ግምቢ ዘብዐኛ ታሕሳስ 2014 | ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ

ኣምላኽ ካባኻ ኣዝዩ ዝረሓቐ ወይ ዘይቅረብ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክትምስርት ዚከኣል እንተ ዀይኑ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧

ገበር

ንኣምላኽ ዝቐረብካዮ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣምላኽ ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ኸም ዚርእዮም እዮም ዚኣምኑ።

ገበር

ንስም ኣምላኽ ትፈልጦን ትጥቀመሉን ዲኻ፧

ኣምላኽ፡ “ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ” ብምባል ተላልዩካ ኣሎ።

ገበር

ምስ ኣምላኽ ትዘራረብ ዲኻ፧

ንኣምላኽ ብጸሎት ኣቢልና ንዛረቦ ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ንዕኡኸ ብኸመይ ክንሰምዖ ንኽእል፧

ገበር

ኣምላኽ ክትገብሮ ዚደልየካ ትገብር ዲኻ፧

ንኣምላኽ ክትእዘዞ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ዓርኩ ንምዃን ግና ካብኡ ንላዕሊ ኽትገብር ኣሎካ።

ገበር

ካብዚ ዚበልጽ ህይወት የልቦን

ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንኽትምስርት ኪሕግዘካ ዚኽእል ሰለስተ ነጥብታት።

ቲምጋድ—ምስጢራ እተቐልዐ እተቐብረት ከተማ

ጥንታውያን ሮማውያን ምስቶም ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዚነብሩ ዘላን ቀቢላታት ሰላም ንምግባር፡ ሓደ ውዲት ተጠቕሙ።

ሕቶታት ኣንበብትና

ብዛዕባ በዓል ልደት እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

መበቆል ልምድታት በዓል ልደት የገርመካ ይኸውን።

‘ምስትውዓል ንሰብ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ’

ኣብ ህይወት እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ክትብደል ወይ ክትቍጣዕ ከለኻ፡ ስምዒትካ ንኽትቈጻጸር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ገንዘብ ክልቃሕዶ፧

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ጥበብ፡ ንኽትውስን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምካ ልቢ ውሉዳትካ ኽትትንክፍ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧