ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ካብ ኣኽራን፡ ነሓሲ ኽትኵዕት ኢኻ’

‘ካብ ኣኽራን፡ ነሓሲ ኽትኵዕት ኢኻ’

ኣባላት ሓንቲ ጕጅለ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ኣብ በረኻታት ይሁዳ ኣብ ዚርከብ ስንጭሮታትን በዓትታትን የናድዩ ነበሩ። ኣብ ነዊሕ ጸድፊ ኣብ ዚርከብ በዓቲ ድማ በጽሑ። እሞኸ ኣብቲ በዓቲ፡ ኣዝዩ ኽቡር ነገራት፡ ምናልባት እውን ጥንቲ ዝነበረ ኢደ ስራሓት ወይ ከኣ ምስቲ ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ዓይነት ጥቕላላት ዚመሳሰል ኢደ ጽሑፋት ይረኽቡ ደዀን ይዀኑ፧ እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብቲ ጸኒሑ ናሓል ሚሽማር ተባሂሉ እተጸውዐ ቦታ፡ ከም ክቡር መዝገብ ኪቝጸር ዚኽእል ብዙሕ ነገራት ምስ ረኸቡ፡ ኣዝዮም እዮም ተደኒቖም።

እቲ ተንኮበት ብዚመስል መጠቕለሊ ተጠቕሊሉ ኣብ ነቓዕ ከውሒ ተሓቢኡ ዝነበረ ኽቡር ነገራት፡ ኣብ መጋቢት 1961 እዩ ተረኺቡ፣ ልዕሊ 400 ዚኸውን ብነሓሲ እተሰርሐ ነገራት ዝሓዘ ድማ እዩ ነይሩ። ገለ ኻብኡ ኸኣ፡ እተፈላለየ ዓይነት ዘውድን ዘንግን ንዋትን ኣጽዋርን እዩ ነይሩ። ኣብ ዘፍጥረት 4:22፡ ቱባል-ቃይን፡ “ካብ ኣስራዝን [ወይ ነሓስን] ሓጺንን ኵሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ” ስለ ዚብል፡ እቲ ርኽበት ንኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ የገድሶም እዩ።

ንምንጭን ድሕረ ባይታን እቲ ኽቡር መዝገብ ዚምልከት፡ ዘይተመለሰ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ርኽበት፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ቦታታት፡ ነሓሲ ምዕዳንን ምምካኽን ምቕራጽን ይፍለጥ ምንባሩ ዚሕብር እዩ።

ነሓሲ ዝነበሮ ቦታታት ምድሪ ተስፋ

እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ቝሩብ ምስ ተረፎም፡ ሙሴ፡ እታ ዚኣትዉዋ ምድሪ፡ “ካብ ኣኽራና . . . ኣስራዚ [ወይ ነሓሲ] እትዅዕተላ ምድሪ” ኸም ዝዀነት ነገሮም። (ዘዳግም 8:7-9) ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣብ እስራኤልን ኣብ ዮርዳኖስን፡ ከም ፊናንን ቲምናን ኪርባት ኢን-ናሓስን ዝኣመሰለ ማዕድናት ዚዕደነሉን ኣምኪኽካ ዚስርሓሉን ዝነበረ ሓያሎ ቦታታት ረኺቦም እዮም። እዚ ቦታታት እዚ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

ኣብ ፊናንን ቲምናን ዚርከብ ቦታታት፡ ዕምቈት ብዘይብሉ ጐዳጕዲ ዝመልአ እዩ ነይሩ፣ ዓደንቲ ድማ ካብዚ ቦታ እዚ፡ እንተ ወሓደ ን2,000 ዓመት ነሓሲ ይዕድኑ ነይሮም እዮም። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ሓደ በጻሒ ኣብቲ ቦታታት ኪኸይድ ከሎ፡ ቀጠልያ ነጠብጣብን ነሓስን ዘለዎ እተሰባበረ ኣእማን ተበታቲኑ ኺርኢ ይኽእል እዩ። እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ዓደንቲ፡ ብመንደል ገይሮም ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣእማን ዚርከብ ነሓሲ እናጸረቡ የውጽእዎ ነበሩ። እዚ እናነከየ ምስ ከደ ግና፡ ብሓጺን ተጠቒሞም ኣዕሚቖም ብምዅዓት፡ ነቲ በዓትታት ኰነ ነቲ ዓሚቝ ጐዳጕድን ገለርያታትን ኣስፍሕዎ። ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እዮብ፡ ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ዕዮ ዚገልጽ ሓሳብ ኣሎ። (እዮብ 28:2-11) እቲ ዕዮ ኣድካሚ እዩ ነይሩ፣ ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ እዮም ሮማውያን ካብ ሳልሳይ ክሳዕ ሓምሻይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ነቶም ኣሸገርቲ ገበነኛታትን ንኻልኦት እሱራትን ናብቲ ኣብ ፊናን ዝነበረ መዐደኒ ነሓሲ ዚልእክዎም ዝነበሩ።

ኣብ ኪርባት ኢን-ናሓስ (ማለት “ዑና ነሓሲ”)፡ እተዀመረ ሓተላ ነሓሲ ተረኺቡ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ኸባቢ፡ ብኢንዱስትሪያዊ ደረጃ ዚዓዪ መምከኺ ነሓሲ ኸም ዝነበረ ዚሕብር  እዩ። ምሁራት፡ ካብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ከም ፊናንን ቲምናን ዝኣመሰለ ቦታታት መዐደኒ፡ ዘይተጻረየ ማዕድን ይመጽእ ከም ዝነበረ እዮም ዚኣምኑ። ነቲ ነሓሲ ኻብቲ ዘይተጻረየ ማዕድን ንምፍላይ ድማ፡ ካብ ሸሞንተ ኽሳዕ ዓሰርተ ሰዓት፡ ብመናፍሕ ገይሮም ነቲ ፈሓም 1,200 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ክሳዕ ዚበጽሕ የጕህርዎ ነበሩ። መብዛሕትኡ እዋን ካብ 5 ኪሎ ግራም ዘይተጻረየ ማዕድን፡ እተፈላለየ ነገራት ኪስርሖ ዚኽእል 1 ኪሎ ግራም ጽሩይ ነሓሲ እዩ ዚወጽእ ነይሩ።

ኣጠቓቕማ ነሓሲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል

ኣብ ከረን ሲና፡ የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ነቲ ኣንጸባራቒ ሓጺን ዝዀነ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ነሓሲ፡ ነታ ማሕደር ኣብ ምስራሕ ኪጥቀሙሉ ኣዚዙ ነይሩ እዩ፣ እታ ጸኒሓ ኣብ የሩሳሌም እተሃንጸት ቤተ መቕደስ እውን ብተመሳሳሊ ንድፊ እያ ተሰሪሓ። (ዘጸኣት ምዕራፍ 27) እስራኤላውያን ቅድሚ ናብ ግብጺ ምኻዶም ወይ ከኣ ኣብኡ ኸለዉ፡ ብዛዕባ ማሕጐዳ ይፈልጡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ኻብ ግብጺ ዝወጹሉ እዋን፡ ወርቂ ምራኽ ብኸመይ ከም ዚስራሕ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ነቲ ንኣገልግሎት ማሕደር ዚኸውን ከም ገበራን ዕትሮን መቝሎን ባዴላን ሻኳን ዝኣመሰለ ብዙሕ ኣቕሑ ነሓሲ እውን ሰሪሖም እዮም።—ዘጸኣት 32:4

እስራኤላውያን ጸኒሖም ኣብ በረኻ ኺጓዓዙ ኸለዉ፡ ኣብቲ ነሓሲ ብብዝሒ ዚርከቦ ኸባቢ ፑኖን (ሎሚ ዘመናዊት ፊናን) ምስ በጽሑ፡ ብዛዕባ ማናን ማይን ኣጕረምረሙ። የሆዋ ድማ ንኪቐጽዖም ኢሉ መርዛማት ኣትማን ለኣኸ፣ ብዙሓት ከኣ ሞቱ። እስራኤላውያን ካብ ሓጢኣቶም ምስ ተነስሑ ግና፡ ሙሴ ለመነሎም፣ የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ ብነሓሲ ገይሩ ቕርጺ ተመን ንኺሰርሕን ኣብ ባላ ንኺሰቕሎን ነገሮ። እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ “ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ [ወይ ነሓሲ] ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ።”—ዘሁልቍ 21:4-10፣ 33:43

ነሓሲ ንጉስ ሰሎሞን

መብዛሕትኡ ኽፋላት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ፡ ብነሓሲ እዩ ተሰሪሑ

ንጉስ ሰሎሞን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ንምምልካዕ፡ ብዙሕ ነሓሲ ተጠቕመ። መብዛሕትኡ እቲ ነሓሲ፡ ኣቦኡ ንጉስ ዳዊት ንሶርያውያን ስዒሩ ዘምጸኦ እዩ ነይሩ። (1 ዜና መዋእል 18:6-8) እቲ ኻህናት ንምሕጻብ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኻብ ነሓሲ እተሰርሐ “ፍሲ ባሕሪ፡” 66,000 ሊትሮ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ነበሮ፣ ክብደቱ ድማ 30 ቶን እዩ ነይሩ። (1 ነገስት 7:23-26, 44-46) ኣብ መእተዊ እቲ ቤተ መቕደስ እውን፡ ክልተ ብነሓሲ እተሰርሐ ዓበይቲ ዓንድታት ነይሩ እዩ። ቍመቱ 8 ሜተር እዩ ነይሩ፣ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፉ ድማ 2.2 ሜተር ዝንውሓቱ ጕልላት ነበሮ። ውሽጡ ጥርሑ ዀይኑ፡ 7.5 ሰንቲ ሜተር ዝምርጓዱን 1.7 ሜተር ዝዙርያኡን እዩ ነይሩ። (1 ነገስት 7:15, 16፣ 2 ዜና መዋእል 4:17) እቲ ነዚ ናውቲ ቤተ መቕደስ ጥራይ ንምስራሕ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ መጠን ነሓሲ፡ ኣዝዩ ዜደንጹ እዩ ነይሩ።

ነሓሲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ነሓሲ ብዛዕባ እተሰርሐ ኣጽዋርን ሰንሰለትን መሳርሒታት ሙዚቃን መዓጹን ተጠቒሱ ንረክብ ኢና። (1 ሳሙኤል 17:5, 6፣ 2 ነገስት 25:7፣ 1 ዜና መዋእል 15:19፣ መዝሙር 107:16) የሱስ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅናውቲ ዚተሓዝ ሰልዲ “ነሓሲ” ገሊጹ ነይሩ እዩ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ፡ ን“እስክንድሮስ እቲ ኣንጠረኛ ነሓሲ” ጠቒሱ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 10:9፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:14

ተመራመርቲ ስነ ጥንትን ናይ ታሪኽ ምሁራትን፡ ብዛዕባ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ዝነበረ ብዙሕ ነሓሲ ኸምኡውን ብዛዕባ ምስጢር ናሓል ሚሽማር ኪምልስዎ ዘለዎም ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ መዛግብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜረጋግጾ፡ ሓደ ሓቂ ኣሎ፣ እታ እስራኤላውያን ዝወረሱዋ ምድሪ፡ “ጽብቕቲ ምድሪ፡ . . . ካብ ኣኽራና ድማ ኣስራዚ እትዅዕተላ ምድሪ” እያ ነይራ።—ዘዳግም 8:7-9