ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዚ ቦታ ኣምልኾና እዩ

እዚ ቦታ ኣምልኾና እዩ

“ቅንኣት ቤትካ ኺበልዓኒ እዩ።”—ዮሃ. 2:17

መዝሙር፦ 13, 21

1, 2. (ሀ) ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ዓይነት ቦታታት ኣምልኾ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ፧ (ሐ) ዕላማ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ እዩ፧

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንጹህ ኣምልኾኦም ዜካይዱሉ ቦታታት ነይሩ እዩ። ኣቤል ንኣምላኽ መስዋእቲ ኬቕርበሉ ኸሎ፡ መሰውኢ ተጠቒሙ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 4:3, 4) ኖህን ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ሙሴን እውን፡ መሰውኢ ሰሪሖም እዮም። (ዘፍ. 8:20፣ 12:7፣ 26:25፣ 35:1፣ ዘጸ. 17:15) እስራኤላውያን ከኣ፡ ነቲ የሆዋ ዝሃቦም መምርሒ ብምስዓብ ማሕደር ሃኒጾም እዮም። (ዘጸ. 25:8) ጸኒሖም ድማ፡ ንኣምልኾ የሆዋ ዚኸውን ቤተ መቕደስ ሰርሑ። (1 ነገ. 8:27, 29) ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ፡ ኣዘውቲሮም ኣብ ምኵራብ ወይ ቤት ጸሎት ይእከቡ ነበሩ። (ማር. 6:2፣ ዮሃ. 18:20፣ ግብ. 15:21) ቀዳሞት ክርስትያናት እውን፡ ኣብ ኣባይቲ እቶም ኣባላት ክርስትያን ጉባኤታት ይእክቡ ነበሩ። (ግብ. 12:12፣ 1 ቈረ. 16:19) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከብ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንትምህርትን ንኣምልኾን ይእከቡ እዮም።

2 የሱስ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ዓብዪ ፍቕርን ሞሳን ስለ ዝነበሮ፡ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል፡ ነቲ፡ “ቅንኣት ቤትካ ኺበልዓኒ እዩ” ዚብል ትንቢታዊ ቓላት ኣብኡ ኣውዓሎ። (መዝ. 69:9፣ ዮሃ. 2:17) ምስቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ብዚመዓራረ መገዲ ‘ቤት የሆዋ’ ኺብሃል ዚክኣል ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሎሚ የለን። (2 ዜና 5:13፣ 33:4) ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሎሚ ዘሎ ቦታታት ኣምልኾ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕልን ብኣኽብሮት ኪትሓዝን ከም ዘለዎ ዚገልጽ ስርዓታት ይሕብረና እዩ። ዕላማ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንገሊኡ እቲ ስርዓታት ምምርማር እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኪርአን ኪምወልን ክንክን ኪግበረሉን ከም ዘለዎ እውን ክትገልጽ እያ። *

ንንጹህ ኣምልኾ፡ ኣኽብሮት ኣርኢ

3-5. ዕላማ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ እዚኸ ነቲ ኣብኡ እንገብሮ ኣኼባታት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዚህልወና እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

3 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ማእከል ንጹህ ኣምልኾ እዩ። ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ብመንፈሳዊ መዳይ ዚምግበሉ መገድታት፡ እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ሰሙናዊ ኣኼባታት እዩ። ነቲ ብውድብ የሆዋ ኣቢሉ ዚመጽእ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ምግብን መምርሕን እንቕበሎ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። ኵሎም እቶም ኣብ ኣኼባታት ዚእከቡ ሰባት፡ ነቲ የሆዋን ወዱን ዜቕርቡሎም ዕድመ ኣኽቢሮም እዮም ዚመጹ። ወትሩ ኻብ “መኣዲ የሆዋ” ኽንበልዕ ንዕደም እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ዕድመ ኣቕሊልና ኸይንርእዮ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።—1 ቈረ. 10:21

4 የሆዋ ነቲ ኣብ ኣኼባታትና እንገብሮ ኣምልኾን ኣብኡ እንረኽቦ ሓባራዊ ምትብባዕን ከም ኣገዳሲ ገይሩ ስለ ዚርእዮ፡ ኣኼባና ኸይንሓድግ ምእንቲ ኺምሕጸነና፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱሱ ደሪኽዎ እዩ። (እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።) ዕባራ ብዝዀነ ምኽንያት ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ንተርፍ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ኸም እነኽብሮ ዲና እነርኢ፧ ስለዚ፡ ንኣኼባታትና ብምድላውን ኣብኡ ብምሉእ ልብና ብምስታፍን ንየሆዋን ንመሰናድዎታቱን ኣዚና ኸም እነማስወሉ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—መዝ. 22:22

5 ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ኣረኣእያ፡ ማለት ነቲ ህንጻን ነቲ ኣብኡ ዚግበር መንፈሳዊ ንጥፈታትን ዘሎና ኣረኣእያ፡ ግቡእ ኣኽብሮት ከም ዘሎና ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ዘሎና ኣረኣእያ፡ ምስቲ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ምልክት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚጽሓፍ ስም ኣምላኽ ዘሎና ስምዒት ዚተሓሓዝ ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧—ምስ 1 ነገስት 8:17 ኣረኣኢ።

6. ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ዚእከቡን እንታይ እዮም ኢሎም፧ (ኣብ ገጽ 27 ዘላ ስእሊ ርአ።)

6 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት፡ መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ንቦታታት ኣምልኾ ዘሎና ኣኽብሮት የስተብህሉሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ቱርኪ ዚነብር ሓደ ሰብኣይ፡ “እቲ እተዓዘብክዎ ጽሬትን ስርዓትን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መሲጡኒ እዩ። እቶም ሰባት ብግቡእ እተኸድኑን ፍሽኽታ ዘይፍለዮምን እዮም፣ ብፍሽሑው ገጽ ድማ እዮም ሰላም ኢሎምኒ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ እዩ ገሪሙኒ” በለ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣዘውቲሩ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ጀመረ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ተጠምቀ። ኣብ ኢንዶነዥያ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ኸተማ፡ ሓንቲ ጉባኤ ቐቅድሚ ወፈያ ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሓደ መደብ ኣዳልያ ንሰበ ስልጣን መንግስትን ንጐረባብትን ዓደመቶም። ከንቲባ እታ ኸተማ ድማ መጸ። እቲ ኣዳራሽ ብውሕልና ኸም እተሰርሐን ብጽቡቕ ከም ዚዓዪን ረኣየ፣ በቲ ኣብኡ ዚርከብ ባህ ዜብል ስፍራ ኣታኽልቲ ድማ ኣዝዩ ተገረመ። “ጽሬት እዚ ኣዳራሽ እዚ፡ እምነትኩም ናይ ሓቂ ምዃኑ ዜርኢ እዩ” በለ።

ጠባይና ንኣምላኽ ከም ዘይነኽብር ዜርኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 7, 8 ርአ)

7, 8. እቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚእክቡ ሰባት ነየናይ ኣገዳሲ ነጥብታት እዮም ኪዝክርዎ ዘለዎም፧

7 ነቲ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚዕድመና ኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮት፡ ኣብ ጠባይናን ኣብ ኣመለኻኽዓናን ኣብ ኣከዳድናናን ኪንጸባረቕ ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ሚዛንና ኽንሕሉ ኣሎና። ገሊኦም ሰባት ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺህሉ ብዛዕባ ዘለዎ ግቡእ ጠባይ ኣዝዮም ጽኑዓት እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ድማ ኣዝዮም ልኡማት ከም ዝዀኑ ተራእዩ እዩ። ሓቂ እዩ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱን ንኣጋይሽን፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናጽነት ኪስምዖም ይደሊ እዩ። ይኹን እምበር፡ ተኣከብቲ ብግቡእ ዘይክደኑ፡ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ ብሞባይል መልእኽቲ ዚጸሓሓፉ፡ ዚበልዑ፡ ዚሰትዩ፡ ወይ ካልእ ነገራት ዚገብሩ እንተ ዀይኖም፡ ኣኽብሮት ከም ዘይብሎም እዮም ዜርእዩ። ወለዲ እውን ንደቆም፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እትጐይየሉ ወይ እትጻወተሉ ቦታ ኸም ዘይኰነ ንኺርድኡ ኺሕግዝዎም ኣለዎም።—መክ. 3:1

8 የሱስ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ንግዳዊ ንጥፈታት ዚፍጽሙ ዝነበሩ ሰባት ምስ ረኣዮም ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ፡ ካብኡ ሰጐጎም። (ዮሃ. 2:13-17) ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ፡ ንጹህ ኣምልኾን መንፈሳዊ ትምህርትን ዚውሃበሉ ቦታ እዩ። ስለዚ፡ ምስ መንፈሳዊ ጕዳያት ዘይተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ንግዳዊ ንጥፈታት ኣብ ካልእ ቦታ እዩ ኺግበር ዚግብኦ።—ምስ ነህምያ 13:7, 8 ኣረኣኢ።

ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ምህናጽን ምምዋልን

9, 10. (ሀ) ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህነጽን ዚምወልን ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት እዩ ተረኺብዎ፧ (ለ) ነተን ባዕላተን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጻ ዓቕሚ ዘይብለን ጉባኤታት ዝሓገዘን እንታይ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዩ፧

9 ውድብ የሆዋ፡ ብዙሕ ወጻኢ ዘይብሉን ቅልል ዝበለን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽን ንምምዋልን ወይ ገንዘባዊ ደገፍ ንምግባርን ብዙሕ እዩ ዚጽዕር። ነቲ ኣዳራሽ ዚኸውን ንድፊ ምድላውን ነቲ ኣዳራሽ ምህናጽን እንደገና ምትዕርራይን፡ በቶም ደሞዝ ዘይክፈሎም ፍቓደኛታት ሰራሕተኛታት እዩ ዚዕየ። እሞኸ እንታይ ውጽኢት ተረኽበ፧ ካብ 1 ሕዳር 1999 ንነጀው፡ ልዕሊ 28,000 ምልኩዕ ማእከላት ንጹህ ኣምልኾ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከባ ጉባኤታት ተሰሪሑለን እዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመት፡ ኣብ መዓልቲ ብገምጋም ሓሙሽተ ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ ማለት እዩ።

10 ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ጻዕርታት ይግበር እዩ። እዚ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዚ፡ ተረፍ ገሊኦም ኣሕዋት ንጐደሎ ኻልኦት ኣሕዋት ኪምልኦን “ምምዕርራይ” ኪህሉን ከም ዘለዎ ኣብ ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት እተመስረተ እዩ። (2 ቈረንቶስ 8:13-15 ኣንብብ።) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ እንተ ዘይግበረለን ነይሩ ባዕላተን ኣዳራሽ ኪሃንጻ ንዘይክእላ ጉባኤታት ዚኸውን ባህ ዜብል ሓድሽ ማእከላት ንጹህ ኣምልኾ ተሃኒጹ እዩ።

11. ገሊኦም ኣሕዋት ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኣዳራሾም እንታይ እዮም ኢሎም፧ ንስኻኸ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይስምዓካ፧

11 ካብቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ መሰናድዎ እተጠቕመት ኣብ ኮስታ ሪካ እትርከብ ጉባኤ ኸምዚ በለት፦ “ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ደው ክንብል ከለና፡ እንሓልም ዘለና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ምእማን እዩ ዚኸብደና። እዛ ጽብቕቲ ኣዳራሽና ንኽትስራሕ ሸሞንተ መዓልቲ ጥራይ እዩ ወሲዱላ። ከምኡ ኪኸውን ዝኸኣለ ሳላ በረኸት የሆዋን ሳላ እቲ ብውድቡ እተገብረ መሰናድዎን ሳላ ደገፍ ፍቑራት ኣሕዋትናን እዩ። እዚ ቦታ ኣምልኾ እዚ የሆዋ ዝሃበና ብሓቂ ኽቡር ህያብ እዩ። ኣዚና ኢና ተሓጒስና።” ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተሃንጸሎም ሰባት ከምዚ ዓይነት መግለጺ ሞሳ ኺዛረቡ ኸለዉ ኽትሰምዕ ከለኻ፡ ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከብ ብኣሽሓት ዚቝጸር ቦታታት ዚነብሩ ኣሕዋትና ተመሳሳሊ ሓጐስ ከም ዚሕጐሱ ኽትፈልጥ ከለኻ ባህ ዜብል ደይኰነን፧ እዚ ናይ የሆዋ ዕዮ እዩ፣ ከመይሲ፡ ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚዛዘም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ መብዛሕትኡ እዋን በቶም ብዛዕባ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ኺፈልጡ ዚደልዩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ይምላእ እዩ።—መዝ. 127:1

12. ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል፧

12 ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብምክፋል ዓብዪ ሓጐስ ረኺቦም እዮም። ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ ብቐጥታ ኽንሰርሕ ንኽኣል ኣይንኽኣል ብዘየገድስ፡ ኵላትና ግና ነቲ ህንጸት ብወፈያ ኽንድግፎ ንኽእል ኢና። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንንጹህ ኣምልኾ ብዘለዎም ቅንኣት ተደሪኾም፡ ንቲኦክራስያዊ ህንጸት ብገንዘቦም ደጊፎምዎ እዮም፣ ሎሚ እውን ከምኡ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንየሆዋ ኽብሪ እዩ ዜምጽኣሉ።—ዘጸ. 25:2፣ 2 ቈረ. 9:7

ጽሬት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

13, 14. ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጽሩይን ጽፉፍን ጌርና ኽንሕዞ ዚድርኸና ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እንታይ እዩ፧

13 ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተሃንጸ፡ ንባህርያት እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ስርዓት ዜንጸባርቕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብጽሬትን ብጽፈትን ክንሕዞ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 14:33, 40 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ ንቕድስናን ንመንፈሳውነትን ምስ ኣካላዊ ጽሬት የተሓሕዞ እዩ። (ራእ. 19:8) ስለዚ፡ ሰባት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ኪረኽቡ እንተ ደልዮም፡ ጽሬቶም ኪሕልዉ ኣለዎም።

14 ምስዚ ስርዓታት እዚ ብዚሰማማዕ መገዲ፡ ኵነታት ኣዳራሽና ምስቲ ንኻልኦት እነካፍሎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ተገደስቲ ሰባት ናብ ኣዳራሽና ንምዕዳም ናጽነት ኪስምዓና ይኽእል እዩ። እቶም ዕዱማት ድማ፡ ቅዱስ ኣምላኽ ከም እነምልኽን ድሕሪ ሓጺር እዋን ንምድሪ ኻብ ብከላ ናጻ ናብ ዝዀነት ገነት ከም ዚቕይራን ኪግንዘቡ እዮም።—ኢሳ. 6:1-3፣ ራእ. 11:18

15, 16. (ሀ) ጽሬት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምሕላው ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ግና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መደብ ጽሬት ጉባኤኹም ከመይ ይመስል፧ ነፍሲ ወከፍናኸ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧

15 ገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ብዛዕባ ጽሬት ይግደሱ እዮም። ክሳዕ ክንደይ ከተጽሪ ኸም ዘሎካ ዘለዎም ኣረኣእያ፡ ኣብ ኣተዓባብያኦም እተመርኰሰ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ጭቃን ደሮናን ኵነታት መገድን ቀረብ ማይን ናውቲ ጽሬትን እውን ኣብ ግምት ይኣቱ እዩ። ኣብቲ እንነብረሉ ኸባቢ ዘሎ ኣረኣእያ ዀነ ዅነታት ብዘየገድስ፡ እቲ እንጥቀመሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ስም የሆዋ ስለ ዚጸውርን ማእከል ንጹህ ኣምልኾ ስለ ዝዀነን፡ ብጽፈት ዝመጸ ኣብነታዊ ኪኸውን ኣለዎ።

16 ጽሬት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ዝጠዓመካ እዋን ጥራይ ዚግበር ኪኸውን የብሉን። ነፍሲ ወከፍ ኣካል ሽማግለታት፡ ቦታ ኣምልኾ እታ ጉባኤ ብዝለዓለ ጽፈት ምእንቲ ኺትሓዝ፡ መደብ ጽሬት ኬውጽእን እኹል ናውቲ ጽሬት ከም ዚህሉ ኺገብርን ኣለዎ። ገሊኡ ነገራት ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ፡ ገሊኡ ኸኣ ሓሓሊፍካ ኺጸሪ ስለ ዘለዎ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ዕሽሽ ምእንቲ ኸይብሃል፡ ጽቡቕ ምውህሃድ ኪህሉ ኣለዎ። ኵሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ነቲ መደብ ጽሬት ናይ ምድጋፍ ፍሉይ መሰል ኣለዎም።

ቦታ ኣምልኾና ኽንከናኸን ኣሎና

17, 18. (ሀ) ቦታታት ኣምልኾና ኽንከናኸን ከም ዘሎና ዚሕብር እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ኣሎ፧ (ለ) ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ብጽቡቕ መገዲ ኺትሓዝ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

17 ኣገልገልቲ የሆዋ ንቦታ ኣምልኾኦም ኪጽግንዎ ይጽዕሩ እዮም። ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካህናት ነቲ ንቤት የሆዋ እተገብረ ውጽኢት ተጠቒሞም ‘ኣብኣ እተረኽበ ንዘበለ ዅሉ ፍራሳት ኪጽግኑ’ ኣዘዞም። (2 ነገ. 12:4, 5) ልዕሊ 200 ዓመት ጸኒሑ፡ ንጉስ ዮስያስ ብተመሳሳሊ ነቲ ንቤት መቕደስ እተገብረ ውጽኢት ተጠቒሙ ኣድላዪ ጽገና ገበረ።—2 ዜና መዋእል 34:9-11 ኣንብብ።

18 ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዚርከባ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ከም ዝጸብጸባኦ፡ ሰባት ንሓደ ህንጻ ወይ ኣቕሓ ምክንኻን ቀዳምነት ኣይህብዎን እዮም። ምናልባት ኣብተን ሃገራት ዚነብሩ ሒደት ሰባት፡ ብኸመይ ጽገና ኸም ዚግበር ኣይፈልጡን ይዀኑ፣ ወይ ከኣ ነቲ ዕዮ ዚኸውን ናውቲ ኣይህልዎምን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ክንክን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዕሽሽ እንተ ተባሂሉ፡ እቲ ኣዳራሽ ኪበላሾን ነቲ ኸባቢ ጽቡቕ ምስክርነት ዘይህብን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ኣባላት ጉባኤ ንኣዳራሾም ብጽቡቕ መገዲ ንምሓዝ ኪጽዕሩ ኸለዉ፡ ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ እዩ፣ እቲ ብኣሕዋት ዚግበር ወፈያ ኸይባኽን ድማ ይሕግዝ እዩ።

ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምጽራይን ምክንኻንን፡ ዕሽሽ ኪብሃል የብሉን (ሕጡብ ጽሑፍ 16, 18 ርአ)

19. ምስቲ ንንጹህ ኣምልኾ እንጥቀመሉ ኣዳራሻት ብዚተሓሓዝ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

19 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንየሆዋ እተወፈየ ቦታ እዩ። ስለዚ፡ ሕጋዊ ስም እቲ ቦታ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ብሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ጉባኤ ዚውነን ኣይኰነን። ብመሰረት ክርስትያናዊ ስርዓታት፡ እቲ ኣዳራሽ ነቲ እተሃንጸሉ ዕላማ ጥራይ ኬገልግል ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ ክንተሓባበር ኣሎና። ኵሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ነዚ ዕላማ እዚ ኣብ ምዕዋት እጃሞም ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም፣ ነዚ ኸኣ ንቦታታት ኣምልኾ ግቡእ ኣኽብሮት ብምርኣይ፡ ንመህነጺ ሓድሽ ኣዳራሽ ዚኸውን ገንዘብ ብምውፋይ፡ ከምኡ እውን ኣዳራሽ ምእንቲ ኼጽርዩን ኪከናኸኑን ግዜኦምን ጕልበቶምን ብምሃብ ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ዚግበር ጻዕርታት ንድግፎ እንተ ዄንና፡ ልክዕ ከም የሱስ ነቲ ማእከል ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ፡ ቅንኣት ከም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 2:17

^ ሕ.ጽ. 2 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብቐንዱ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረት እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ ስርዓታት ግና ንኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ንኻልእ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ዚውዕል ህንጻታትን እውን ዚምልከት እዩ።