ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሓምለ 2015

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 31 ነሓሰ ኽሳዕ 27 መስከረም 2015 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ፈትዮም ይመጹ—ሩስያ

ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ንምግልጋል ናብ ሩስያ ዝገዓዙ ዘይተመርዓዉን ሰብ ሓዳርን ኣንብብ። ኣብ የሆዋ ብዝያዳ ኺውከሉ ኸም ዘለዎም ተማሂሮም እዮም።

ንመንፈሳዊ ገነት ብዝያዳ ኸተጸብቖ ጽዓር

መንፈሳዊ ገነትን መንፈሳዊ ቤተ መቕደስን ሕደ ድዩ፧ ጳውሎስ ኣብ ሳልሳይ ሰማይ እንታይ “ገነት” እዩ ርእዩ፧

ኣብተን ‘ክፉኣት መዓልትታት’ ንየሆዋ ምግልጋል

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ድልድልቲ እምነት ዓቂብካ ብንጥፈት ከተገልግል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ንየሆዋ ብሓጐስ ዘገልገልዎ ኣረጋውያን መርምር።

‘ድሕነትኩም ቀሪቡ እዩ’

እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጀመረ፡ እንታይ መልእኽቲ እዩ ኺእወጅ፧ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ቅቡኣት እንታይ ኪዀኑ እዮም፧

ንስራሕካ ዜስተብህለሉ መን ምዃኑ ኽሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ድዩ፧

በሳልኤልን ኦሆልያብን ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ እኳ ንስራሕና እንተ ዘየስተብሃለሉ፡ የሆዋ ግና ከም ዜስተብህለሉ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ሓልዎ

ክርስትያናት ንየሆዋን ንመንግስቱን እሙናት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ንርእሶም ኬሰልጥንዋ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

እዚ ቦታ ኣምልኾና እዩ

ንቦታታት ኣምልኾና ኣኽብሮት ከም ዘሎና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ህንጸትን ክንክንን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚምወል፧

ትፈልጥዶ፧

ገሊኡ ኽፋል ምድሪ ተስፋ ብዱር እተሸፈነ ኸም ዝነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ሎሚ ግና ከምኡ ስለ ዘይኰነ፡ ብሓቂ ዱር ነይሩ ድዩ፧