ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መድሓኒ የድሊ!

መድሓኒ የድሊ!

መድሓኒ የድሊ!

ኣብ ጥቓ ፒትስበርግ: ፐንሲልቫንያ: ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ መዐደኒ ኸሰል ብሃንደበት ውሕጅ ኣጥለቕለቖ። ትሽዓተ ዝዀኑ ዓደንቲ ኣብቲ 73 ሜተር ዝዕምቈቱ ትሕቲ መሬት ኣብ ዚርከብ ንእሽቶ ቦታ ተቐርቀሩ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግን ካብቲ ጕድጓድ ዋላ ሓንቲ ኸይተጐድኡ ወጹ። ብኸመይ እዮም ድሒኖም፧

እቶም ዜድሕንዎም ሰባት ብካርታታት እቲ መዐደኒ ቦታን ሓበሬታ ሳተላይትን እናተሓገዙ 65 ሰንቲ ሜተር ዝስፍሓቱ ነዃል ብምዅዓት: ናብቲ እቶም ሰባት ተቐርቂሮምሉ ዝነበረ ጕድጓድ ነዊሕን ቀጢንን ጋብያ ኣእተዉ። እቶም ዓደንቲ ኻብቲ መቓብሮም ኪኸውን ዝነበረ ጕድጓድ በቲ ጋብያ በብሓደ ወጹ። ኵሎም ከኣ ብምድሓኖም ተሓጕሶምን እፎይታ ተሰሚዕዎምን ኣመስገኑ።

መብዛሕትና ልክዕ ከምዞም ትሽዓተ ዓደንቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣይንቕርቀርን ወይ ናብ ሞት ዜብጽሕ መዓት ኣየጋጠመናን ይኸውን። ይኹን እምበር: ኵላትና ኻብቲ ኸነምልጠሉ ዘይንኽእል ሕማም: እርጋን: ከምኡውን ሞት ዜምጽኦ ሳዕቤን ክንድሕን ንደሊ ኢና። እቲ እሙን ኣበው ዝነበረ እዮብ: “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ። ከም ዕንባባ ይዕንብብ: ይጽምሉ ኸኣ: ከም ጽላሎት ይሀድም: ኣይነብርን ድማ” በለ። (እዮብ 14:1, 2) ሎሚ: ድሕሪ 3,500 ዓመት እውን እንተ ዀነ: ካብቲ ዜሕዝን መግደራ ህይወት ዝዀነ ሞት ከነምልጥ ስለ ዘይንኽእል: እዘን ቃላት እዚአን ሓቅዶ ኣይኰናን፧ ኣበይ ከም እንነብር ወይ ብኸመይ ጥዕናና ኸም እንከናኸን ብዘየገድስ: ካብ ትሕቲ ቝጽጽር መከራን እርጋንን ሞትን ዜድሕነና ንደሊ ኢና።

ተመራመርትን ካልኦት ሰባትን: ንህይወት ካብቲ ሎሚ ሰባት ዕምሪ ህይወት ኢሎም ዝሓስብዎ ንላዕሊ ዝነውሐት ኪገብሩ ኣበርቲዖም ይዓዩ እዮም። ሓደ ውድብ ተልእኾኡ: “ዘይተርፍ ሞት ንዜስዕቦ መቕዘፍቲ ምስዓር” ከምኡውን “ኣባላቱ ነቲ ሰብ ከም ዘይመውት ንምግባር ዚገብርዎ ጻዕሪ ንኺዕወት ምድጋፍ” ምዃኑ ገለጸ። ይኹን እምበር: ምዕቡል ስነ-ፍልጠትን ሓያል ቈራጽነትን ምህላዉ: ህይወት ሰብ ካብቲ ሙሴ ቕድሚ 3,500 ዓመት ዝገለጾ 70 ወይ 80 ዓመት ንላዕሊ ብዙሕ ከም እትነውሕ ኪገብር ኣይከኣለን።—መዝሙር 90:10

ነቲ እዮብ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ዝነበሮ ስምዒት ትሰማምዓሉ ወይ ኣይትሰማምዓሉ ብዘየገድስ: ዓመታት ብዝሓለፈ መጠን ንስኻ እውን ኣዕሩኽትኻ: ስድራኻ: ቤትካ: ከምኡውን ኵሉ ዕዮኻ ገዲፍካ ‘ኸም ጽላሎት ሃዲምካ’ ናብ ሞት ምኻድካ ኣይተርፍን እዩ። እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ጥበበኛ ሰሎሞን: “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ እሞ: ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን” ኢሉ ጸሓፈ።—መክብብ 9:5

እቲ ዜሕዝን ከኣ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ: ሞት ከም ጨካን ገዛኢ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ “ነጊሡ” እዩ ዘሎ። እወ: ሞት: ደቂ ሰብ መድሓኒ ዚደልይሉ ናይ መወዳእታ ጸላኢ እዩ። (ሮሜ 5:14 ትርጕም 19901 ቈረንቶስ 15:26) ህጹጽ ኵነታት ኬጋጥም ከሎ ህይወት ንምድሓን ብዚግባእ ዝሰልጠኑን እተዓጥቁን ኣብ ዓለም ዚርከቡ ሰራሕተኛታት: ነባሪ ምድሓን ኪህቡኻ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር: ፈጣሪ ወዲ ሰብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ መድሓኒ ኣዳልዩ ኣሎ።