ የምጽእ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ ፈቲኑ ነይሩ እዩ። “ኣዒንተይ ዝደለያኦ ዅሉ ኣይከልከልክወንን፡ ሓጐስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን” ኢሉ ድማ ጸሓፈ።—መክብብ 1:13፣ 2:10

ሰሎሞን ብዙሕ ሃብቲ ምስ ኣጥረየ፡ ዓበይቲ ኣባይትን ኣዝዩ ምልኩዕ መናፈሻን ባህ ዜብል ራህያን ሰርሐ፣ ብዙሓት ኣገልገልቲ እውን ነበርዎ። ልቡ እተመነዮ ዘበለ ዅሉ ረኺቡ እዩ። እሞኸ እንታይ ትምህርቲ ረኸበ፧ ብእተወሰነ ደረጃ እኳ እንተ ተሓጐሰ፡ ሓጐሱ ግና ነዊሕ ኣይጸንሐን። ‘እንሆ ኸኣ፡ እዚ ዅሉ ኸንቱነት እዩ፣ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን’ በለ። ህይወት እውን እንተ ዀነ ጸልአ። (መክብብ 2:11, 17, 18) እወ፡ ሰሎሞን፡ ኣብ ተድላ ዘተኰረ ህይወት፡ ውዒሉ ሓዲሩ ባዶነት ከም ዜስዕብ ተማህረ። a

ዘመናዊ መጽናዕትታት ምስቲ ሰሎሞን ዝገለጾ ጥንታዊ ጥበብ ይሰማማዕ ድዩ፧ ጆርናል ኦቭ ሃፒነስ ስታዲስ ኣብ ዘርእስታ መጽሔት ዝወጸት ዓንቀጽ፡ “ሓደ ሰብ ዜድልዮ መሰረታዊ ነገራት እንተ ኣልይዎ፡ ተወሳኺ ኣታዊ ምርካቡ ንሓጐሱ ኽንድቲ ኣይውስኾን እዩ” በለት። ብሓቂ እምበኣር፡ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ንስነ ምግባራውን ንመንፈሳውን ስርዓታት መስዋእቲ ጌርካ ደድሕሪ ሃብቲ ምጕያይ፡ ንሓጐስካ ኼጥፍኦ ይኽእል እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።”እብራውያን 13:5

2. ካብ ቅንኢ ርሓቕ

ቅንኢ ኺብሃል ከሎ፡ “በቲ ኻልእ ሰብ ዝረኸቦ ነገራት ኣመና ምሕራቕ ወይ ቅር ምባል፡ ነቲ ንሱ ዝረኸቦ ኽትረክብ ድማ ሃረር ምባል” ማለት እዩ። ቅንኢ ልክዕ ከም ሓደገኛ ሕማም፡ ንህይወት ሓደ ሰብ ኪቈጻጸሮን ሓጐሱ ኼጥፍኣሉን ይኽእል እዩ። ቅንኢ ብኸመይ እዩ ሱር ዚሰድድ፧ ብኸመይ ከነለልዮ ንኽእል፧ ብኸመይከ ኽንቃለሶ ንኽእል፧

ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ሶሻል ሳይኮሎጂ ኸም ዝገለጾ፡ ሰባት ብመሳቱኦምን ከማታቶም ዓይነት ተመክሮ ወይ ማሕበራዊ ድሕረ ባይታ ብዘለዎም ሰባትን እዮም ዚቐንኡ። ንኣብነት፡ ሓደ ሸቃጣይ ብሓደ ህቡብ ተዋሳኢ ፊልም ኣይቀንእን ይኸውን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሓደ ኻብኡ ንላዕሊ ዕዉት ዝዀነ ኻልእ ሸቃጣይ እዩ ዚቐንእ።

ነዚ ብምሳሌ ንምግላጽ፦ ኣብ ጥንታዊት ፋርስ ዝነበሩ እተወሰኑ ሰበ ስልጣን፡ በቲ ንጉስ ዘይኰነስ፡ በቲ ኸማታቶም ብዓል ስልጣን ግናኸ በሊሕ ዝነበረ ዳንኤል ቀንኡ። ብዳንኤል ኣመና ስለ ዝሓረቑ ድማ፡ ንኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ውዲት ፈሸለ። (ዳንኤል 6:1-24) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ቅንኢ ንኻልኦት ሰባት ከም እትጐድኦም ኪገብረካ ኸም ዚኽእል ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሰባት ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ ጠንቁ ቕንኢ ምዃኑ ዜርኢ እዩ” በለ። b

ቅንኢ፡ ሓደ ሰብ በቲ ኣብ ህይወት ዚርከብ ጽቡቕ ነገራት ንኸይሕጐስ ኪዓግቶ ዚኽእል መርዚ እዩ

ንቕንኢ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧ ‘ብጻየይ ኪዕወት ከሎ፡ እሕጐስ ድየ ወይስ ቅር እዩ ዚብለኒ፧ ሓወይ፡ ሓብተይ፡ ተውህቦ ዘለዎ መማህርተይ፡ ወይ ከኣ መሳርሕተይ ብገለ መገዲ ኸይተዓወተ ኺተርፍ ከሎ፡ እጕሂ ድየ ወይስ እሕጐስ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ‘ቅር ይብለኒ’ ከምኡ እውን ‘እሕጐስ’ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ ቅንኢ ኣብ ውሽጥኻ ይዓቢ ኣሎ ማለት እዩ። (ዘፍጥረት 26:12-14) ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ሶሻል ሳይኮሎጂ፡ “ቅንኢ፡ ሓደ ሰብ በቲ ኣብ ህይወት ዚርከብ ጽቡቕ ነገራት ንኸይሕጐስን ነቲ ዚረኽቦ ብዙሕ ውህበት ንኸየማስወሉን ኪዓግቶ ዚኽእል መርዚ እዩ። . . . እዚ ኸኣ ንሓጐስ ቀንዲ ዕንቅፋት እዩ” በለ።

ንቕንኢ ኽንቃለሶ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ናይ ሓቂ ትሕትና ብምጥራይ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኻልኦት ሰባት ዘለዎም ክእለትን ጽቡቕ ባህርያትን ንኸነማስወሉን ኣኽቢርና ንኽንርእዮን ኪሕግዘና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንህልኽ ወይ ንኽትንየቱ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ” ይብል።—ፊልጲ 2:3

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንሓድሕድና ብምትህልላኽን ብምቅንናእን፡ ኣይንነየት።”ገላትያ 5:26

3. ንሰባት ኣፍቅር

ሶሻል ሳይኮሎጂ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ደቂ ሰብ ካብ ስራሖም፡ ካብ ኣታዊኦም፡ ካብ ማሕበረ ሰቦም፡ ወይ እውን ካብ ኣካላዊ ጥዕናኦም ንላዕሊ ኣዝዩ ዜሐጕሶም፡ ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክብ እዩ” በለት። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ደቂ ሰብ ብሓቂ ሕጉሳት ንኪዀኑ፡ ፍቕሪ ኺህቡን ኪቕበሉን ኣለዎም። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ . . . እንተ ዘይብለይ፡ ከንቱ ምዀንኩ” በለ።—1 ቈረንቶስ 13:2

ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመና ነገራት ብዘየገድስ፡ ፍቕሪ ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣቦ ቫነሳ ተጻራፍን ሰኽራምን እዩ ነይሩ። ቫነሳ ጓል 14 ዓመት ከላ፡ ካብ ቤት ወጺኣ ሃደመት፣ ኣብ መዕበዪ ዘኽታማትን ኣብ ሓደ ሕማቕ መናበዪን ድማ ከርፋሕ ናብራ ኣሕለፈት፣ ምእንቲ ኺሕግዛ ኸኣ ንኣምላኽ ለመነቶ። ድሕሪኡ፡ በቲ፡ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ” ዚብል ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትምራሕ ስድራ ቤት ከተዕብያ ጀመረት፣ እዚ ኸኣ ምናልባት መልሲ ጸሎታ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 13:4) ቫነሳ ምስዛ ስድራ ቤት እዚኣ ዘሕለፈቶ ባህ ዜብል ግዜ ምስቲ ባዕላ እትገብሮ ዝነበረት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተደሚሩ፡ ስምዒታዊ ፈውሲ ንኽትረክብን ብኣእምሮኣዊ መዳይ ንኽትዓብን ሓገዛ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበራ ደረጃ እውን እናተመሓየሸ ኸም ዝኸደ ገለጸት።

ቫነሳ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ስምዒታዊ በሰላ ኣለዋ። ኰይኑ ግና፡ ክልተ ደቂ ዝወለደት ሕጕስቲ ብዓልቲ ሓዳርን ኣደን እያ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ።”ቈሎሴ 3:14

4. ተጻዋርነት ይሃሉኻ

ካብ ጸገማት ናጻ ዝዀነ ህይወት ዚነብር ሰብ የለን። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ . . . ንሓዘን ጊዜ አለዎ።” (መክብብ 3:4) ተጻዋርነት እንተ ሃልዩና ግና፡ ጸገማት እናኣጋጠመና እውን እንተ ዀነ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ንካሮልን ንሚልድረድን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ።

ካሮል ምስ ዓንዲ ሕቘ ዚተሓሓዝ ዜማስን ሕማምን ሽኮርያን ኣለዋ፣ ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ኣብ እዋን ድቃስ እኹል ኣየር ከም እትስእን ዚገብራን ንጸጋመይቲ ዓይና ዘዐወራን ሕማም ኣለዋ። ይኹን እምበር፡ ካሮል፡ “ንነዊሕ እዋን ብተስፋ ምቝራጽ ንኸይድቈስ እጽዕር እየ። በቲ ዅነታተይ እሓዝን እየ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ምሕሳብ ኣቋሪጸ፡ በቲ ሕጂ ኽገብሮ ዝኽእል ነገራት፡ ብፍላይ ከኣ በቲ ንኻልኦት ሰባት ዝገብረሎም ነገራት ንኣምላኽ አመስግኖ እየ” በለት።

ሚልድረድ እውን እንተ ዀነት፡ ከም ሕማም ሪሕን መንሽሮ ጡብን ሽኮርያን ዝኣመሰለ ብዙሕ ዓይነት ሕማም እዩ ዘለዋ። ይኹን እምበር፡ ልክዕ ከም ካሮል፡ ኣብ ጸገማታ ኣይኰነትን እተተኵር። ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ንሰባት ምፍቃርን ኣብ እዋን ሕማሞም ምጽንናዕን ተማሂረ እየ፣ እዚ ኸኣ ንዓይ እውን ይሕግዘኒ እዩ። አረ ንኻልኦት ከጸናንዖም ከለኹስ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ዚስምዓኒ ጭንቀት እዩ ዚጠፍእ።”

ካሮልን ሚልድረድን ንኻልኦት ብምጽንናዕ እየን ዚሕጐሳ

እዘን ኣንስቲ እዚአን ጽቡቕ ሕክምናዊ ኽንክን ኪረኽባ ይደልያ እኳ እንተ ዀና፡ ብቐንዱ ግና ኣብ ኣካላዊ ጥዕናአን ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣረኣእያአንን ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜአንን እየን ዜተኵራ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ዋላ ሓደ ኺምዝዐን ዘይክእል ውሽጣዊ ሓጐስ ኣለወን። ብዘይካዚ፡ ካልኦት ሰባት ኣዝዮም እዮም ዚፈትዉወን፣ እተፈላለየ ዓይነት ጸገማት ዜጋጥሞም ሰባት ድማ ብኣታተን ይተባብዑ እዮም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ፈተና ዚጻወር ሰብ፡ ብቕዓቱ ምስ ኣመስከረ . . . ኣኽሊል ህይወት ስለ ዚቕበል፡ ሕጉስ እዩ።”ያእቆብ 1:12

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ንጥበብ ብምርካብ ዚትግብሩዋ ሰባት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 3:13-18) ንስኻኸ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ብምጥቃም፡ ንሓቅነት እተን ቃላት ንምንታይ ዘይትምከሮ፧ ከመይሲ፡ እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጉስ ክትከውን እዩ ዚደልየካ።—1 ጢሞቴዎስ 1:11

a እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ነገራት ኣብ መክብብ 2:1-11 ተገሊጹ ኣሎ።

b እቲ ምስ የሱስ ክርስቶስ ብዚተሓሓዝ ዘጋጠመ ነገራት፡ ቅንኢ ሓደገኛ ምዃኑ ዜርኢ ሓደ ታሪኻዊ ኣብነት እዩ። ኣብ ማርቆስ 15:10 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ “ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኢ” ተደሪኾም ንየሱስ ናብ ሞት ኣሕሊፎም ሃብዎ።