ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህዝቢ ኣምላኽ ሕያውነት ኪፈትዉ ኣለዎም

ህዝቢ ኣምላኽ ሕያውነት ኪፈትዉ ኣለዎም

ህዝቢ ኣምላኽ ሕያውነት ኪፈትዉ ኣለዎም

“እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት [“ሕያውነት:” Nw] ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧”—ሚክያስ 6:8

1, 2. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ ሕያውነት ኬንጸባርቑ ዚጽበዮም ምዃኑ ኼገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ንሕያውነት ዚምልከት ሕቶታት ኢና ኽንሓስበሉ ዚግባእ፧

 የሆዋ: ኣምላኽ ሕያውነት እዩ። (ሮሜ 2:4፣ 11:22) እቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር: ኣዳምን ሄዋንን ነዚ ኽሳዕ ክንደይ ኣማስዮምሉ ኪዀኑ ኣለዎም! ኣብ ገነት ኤድን ኣምላኽ ንደቅሰብ ሕያውነት ብዜንጸባርቕ ዜሐጕስ ፍጥረታት ከም ዚኽበቡ ገይርዎም ነይሩ። ኣምላኽ ነቶም ዘየመስግኑን እኩያትን ሰባት እውን ከይተረፈ ሕያውነቱ ኣይነፈጎምን።

2 ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጥሩ: ባህርያት ኣምላኽ ንኼንጸባርቑ ኽእለት ኣለዎም። (ዘፍጥረት 1:26) እምበኣር: የሆዋ ሕያውነት ከነርኢ እንተ ተጸበየና ዜገርም ኣይኰነን። ሚክያስ 6:8 ከም እትሕብሮ: ህዝቢ ኣምላኽ ሕያውነት ወይ ‘ምሕረት ኪፈትዉ’ ኣለዎም። ሕያውነት ግን እንታይ እዩ፧ ምስ ኣምላኽ ዚፈትዎ ኻልእ ባህርያት ብኸመይ እዩ ዚተኣሳሰር፧ ሰባት ሕያውነት ኬንጸባርቑ ዚኽእሉ ኻብ ኰኑ: ኣብ ዓለም ጭከና ዝመልአ ስለምንታይ እዩ፧ ንሕና ክርስትያናት ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ሕያውነት ንኸነርኢ ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሕያውነት እንታይ እዩ፧

3. ሕያውነት ብኸመይ ኪግለጽ ይከኣል፧

3 ንድሕንነት ካልኦት ሰባት ተገዳስነት ብምርኣይ ሕያውነት ኪንጸባረቕ ይከኣል እዩ። ሓገዝ ብምግባርን ብሓልዮት ብምዝራብን እውን እዚ ባህሪ እዚ ኺርአ ይከኣል እዩ። ሕያዋይ ምዃን ኪበሃል ከሎ ዚጐድእ ዘይኰነስ ሰናይ ነገር ምግባር ማለት እዩ። ሓደ ሕያዋይ ሰብ ምቕሉል: ልኡም: ደንጋጺ: ለዋህ: ለጋስ: ከምኡውን ንኻልኦት ዚሓሊ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ልበሱ” ኢሉ መዓዶም። (ቈሎሴ 3:12) እምበኣር: ሕያውነት ክፍሊ እቲ ሓደ ክርስትያን ኪለብሶ ዘለዎ ምሳልያዊ ልብሲ እዩ።

4. የሆዋ ተበግሶ ብምውሳድ ንደቅሰብ ሕያውነት ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

4 የሆዋ ኣምላኽ ተበግሶ ብምውሳድ ሕያውነት ኣርእዩ እዩ። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ “እቲ ናይ መድሓኒና: ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ” እዩ “ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን . . . ዘድሓነና።” (ቲቶስ 3:4, 5) ኣምላኽ ንቕቡኣት ክርስትያናት ብደም የሱስ ገይሩ ‘ሓጺብዎም’ ወይ ኣጽርይዎም እዩ: ማለት ንበጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ከም ዚጥቀሙሉ ገይሩ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ እተወልዱ ደቂ ኣምላኽ ብምዃኖም ከኣ “ሓድሽ ፍጥረት” ኰይኖም እዮም። (2 ቈረንቶስ 5:17) ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ዘጻዕደዉ ብዙሓት ሰብ’ እውን ሕያውነትን ፍቕርን ኣምላኽ ርእዮም እዮም።—ራእይ 7:9, 14፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2

5. እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ሰባት ሕያውነት ኬርእዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

5 ሕያውነት ሓደ ኻብቲ ናይ ኣምላኽ መስለጢ ሓይሊ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ዜፍርዮ ፍረ እዩ። ጳውሎስ “እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን” በለ። (ገላትያ 5:22, 23) ከምዚ ኻብ ኰነ: እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ሰባት ንኻልኦት ሕያውነት ኬርእዩዶ ኣይግባእን፧

ናይ ሓቂ ሕያውነት ድኻም ኣይኰነን

6. ሕያውነት ድኻም ዚኸውን መዓስ እዩ: ስለምንታይከ፧

6 ገሊኣቶም ሰባት ንሕያውነት ከም ድኻም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ካልኦት ሰባት ብርቱዕ ምዃንካ ምእንቲ ኺርእዩ ተሪር: አረ ሓድሓደ ግዜ ድማ ዘይእሩም ምዃን ኣድላዪ እዩ ዚብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም። ብኣንጻሩ ግን: ብሓቂ ሕያዋይ ምዃንን ግጉይ ሕያውነት ዘይምርኣይን ናይ ብሓቂ ብርቱዕ ምዃንካ እዩ ዜንጸባርቕ። ናይ ሓቂ ሕያውነት ክፍሊ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነት: ንግጉይ ተግባር ሸለል ወይ ዕሽሽ እትብል ኣይኰነትን። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ግጉይ ሕያውነት ድኻም ብምዃኑ: ንሕማቕ ተግባራት ዕሽሽ ከም እትብል ይገብረካ።

7. (ሀ) ኤሊ ሸለል ብሃሊ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሽማግለታት ግጉይ ዓይነት ሕያውነት ንኸየርእዩ ኺጥንቀቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧

7 ንኣብነት: እቲ ኣብ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤሊ እስከ ንውሰድ። ነቶም ኣብቲ ማሕደር ካህናት ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ደቁ ሆፍንን ፊንሃስን ካብ ምግሳጽ ሰኒፉ ነበረ። እዞም ሰባት እዚኣቶም በቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ካብ መስዋእቲ ኺወስድዎ ዘለዎም ክፋል ብዘይምዕጋቦም: እቲ ስብሒ ኣብ መሰውኢ ቕድሚ ምሕራሩ ጊልያኦም ከይዱ ብርንዶ ስጋ ከም ዜምጽኣሎም ይገብሩ ነይሮም። ደቂ ኤሊ ምስተን ኣብ ደገ እቲ ማሕደር ዜገልግላ ኣንስቲ እውን ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ነበሩ። ይኹን እምበር: ኤሊ ንሆፍንን ንፊንሃስን ካብ ሓላፍነቶም ኣብ ክንዲ ዜልግሶም: ፈኲስ ተግሳጽ ሃቦም። (1 ሳሙኤል 2:12-29) እምበኣር “በታ ጊዜ እቲኣ . . . ቃል እግዚኣብሄር ውሒዱ” እንተ ነበረ ዜገርም ኣይኰነን። (1 ሳሙኤል 3:1) ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ ንመንፈሳውነት ጉባኤኦም ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዚኽእል ሓጥእ: ግጉይ ሕያውነት ብምርኣይ ዕሽሽ ንኸይብልዎ ኪጥንቀቑ ኣለዎም። ናይ ሓቂ ሕያውነት ንስርዓታት ኣምላኽ ንዚጥሕስ ክፉእ ቃላትን ግብርን ዕሽሽ ከም እትብሎ ኣይገብርን እዩ።

8. የሱስ ናይ ሓቂ ሕያውነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

8 እቲ ኣብነትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ግጉይ ሕያውነት ኣርእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ናይ ሓቂ ሕያውነት ብምንጽብራቕ ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት እዩ ዚዀነና። ንኣብነት: “ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ: ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” ቅኑዕ ዚልቦም ሰባት ንየሱስ ከይተሸቝረሩ እዮም ዚቐርብዎ ነይሮም: አረ ቈልዑ እውን ከይተረፈ የምጽኡሉ ነበሩ። ነቶም ቈልዑ ‘ሓቚፉ ኢዱ ኣንቢሩ ኪባርኾም’ ከሎ: ዘርኣዮ ሕያውነትን ድንጋጽን እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ማቴዎስ 9:36፣ ማርቆስ 10:13-16) የሱስ ሕያዋይ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ኣዒንቲ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ቕኑዕ ዘበለ ኻብ ምግባር ግን ድሕር ኣይብልን ነበረ። ንእከይ ፈጺሙ ዕሽሽ ኣይበለን: ነቶም ግቡዛት መራሕቲ ሃይማኖት ንኪዅንኖም እውን ኣምላኽ ዝሃቦ ብርታዐ ነበሮ። ኣብ ማቴዎስ 23:13-26 ተጻሒፉ ኸም ዘሎ: ብተደጋጋሚ “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን . . . ወይለኹም” በሎም።

ሕያውነትን ካልእ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚፈሪ ባህርያትን

9. ሕያውነት ምስ ዓቕልን ለውሃትን ብኸመይ ትተሓሓዝ፧

9 ሕያውነት ምስ ካልእ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚፈሪ ባህርያት ትተሓሓዝ እያ። ምስ “ዓቕሊ” ከምኡውን “ለውሃት” ከኣ ተጠቒሳ ኣላ። እወ: ሕያውነት ዜማዕብል ሰብ ዓቃል ብምዃን እውን ነታ ባህሪ የንጸባርቓ እዩ። ነቶም ሕያዎት ዘይኰኑ ሰባት እውን ይዕገሶም እዩ። ሕያውነት ንኻልኦት ዚጠቅም ነገራት ብምግባር ስለ እትንጸባረቕ ምስ ለውሃት ትተሓሓዝ እያ። ሓድሓደ ግዜ: እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ሕያውነት” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ለውሃት” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ቀዳሞት ክርስትያናት ነዛ ባህሪ እዚኣ ዜንጸባርቑሉ ደረጃ ንኣረማውያን ኣዝዩ የገርሞም ብምንባሩ: ተርቱልያን ከም ዝበሎ ንሰዓብቲ የሱስ ‘ናይ ሕያውነት ሰባት’ ይብልዎም ነበሩ።

10. ሕያውነትን ፍቕርን ብኸመይ እየን ዚተኣሳሰራ፧

10 ኣብ መንጎ ሕያውነትን ፍቕርን እውን ምትሕሓዝ ኣሎ። የሱስ ንሰዓብቱ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:35) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዛ ፍቕሪ እዚኣ: “ፍቕሪ ዓቃል እያ: ፍቕሪ ለዋህ [ሕያወይቲ] እያ” በለ። (1 ቈረንቶስ 13:4) ሕያውነት ምስታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ እትጥቀስ ሳህሊ እትብል ቃል እውን ትተሓሓዝ እያ። እዛ ዓይነት ሕያውነት እዚኣ ኻብ ተኣማንነት እትምንጭ እያ። እታ “ሳህሊ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ካብ ምፍታው ንላዕሊ እተጠቓልል ክትከውን ከላ: ንሓደ ኣካል ብዚምልከት እተገብረ ዕላማ ኽሳዕ ዚፍጸም: ብተኣማንነት ፍቕርኻ ምግላጽ እያ እተመልክት። ሳህሊ የሆዋ: ወይ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ብእተፈላለየ መገድታት ትንጸባረቕ እያ። ንኣብነት: ኬድሕንን ኬዕቍብን ከሎ እዛ ባህሪ እዚኣ ትርአ እያ።—መዝሙር 6:4፣ 40:11፣ 143:12

11. ሳህሊ ኣምላኽ ናይ ምንታይ መረጋገጺ እያ እትዀነና፧

11 ሳህሊ ወይ ምሕረት የሆዋ ንሰባት ናብኡ ይስሕቦም እዩ። (ኤርምያስ 31:3) እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜድሕኖም ወይ ዚሕግዞም ኬድልዮም ከሎ: ሳህሉ ብምንጽብራቕ ብተኣማንነት ፍቕሩ ኸም ዜርእዮም ይፈልጡ እዮም። ከም ዘይጥንጥኖም ከኣ ይተኣማመኑ እዮም። ስለዚ: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብእምነት “ኣነ ግና ብምሕረትካ [ብሳህልኻ] እውከል አሎኹ: ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ አሎ” ኪብሉ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 13:5) ኣምላኽ ብተኣማንነት ፍቕሩ ስለ ዜርኢ: ኣገልገልቱ ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ኪውከሉ ይኽእሉ እዮም። “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን: ንርስቱ ኸኣ ኣይኪሐድጎን እዩ” ዚብል መረጋገጺ ተዋሂብዎም ኣሎ።—መዝሙር 94:14

ዓለም ብጭካነ ዝመልአት ስለምንታይ እያ፧

12. ጭቈና ዚመልኦ መግዛእቲ መዓስን ብኸመይን ጀመረ፧

12 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምስቲ ኣብ ገነት ኤድን እተፈጸመ ነገራት እተተሓሓዘ እዩ። ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ ሓደ ስሱዕን ዕቡይን መንፈሳዊ ፍጡር ገዛኢ ዓለም ንምዃን ውዲት ኣለመ። ብሰንኪ እዚ ውዲት እዚ ኣዝዩ ጨቋኒ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዀነ። (ዮሃንስ 12:31) ቀንዲ ተጻራሪ ኣምላኽን ሰባትን ብምዃኑ ሰይጣን ድያብሎስ ተባሂሉ ተጸውዐ። (ዮሃንስ 8:44፣ ራእይ 12:9) እዚ ምስቲ ሕያውነት ዝመልኦ ኣገዛዝኣ የሆዋ ንኺወዳደር ብስስዐ ዝኣለሞ ውዲት: ሄዋን ምስ ተፈጥረት ነዊሕ ከይጸንሐ ተቐልዐ። ስለዚ: ኣዳም ንሕያውነት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ብምንጻግ ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ ኺመሓደር ምስ ደለየ እዩ ሕማቕ መግዛእቲ እተጀመረ። (ዘፍጥረት 3:1-6) ኣዳምን ሄዋንን ገዛእ ርእሶም ኣብ ክንዲ ዜመሓድሩ ግን በቲ ስሱዕን ዕቡይን ድያብሎስ ዚጽለዉ ብምዃኖም: ተገዛእቱ ዀኑ።

13-15. (ሀ) ነቲ ጽድቃዊ ግዝኣት የሆዋ ምንጻግ ካብ ዘምጸኦ ገለ ሳዕቤናት እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) እዛ ዓለም እዚኣ ጭካነ ዝመልአት ስለምንታይ እያ፧

13 እዚ ዘምጽኦ ገለ ሳዕቤናት እስከ ንርአ። ኣዳምን ሄዋንን ካብቲ ገነት ዝነበረትሉ ሸነኽ ምድሪ ተሰጉ። ካብቲ ባህ ዜብል ኣትክልትን ፍረታትን ዝነበሮ ልሙዕ ቦታ ናብቲ ኣብ ወጻኢ እታ ገነት ዝነበረ ኣጸጋሚ ዅነታት ወጹ። ኣምላኽ ንኣዳም “ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ እሞ ካብታ: ካብኣ ኣይትብላዕ: ኢለ ዝአዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካ: ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። እሾዅን ተዀርባን ተብቍለልካ” በሎ። ምድሪ ስለ እተረግመት: ፍረ ንምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዀነ። ዘርኢ ኣዳም በቲ መርገምን በቲ እሾዅን ተዀርባን ዘምጽኦ ሳዕቤናት ኣመና ስለ እተሳቐዩ: ላሜክ ኣቦ ኖህ ብዛዕባ እቲ ‘ኣብታ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ዝነበረ ዕዮኦምን ጻዕሪ ኢዶምን’ ተዛረበ።—ዘፍጥረት 3:17-19፣ 5:29

14 ብዘይካዚውን ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ዝነበሮም ሰላም ብጭንቂ እዮም ቀዪሮምዎ። ኣምላኽ ንሄዋን “መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ: ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ: ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ: ንሱውን ኪመልከኪ እዩ” በላ። ጸኒሑ: እቲ በዅሪ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን ዝዀነ ቃየል: ንሓዉ ብጭካነ ቐተሎ።—ዘፍጥረት 3:16፣ 4:8

15 ሃዋርያ ዮሃንስ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” በለ። (1 ዮሃንስ 5:19) እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ልክዕ ከም ገዛኢኣ: ስስዐን ትዕቢትን ዜጠቓልል ክፉእ ባህርያት እያ እተንጸባርቕ። እምበኣር: ብጭካነን ሕሰምን እንተ መልአት ዜገርም ኣይኰነን! እንተዀነ ግን: ንሓዋሩ ኸምዚ ኢላ ኣይክትቅጽልን እያ። የሆዋ ኣብ ትሕቲ መንግስቱ ኣብ ክንዲ ጭካነን ሕሰምን: ሕያውነትን ድንጋጽን ከም ዚሰፍን ኪገብር እዩ።

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሕያውነት ኪሰፍን እዩ

16. ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ኣቢሉ ዚገዝኦ ግዝኣት ሕያውነት ዝሰፈኖ ዚኸውን ብኸመይ እዩ: እዚኸ እንታይ ንኽንገብር እዩ ዜገድደና፧

16 የሆዋን እቲ ኣብ መንግስቱ ንጉስ ኪኸውን ዝሸሞ የሱስ ክርስቶስን ንተገዛእቶም ብሕያውነት ዚፍለጡ ኪዀኑ እዮም ዚደልይዎም። (ሚክያስ 6:8) የሱስ ክርስቶስ እቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ምምሕዳር ሕያውነት ዝሰፈኖ ከም ዚኸውን ገሊጹ እዩ። (እብራውያን 1:3) ነዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ነቲ ህዝቢ ኸቢድ ጾር ዜሸከሙ ናይ ሓሶት መራሕቲ ሃይማኖት ኬቃልዖም ከሎ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣብ እተዛረቦ ንርኢ ኢና:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” (ማቴዎስ 11:28-30) ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሃይማኖታውያን ኰኑ ኻልኦት መራሕቲ: ንሰባት በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሕግታቶምን ሞሳ ዘይብሉ ዕዮታቶምን ኣቢሎም ጾር ብምስካም የድክምዎም እዮም። የሱስ ግን ንሰዓብቱ ምስ ድሌቶምን ክእለቶም ዚሰማማዕ ነገር ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም። እቲ ኣርዑቱ ብሓቂ ዕረፍቲ ዜምጽእ ፈኲሽ እዩ! ንሕናኸ ንኻልኦት ሕያውነት ብምርኣይ ዝመጸ ኸምኡ ኽንከውን ኣይንድረኽንዶ ኢና፧—ዮሃንስ 13:15

17, 18. እቶም ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡን እቶም ምድራውያን ተወከልቱን ሕያውነት ከም ዜርእዩ ብኸመይ ክንተኣማመን ንኽእል፧

17 የሱስ ንሃዋርያቱ እተዛረቦም ዜደንቕ ነገር ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ግዝኣት ሰባት ብኸመይ ከም ዚፍለ ዜጕልሕ እዩ። ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዚርኤ ኸኣ: ኣብ ማእከሎም [ኣብ መንጎ እቶም ሃዋርያት] ክርክር ኰነ። ሽዑ ንሱ በሎም፤ ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም: እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሀሉ። ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፤ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ: እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን። እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜገልግልንከ ኣየናዮም ይዐቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፧ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ።”—ሉቃስ 22:24-27

18 ሰብኣውያን ገዛእቲ ንሰባት ‘ብምግዛእን’ ክብ ዝበለ መዓርጋት ብምሓዝን እዮም ዕቤቶም ዜርእዩ: ከምዚ ዚገብሩ ኸኣ እቲ መዓርጋት ካብቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሰባት ከም ዚበልጹ ዚገብሮም ኰይኑ ስለ ዚስምዖም እዩ። የሱስ ግን ናይ ሓቂ ዕቤት ከይተሓለልካ ንኻልኦት ብትግሃት ብምግልጋል ከም ዚመጽእ ገለጸ። ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ወይ እቶም ምድራውያን ተወከልቱ ዀይኖም ዜገልግሉ: ትሕትናኡን ሕያውነቱን ኪቕድሑ ኺጽዕሩ ኣለዎም።

19, 20. (ሀ) የሱስ ሕያውነት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብኸመይ ገለጾ፧ (ለ) ሕያውነት ኣብ ምንጽብራቕ ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

19 ሕጂ ነቲ የሱስ ዝሃበና ኻልእ ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ ማዕዳ እስከ ንርአ። የሱስ ሕያውነት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ ኼርኢ ኸሎ ከምዚ ዚስዕብ በለ:- “ሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ: ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም: እንታይ ምስጋና አሎኩም፧ ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ: እንታይ ምስጋና አሎኩም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም። ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ: እንታይ ምስጋና አሎኩም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ: ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ: ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ: ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ: ርሕሩሓት ኩኑ።”—ሉቃስ 6:32-36

20 ኣምላኽ ስስዐ ዘይብሉ ሕያውነት እዩ ዜርኢ። ነቲ ዚገብረልካ ንኽትፈድዮን ንስኻውን ንኽትገብረሉን ኣይጽበን እዩ። የሆዋ “ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም።” (ማቴዎስ 5:43-45፣ ግብሪ ሃዋርያት 14:16, 17) ንሕናውን ንሰማያዊ ኣቦና ብምምሳል ነቶም ዘይመማሰውቲ: አረ ነቶም ጸላእትና እውን ከይተረፈ ኣይንጐድኦምን ጥራይ ዘይኰነስ: ሰናይ እውን ንገብረሎም ኢና። ሕያውነት ብምንጽብራቕ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ኵሉ ሰብኣዊ ርክባት ሕያውነትን ካልእ ኣምላኽ ዚፍትዎ ባህርያትን ዚሰፍነላ መንግስቲ ኣምላኽ ክንነብር ከም እንደሊ ንየሆዋን ንየሱስን ከነርእዮም ንኽእል ኢና።

ሕያውነት ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

21, 22. ሕያውነት ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

21 ምናዳ ንናይ ሓቂ ክርስትያን ሕያውነት ምንጽብራቕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ምስ እንገብር መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎና እዩ ዜርኢ። ኣብ ርእሲ እዚ: ናይ ሓቂ ሕያውነት ምስ እነርኢ: ንየሆዋ ኣምላኽን ንክርስቶስ የሱስን ንመስሎም። ብዘይካዚ: እቶም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሕያዎት ኪዀኑ ኣለዎም። እምበኣር: ሕያውነት ክንፈቱን ብኸመይ ከም እነንጸባርቕ ክንመሃርን ኣሎና።

22 ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ሕያውነት ከነንጸባርቐሉ እንኽእል እንታይ መገድታት ኣሎ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽትምልሰልና እያ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሕያውነት እንታይ እዩ፧

• ዓለም ሕሰምን ጭካነን ዝመልአት ስለምንታይ እያ፧

• ኣምላኽ ኣብ ዚገዝኣሉ እዋን ሕያውነት ከም ዚሰፍን ብኸመይ ንፈልጥ፧

• እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኪነብሩ ዚደልዩ ሕያውነት ኬርእዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሽማግለታት ምስተን መጓሰ ኣብ ዘለዎም ርክብ ሕያዎት ክዀኑ ይጽዕሩ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣገልገልቱ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ: የሆዋ ብሳህሉ ተደሪኹ ኣይጥንጥኖምን እዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ብሕያውነት ተደሪኹ ኣብ ኵሎም ሰባት ጸሓይ ክትበርቕን ዝናም ኪዘንምን ፈቐደ