ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርብቃ ንኣምላኽ እትፈርህ ትግህትን ቈራጽን ሰበይቲ

ርብቃ ንኣምላኽ እትፈርህ ትግህትን ቈራጽን ሰበይቲ

ርብቃ ንኣምላኽ እትፈርህ ትግህትን ቈራጽን ሰበይቲ

ንወድኻ ሰበይቲ ኽትሓርየሉ ኸም ዝደለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እንታይ ዓይነት ሰበይቲ ምሓረኻሉ፧ እንታይ ብቕዓታት ከተማልእ ምደለኻያ፧ መልክዐኛ: መስተውዓሊት: ሕያወይቲ: ከምኡውን ትግህቲ ሰበይቲዶ ምደለኻ፧ ወይስ ንኻልእ ብቕዓታት ቀዳምነት ምሃብካ፧

ንኣብርሃም ከምዚ እዩ ኣጋጢምዎ። ብወዱ ይስሃቅ ኣቢሉ እቲ በረኸት ናብቶም ዘርኡ ኸም ዚበጽሕ: የሆዋ ተመባጺዑሉ ነይሩ። ነዚ ዛንታ እዚ ኣብርሃም ኣሪጉ: ወዱ ድማ ገና ሰበይቲ ኸየእተወ ኻብ ዝነበረሉ እዋን ኢና ኽንጅምሮ። (ዘፍጥረት 12:1-3, 7፣ 17:19፣ 22:17, 18፣ 24:1) እታ ዚምርዓዋ ሰበይቱ ዀነ እቲ ዚወልድዎ ውላድ ካብቲ ይስሃቅ ዚረኽቦ በረኸት ስለ ዚካፈሉ: ኣብርሃም ንይስሃቅ ብቕዕቲ ሰበይቲ ኼማጽኣሉ ምድላው ገበረ። ቅድም ቀዳድም: ኣገልጋሊት የሆዋ ኽትከውን ኣለዋ። ኣብቲ ኣብርሃም ዚቕመጠሉ ዝነበረ ምድሪ ከነኣን ንየሆዋ እተገልግል ሰበይቲ ስለ ዘይትርከብ: ካብ ካልእ ቦታ ኽትመጽእ ነበራ። እታ ኣብ መወዳእታ እተመርጸት ሰበይቲ ርብቃ ነበረት። ብኸመይ እያ ተረኺባ፧ መንፈሳዊት ሰበይቲ ድያ ነይራ፧ ካብ ኣብነታ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

ብቕዕቲ ሰበይቲ ንምርካብ እተገብረ ጻዕሪ

ኣብርሃም ነቲ ብዕድመ ኻብ ኵሎም ዝዓበየ ግዙኡ—ኣልኣዛር እዩ ኪኸውን ዚኽእል—ካብቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ኣዝማዱ ንይስሃቅ ሰበይቲ ምእንቲ ኼምጽኣሉ ናብቲ ርሑቕ ሃገር ናብ መሶጶታምያ ለኣኾ። እቲ ጕዳይ ኣዝዩ ረዚን ብምዃኑ: ንይስሃቅ ካብ ከነኣናውያን ሰበይቲ ንኸየምጽኣሉ ኣብርሃም ንኣልኣዛር ኣምሓሎ። ኣብርሃም ኣብዚ መዳይ እዚ ተሪር ኣቕዋም ምሓዙ ኺትኰረሉ ዚግባእ ነገር እዩ።—ዘፍጥረት 24:2-10

ኣልኣዛር ናብታ ኣዝማድ ኣብርሃም ዚነብሩላ ኸተማ ምስ በጽሐ: ነግማሉ ኣብ ጥቓ ዔላ ኣብረኸን። ነዚ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እዋኑ ኣጋ ምሸት እዩ ነይሩ: ኣልኣዛር ከኣ “እንሆ: ኣነ ኣብ ጥቓ እዚ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ አሎኹ: ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ኸኣ ማይ ኪቐድሓ ይወጻ አለዋ። ይኹን ከኣ: ማይ ክሰቲ: በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ ዝብላ ጓል: ንሳ ኸኣ: ስተ: ነግማልካውን ከስትየን እየ እትብለኒ: ንሳ ንይስሃቅ ባርያኻ ዝመደብካያ ትኹን” ኢሉ ጸለየ።—ዘፍጥረት 24:11-14

ሓንቲ ዝጸምአት ገመል ብዙሕ ማይ (ክሳዕ 100 ሊትሮ) ኽትሰቲ ኸም እትኽእል ማንም ኣብታ ኸተማ እትነብር ሰበይቲ እትፈልጦ ጕዳይ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ንዓሰርተ ኣግማል ኬስቲ እትብል ሰበይቲ ብርቱዕ ስራሕ እዩ ዚጽበያ። ብዘይ ናይ ካልኦት ሓገዝ ነዚ ምግባራ: ሓይላ: ትዕግስታ: ትሕትናኣ: ከምኡውን ንሰባትን ንእንስሳታትን ዘለዋ ሕያውነት እዩ ዜርኢ።

ድሕርዚ ደኣሞ እንታይ ዀነ፧ “ገና ዘረባኡ ኸይወድኤ: እንሃ: ርብቃ: ጓል ቤቱኤል ወዲ ሚልካ: ሰበይቲ ናሆር ሓው ኣብርሃም: ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ ወጸት። እታ ጓል ድማ ትርኢታ ኣዝያ ውቅብቲ . . . ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸኣ ዕትሮኣ መሊኣ ደየበት። እቲ ግዙእ ድማ ጐይዩ ተቓባቢሉ: ካብ ዕትሮኺ ኰታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ: በለ። ንሳ ኸኣ: ጐይታይ: ስተ: ኢላ ቐልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ።”—ዘፍጥረት 24:15-18

ርብቃ ነቲ ብቕዓታት ኣማሊኣዶ፧

ርብቃ ንኣብርሃም ጓል ወዲ ሓዉ እያ: መልክዐኛ ጥራይ ዘይኰነትስ: ቅንዕቲ እውን እያ ነይራ። ንዘይትፈልጦ ጋሻ ምዝራብ ኣይፈርሀትን: እምብዛ እውን ኣይተቐራረበቶን። ኣልኣዛር ማይ ከተስትዮ ምስ ሓተታ: ፍቓደኛ ዀነት። እዚ ኣብቲ ዓዲ እተለምደ ንኻልኦት ናይ ምኽባር ልምዲ ስለ ዝዀነ: ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ነቲ ኻልኣይ ክፋል እቲ ፈተናኸ ሓሊፋቶዶ፧

ርብቃ “ጐይታይ: ስተ” ድሕሪ ምባል ዘረባኣ ብእኡ ኣየብቅዐትን። ኣስዕብ ኣቢላ “ነግማልካውን ክሳዕ ዚአኽለን ኪሰትያ ክቐድሓለን እየ” በለት። ካብቲ ትጽቢት ዚግበረላ ንላዕሊ እያ ኽትገብር ፍቓደኛ ዀይና። “ቀልጢፋ ኸኣ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ ማይ ክትቀድሕ መሊሳ ናብ ዔላ ጐየየት: ንዅለን ኣግማሉ ኸኣ ቀድሓትለን።” ብትግሃት እያ ዕዮኣ ፈጺማ። “እቲ ሰብኣይ ድማ . . . ስቕ ኢሉ ተኲሩ ይጥምታ ነበረ።”—ዘፍጥረት 24:19-21

ኣልኣዛር እታ ጓል ንኣብርሃም ዘመዱ ምዃና ምስ ፈለጠ: ንየሆዋ ሰገደ: ምስጋናኡ ድማ ገለጸ። ኣብ ቤት ኣቦኣ ንዕኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን መሕደሪ እንተልዩ ድማ ሓተታ። ርብቃ ብኣወንታ ድሕሪ ምምላስ: ንስድራኣ ኣጋይሽ ከም ዚመጽዎም ንምንጋር ጐየየት።—ዘፍጥረት 24:22-28

ላባን ሓዋን ቤቱኤል ኣቦኣን ነቲ ኣልኣዛር ዝተረኸሎም ድሕሪ ምስማዕ: ኣምላኽ ነቲ ጕዳይ ይመርሖ ኸም ዘሎ ኣስተውዓሉ። ርብቃ ንይስሃቅ እትበቅዕ ምዃና ተረጋገጸ። “ውሰዳ እሞ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ: ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን” ኢሎም መለሱሉ። ርብቃኸ ኸመይ ተሰምዓ፧ ብኡንብኡ ምስኡ ኽትከይድ ፍቓደኛ እንተ ዀይና ምስ ተሓትተት: ብሓንቲ ቓል “እኸይድ” በለት። ነዚ ንሓዳር ዝቐረበላ ሕቶ ንኽትቅበል ግዴታ ኣይነበራን። ግዴታ ኸም ዘይነበራ ኣብቲ ኣብርሃም ንኣልኣዛር ኬምሕሎ ኸሎ “እታ ሰበይቲ ደድሕሬኻ ኽትስዕብ እንተ ዘይፈተወት” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ንጹር ኰይኑ ኣሎ። እንተዀነ ግን: ርብቃ እውን ኣብቲ ጕዳይ ኢድ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣስተውዓለት። ስለዚ: ከይተደናጐየት ቤት ኣቦኣ ገዲፋ ንዘይትፈልጦ ሰብኣይ ክትምርዖ ኸደት። እዚ ብትብዓት ዝገበረቶ ውሳነ ዜደንቕ መርኣያ እምነት እዩ። ብርግጽ: ንይስሃቅ እትበቅዕ ሰበይቲ እያ!—ዘፍጥረት 24:29-59

ርብቃ ምስ ይስሃቅ ኣብ እተራኸበትሉ እዋን ተገዛኢት ምዃና ንኸተርኢ ተጐልበበት። ይስሃቅ ሰበይቱ ኺትኰኖ ወሰዳ: በቲ ብሉጽ ባህርያታ ኸኣ ፈተዋ።—ዘፍጥረት 24:62-67

ማንታ ኣወዳት

ርብቃ ን19 ዓመት ብዘይ ውላድ ጸንሐት። ኣብ መወዳእታ ግን ማንታ ጠነሰት: እቶም ቈልዑ ኣብ ማህጸና ይደፋፍኡ ብምንባሮም ግን እቲ ጥንሳ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ለመነቶ። ንሕናውን ኣብ ህይወትና ኸቢድ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ተመሳሳሊ ኽንገብር ንኽእል ኢና። የሆዋ ንርብቃ ሰምዓ: ኣጸናንዓ ድማ። ኣደ ኽልተ ህዝቢ ኽትከውን እያ: “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዛእ እዩ።”—ዘፍጥረት 25:20-26

ርብቃ ንያእቆብ እቲ ንእሽቶ ወዳ ሓለፋ እቲ በዅሪ ንኽትፈትዎ ዝደረኻኣ እዘን ቃላት እዚኣተን ጥራይ ኣይኰናን። እቶም ኣወዳት እተፈላለየ ባህሪ እዩ ነይርዎም። ያእቆብ “ህዱእ” ወይ ቅኑዕ ሰብ እዩ ነይሩ: ኤሳው ግን ንመንፈሳዊ ነገራት ዘይግደስ ብምንባሩ ንብዅርናኡ: ማለት ነቲ መብጽዓ ኣምላኽ ንኺወርስ ዝነበሮ መሰል እኳ ብብልዒ ሸጦ። ኤሳው ክልተ ሔታውያን ኣንስቲ ምምርዓዉ ንመንፈሳዊ ስርዓታት ዕሽሽ ከም ዚብል: አረ ኻብዚ ሓሊፉ እውን ከም ዚንዕቕ ኣርኣየ። እዚ ኸኣ ንወለዱ ጓሂ ልቢ ዀኖም።—ዘፍጥረት 25:27-34፣ 26:34, 35

ያእቆብ ምርቓ ንኺረክብ እተገብረ ጻዕሪ

ኤሳው ንያእቆብ ኬገልግል ከም ዘለዎ ይስሃቅ ይፈልጥ ምንባሩ ወይ ዘይምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጸልናን እዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ርብቃን ያእቆብን እቲ ምርቓ ንዕኡ ከም ዚግባእ ይፈልጡ ነበሩ። ይስሃቅ ብልዒ በሊዑ ንኤሳው ኪምርቖ ኸም ዝሓሰበ ርብቃ ምስ ፈለጠት: ተቓላጢፋ ስጕምቲ ወሰደት። እቲ ብንእስነታ ዝነበራ ቘራጽነትን ሓቦን ኣይሃሰሰን። ንያእቆብ ክልተ መሓስእ ኬምጽእ ‘ኣዘዘቶ።’ ነቲ ሰብኣያ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኽትሰርሓሉ መደበት። ድሕሪኡ ያእቆብ ንኤሳው መሲሉ ምርቓ ኪቕበል ነበሮ። ያእቆብ ኣቦኡ ጠባሪ ምዃኑ ምስ ፈለጦ ምእንቲ ኸይረግሞ ስለ ዝፈርሀ: ነቲ ሓሳብ ተቓወሞ። ርብቃ ግን “ወደይ: መርገምካስ ኣባይ ይብጻሕ” ብምባል ግዲ በለቶ። ድሕሪኡ: ነቲ ብልዒ ኣዳለወት: ያእቆብ ንኤሳው ከም ዚመስል ገበረት: ናብ ሰብኣያ ድማ ሰደደቶ።—ዘፍጥረት 27:1-17

ርብቃ ስለምንታይ ከምዚ ኸም ዝገበረት ኣይተገልጸን። ብዙሓት ሰባት ንተግባራታ ይዅንንዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣይኵንናን እዩ: ይስሃቅ እውን እንተዀነ ያእቆብ ነቲ ምርቓ ኸም ዝወሰዶ ምስ ፈለጠ ኣይኰነናን። መሊሱ እኳ ደኣስ ነቲ ምርቓኡ ወሰኸሉ። (ዘፍጥረት 27:29፣ 28:3, 4) ርብቃ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ደቃ እተዛረቦ ትፈልጥ ነበረት። ስለዚ: ያእቆብ እቲ ዚግብኦ ምርቓ ኸም ዚረክብ ገበረት። እዚ ምስ ፍቓድ የሆዋ ኸም ዚሰማማዕ ንጹር እዩ።—ሮሜ 9:6-13

ያእቆብ ናብ ካራን ተሰደ

ድሕርዚ ርብቃ ንያእቆብ ቍጥዓ ሓዉ ኽሳዕ ዚዝሕል ናብ ካራን ከም ዚሃድም ብምግባር ንውዲት ኤሳው ኣፍሸለቶ። ይስሃቅ ነቲ ጕዳይ ከም ዚሰማምዓሉ ገበረት: ብዛዕባ ቝጥዓ ኤሳው ግን ኣይነገረቶን። ኣብ ክንድኡስ: ያእቆብ ንከነኣናውያን ከይምርዖ ኸም ዘጨነቓ ብሜላ ንሰብኣያ ገለጸትሉ። እዚ ሓሳብ እዚ ጥራይ ይስሃቅ ንያእቆብ ካብተን ከነኣናውያን ከይምርዖ ከምኡውን ናብ ስድራቤት ርብቃ ብምኻድ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ኼምጽእ ንኺእዝዞ እኹል እዩ ነይሩ። ርብቃ ድሕሪ እዚ ንያእቆብ ከም ዝረኣየቶ ዚገልጽ ጸብጻብ የልቦን: እቲ ተግባራታ ግን ንህዝቢ እስራኤል ብዙሕ ዓስቢ እዩ ኣምጺኡሎም።—ዘፍጥረት 27:43-28:2

ብዛዕባ ርብቃ እንፈልጦ ነገራት ንኸነድንቓ እዩ ዚድርኸና። ኣዝያ መልክዐኛ ነበረት: እቲ ናይ ሓቂ ጽባቐኣ ግን ንኣምላኽ ዝነበራ ተወፋይነት እዩ። ኣብርሃም ከምዚኣ ዓይነት ሰበይቲ እዩ ንወዱ ኽትኰኖ ደልዩ። እቲ ኻልእ ባህርያታ እውን ካብቲ ኣብርሃም እተጸበዮ ንላዕሊ ዀይንዎ ኪኸውን ኣለዎ። መሪሕነት ኣምላኽ ንምስዓብ ዝነበራ እምነትን ትብዓትን: ቅንኣታ: ትሕትናኣ: ከምኡውን ተቐባሊት ጋሻ ምዃና: ኵለን ክርስትያን ኣንስቲ ኺመስላኣ ይግባእ። የሆዋ እውን ሓንቲ ብሓቂ ኣብነታዊት ዝዀነት ሰበይቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ከተንጸባርቕ እዩ ዚደልያ።