ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ኣምላኽ ድዩ፧

የሱስ ኣምላኽ ድዩ፧

ብዙሓት ሰባት ንስላሴ፡ “ናይ ክርስትና ሃይማኖት ቀንዲ ሰረተ-እምነት” ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ብመሰረት እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ ኣምላኽ እዮም። ካርዲናል ጆን ኦኮነር ብዛዕባ ስላሴ፡ “ክሳዕ ሕጂ ኺርድኣና ዘይጀመረ፡ ዝለዓለ ምስጢር ምዃኑ ንፈልጥ ኢና” በለ። ትምህርቲ ስላሴ ንኽትርድኦ ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ዘ ኢላስትሬትድ ባይብል ዲክሽነሪ፡ ሓደ ምኽንያት ይነግረና። ብዛዕባ ስላሴ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዛዕባኡ ዚገልጽ ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይርከብ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረተ-እምነት ኣይኰነን ኪበሃል ይከኣል እዩ” ኢሉ ተኣመነ። ስላሴ ‘መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረተ-እምነት ስለ ዘይኰነ፡’ ኣመንቲ ስላሴ ንትምህርቶም ዚድግፈሎም ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ዘይፍንቅልዎ እምኒ የልቦን፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንገሊኡ ጥቕስታት ይጠውይዎ እዮም።

ብዛዕባ ስላሴ እትምህር ጥቕሲ ድያ፧

ሓንቲ ኻብተን ብዙሕ ግዜ ብጌጋ ኣብ ጥቕሚ እትውዕል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዮሃንስ 1:1 እያ። ኣብ ናይ 1956 ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትንበብ፦ “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ [ብግሪኽኛ፡ ቶን ቴኦን] ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ [ቴኦስ] ነበረ።” እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኽልተ ዓይነት እታ ቴኦስ (ኣምላኽ) እትብል ናይ ግሪኽኛ ቃል ሒዛ ኣላ። ቀቅድሚ እታ ቐዳመይቲ ቓል፡ ቶን ዚብል ናይ ግሪኽኛ ውሱን ኣመልካቲ ስለ ዚርከብ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ እታ ቴኦን እትብል ቃል ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተመልክት። ኣብታ ኻልአይቲ ግን፡ እታ ቴኦስ እትብል ቃል ውሱን ኣመልካቲ የብላን። እቲ ኣመልካቲ ብጌጋ ድዩ ኸይተጻሕፈ ተረሲዑ፧

ትምህርቲ ስላሴ ንኽትርድኦ ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ወንጌል ዮሃንስ፡ ኮይነ ወይ ሓባራዊ ግሪኽኛ ብዚበሃል ቋንቋ እዩ ተጻሒፉ፣ እቲ ቛንቋ እቲ ድማ ብዛዕባ ውሱን ኣመልካቲ ንጹር ሕግታት ኣለዎ። ኤ. ቲ. ሮበርትሰን ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ ኣብቲ ሕጊ ቛንቋ፡ እቲ ብዓል ቤትን እቲ ንዕኡ ዚገልጾን ኣመልካቲ እንተ ኣልይዎ፡ “ክልቲኡ ውሱን ይኸውን፣ ሕደ፡ ሓደ ዓይነት፡ ከምኡውን ተተኻኻኢ ኸም ዝዀነ ጌርካ ይውሰድ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ሮበርትሰን ንማቴዎስ 13:38 ከም ኣብነት ገይሩ ጠቒስዋ ኣሎ፣ እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትንበብ፦ “እታ ግራት [ብግሪኽኛ፡ ሆ ኣግሮስ] ከኣ ዓለም [ብግሪኽኛ፡ ሆ ኮስሞስ] እያ።” ብመሰረት እዚ ሰዋስው እዚ፡ እታ ዓለም እውን ግራት ምዃና ኽንርዳእ ንኽእል ኢና።

ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 1:1 እንርእዮ፡ እቲ ብዓል ቤት ውሱን ኣመልካቲ እንተ ኣልይዎ፡ እቲ ንዕኡ ዚገልጾ ቓል ግን ውሱን ኣመልካቲ እንተ ዘይብሉኸ፧ ጄምስ ኣለን ሀዊት ዚበሃል ምሁር ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸም ኣብነት ብምጥቃስ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሰራርዓ ቓላት፡ እቲ ብዓል ቤትን እቲ ንዕኡ ዚገልጾ ቓልን ሕደ፡ ማዕረ፡ ሓደ ዓይነት፡ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ኣይኰኑን።”

ሀዊት ነዚ ጕዳይ እዚ ንምብራህ፡ 1 ዮሃንስ 1:5 ተጠቕመ፣ እታ ጥቕሲ፡ “እግዚኣብሔር ብርሃን እዩ” ትብል። (ትርጕም 1990) ኣብ ግሪኽኛ፡ እታ “እግዚኣብሔር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል ሆ ቴኦስ እትብል ስለ ዝዀነት፡ ውሱን ኣመልካቲ ኣለዋ። እታ “ብርሃን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ፎስ እትብል ቃል ግን፡ ኣመልካቲ የብላን። ሀዊት ከምዚ ኢሉ ገለጸ፦ “ኣምላኽ ወትሩ . . . ብብርሃን ኪግለጽ ይከኣል እዩ፣ ብዛዕባ ብርሃን ግን ወትሩ ኣምላኽ እዩ ኺበሃል ኣይከኣልን እዩ።” ኣብ ዮሃንስ 4:24 ዚርከብ፡ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ” ዚብል ቃላት ኰነ ኣብ 1 ዮሃንስ 4:16 ዚርከብ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብል ቃላት እውን ተመሳሳሊ ኣብነታት እዩ። ኣብ ክልቲአን እዘን ጥቕስታት እዚኣተን፡ እቲ ብዓል ቤት ውሱን ኣመልካቲ ኣለዎ፣ እቲ ንዕኡ ዚገልጾ “መንፈስ” ከምኡውን “ፍቕሪ” ዚብል ቃላት ግን ኣመልካቲ የብሉን። ስለዚ፡ እቲ ብዓል ቤትን እቲ ንዕኡ ዚገልጾ ቓላትን ተተኻኻኢ ኣይኰነን። እዘን ጥቕስታት እዚኣተን፡ “መንፈስ ኣምላኽ እዩ” ወይ “ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ” ዚብል ሓሳብ የብለንን።

“ቃል” መን እዩ፧

ብዙሓት ምሁራት ግሪኽኛን ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ዮሃንስ 1:1 ንመንነት “ቃል” ዘይኰነስ፡ ንባህርዩ ኸም እትገልጽ ይኣምኑሉ እዮም። ዊልያም ባርክለይ ዚበሃል ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ በለ፦ “[ሃዋርያ ዮሃንስ] ኣብ ቅድሚ እታ ቴኦስ እትብል ቃል ውሱን ኣመልካቲ ስለ ዘየእተወ፡ እታ ቓል መግለጺ እያ እትኸውን። . . . ዮሃንስ ኣብዚ ንቓል ምስ ኣምላኽ ሕደ ኣይኰነን ዚገብሮ ነይሩ። ብሓጺሩ፡ የሱስ ኣምላኽ እዩ ኣይበለን።” ጄሰን ዴቪድ በዱን ዚበሃል ምሁር እውን፡ ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 1:1ሐ ተራእዩ ዘሎ፡ ኣብ ግሪኽኛ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ቴኦስ እትብል ቃል ኣመልካቲ እንተ ዘየእቲኻ፡ ኣንበብቲ ንሓደ መለኮት ከም እተመልክት ገይሮም ከም ዚወስድዎ ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ቴኦስ እትብል ቃል ውሱን ኣመልካቲ እንተ ዘይብላ፡ ካብታ ሆ ቴኦስ እትብል ንውሱን እተመልክት ቃል ኣጸቢቓ እያ እትፍለ። . . . ኣብ ዮሃንስ 1:1፡ እቲ ቓል ሓደ በይኑ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ የግዳስ . . . መለኮት እዩ” በለ። ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን ኣብ ምስንዳው ዝዓየየ ጆሴፍ ሄንሪ ታየር ዚበሃል ምሁር፡ “እቲ ሎጎስ [ወይ ቃል] መለኮት ደኣ እምበር፡ ባዕሉ እቲ ቐንዲ መለኮት ኣይነበረን” በለ።

የሱስ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣቦኡን ንጹር ፍልልይ ገበረ

መንነት ኣምላኽ “ዝለዓለ ምስጢር” ኪኸውን ይግባእዶ፧ የሱስ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኣይነበሮን። ናብ ኣቦኡ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ብምባል ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣቦኡን ንጹር ፍልልይ ገበረ። (ዮሃንስ 17:3) ንየሱስ ንኣምኖን ነቲ ንጹር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንቕበሎን እንተ ዄንና፡ ንየሱስ ከም ሓደ መለኮታዊ ወዲ ኣምላኽ መጠን ኣኽቢርና ንርእዮ ኢና። ንየሆዋ ኸኣ ‘ኣምላኽ ሓቂ ንሱ በይኑ’ ኸም ዝዀነ ጌርና ነምልኾ ኢና።