ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ምስትውዓል ንሰብ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ’

‘ምስትውዓል ንሰብ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ’

ኣብ ሓደ ኮለጅ ዜሰልጥን ኣሰልጣኒ ዅዕሶ ሰኪዐት፡ ብሰንኪ ኽቱር ቍጥዓ ተሰጕጐ።

ሓደ ቘልዓ፡ ዝደለዮ ስለ ዘይተገብረሉ፡ ኣመና ተቘጥዐ።

ሓንቲ ኣደ፡ ወዳ ንኽፍሉ ጋሕመጥመጥ ስለ ዘበሎ ብቝጥዓ ተቛየቘቶ።

ኵላትና፡ ሰባት ኪቝጥዑ ኸለዉ ርኢና ኢና፣ ንሕና እውን እንተ ዀንና፡ ኣዚና ዝሓረቕናሉ እዋን ኪህሉ ይኽእል እዩ። ንቝጥዓ፡ ገንፊሉ ኺወጽእ ከም ዘይብሉ ኣሉታዊ ስምዒት ጌርና እኳ እንተ ረኣናዮ፡ ብፍላይ ሓደ ሰብ ዘይፍትሓዊ ነገር ከም ዝገበረ ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ መብዛሕትኡ እዋን ንኽንቍጣዕ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘሎና ጌርና ንሓስብ ንኸውን። ብማሕበር ስነ ኣእምሮ ኣመሪካ እተዳለወት ዓንቀጽ እውን እንተ ዀነት፡ “ቍጥዓ፡ ንቡርን ጥዑይን ሰብኣዊ ስምዒት እዩ” ዚብል ርእይቶ ሂባ እያ።

ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ፡ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፎ ኸነረኣእዮ ኸለና፡ ቅኑዕ ኪመስል ይኽእል እዩ። ጳውሎስ፡ ሰባት ዚቝጥዑሉ እዋን ከም ዘሎ ኺገልጽ ከሎ፡ “ተቘጥዑ፡ ግናኸ ኣይትሕጥኡ፣ ተቘጢዕኩም ከለኹም፡ ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” በለ። (ኤፌሶን 4:26) እሞኸ ንቝጥዓና ኽንድሕድሖ ድዩ ዚግብኣና ወይስ ክንቈጻጸሮ፧

ክትቍጣዕ ይግብኣካዶ፧

ጳውሎስ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምኽሪ ኺህብ ከሎ፡ ምናልባት ነቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝጸሓፎ፡ “ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ” ዚብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መዝሙር 4:4) ኰይኑ ግና፡ ዕላማ እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ማዕዳ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ይርሓቕ” በለ። (ኤፌሶን 4:31) ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ ቍጥዓኦም ኪቈጻጸሩ እዩ ዜተባብዖም ነይሩ። እቲ ዜገርም፡ እታ ብማሕበር ስነ ኣእምሮ ኣመሪካ እተዳለወት ዓንቀጽ ቀጺላ፡ “ምርምር ከም ዚሕብሮ፡ ቍጥዓካ ‘ምድሕዳሕ፡’ ብዝያዳ ኸም እትቝጣዕን ጐዳኢ ነገር ከም እትገብርን እዩ ዚገብረካ፣ . . . ነቲ ዅነታት ንኽትፈትሖ ኣይሕግዘካን እዩ” በለት።

ካብ ቍጥዓን ካብ ሳዕቤኑን ‘ክንርሕቕ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን፡ “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ [“ንቝጥዓ፡” NW] ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 19:11) እሞኸ ሓደ ሰብ ኪቝጣዕ ከሎ፡ ‘ምስትውዓል’ ኪሕግዞ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ምስትውዓል ብኸመይ ንቝጥዓ ደንጓዪ ኸም ዚገብረካ

ምስትውዓል፡ ንሓደ ዅነታት ብዕምቈት ናይ ምርኣይ ክእለት እዩ። ንሓደ ጕዳይ ብላዕለ ላዕሉ ዘይኰነስ፡ ውሽጡ ምርዳእ  እውን ዜጠቓልል እዩ። እሞኸ ሓደ ሰብ ኪብደል ከሎ ወይ ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ምስትውዓል ዚሕግዞ ብኸመይ እዩ፧

ዘይፍትሓዊ ነገር ኪፍጸም ክንርኢ ኸለና፡ ንቝጣዕ ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ብስምዒት ተደፊእና ንሓርቕ እንተ ዄንና፡ ገዛእ ርእስና ወይ ካልእ ሰብ ክንጐድእ ንኽእል ኢና። ልክዕ ከምቲ ቝጽጽር ዘይተገብረሉ ባርዕ ንሓደ ቤት ኬዕንዎ ዚኽእል፡ ቍጥዓ እውን ንስምናን ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብውሽጥና ንቝጣዕ ከም ዘለና እንተ ተሰሚዑና፡ ነቲ ዅነታት ኣዕሚቝና ንሕሰበሉ። ነቲ ዚኸውን ዘሎ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ምጽዓርና፡ ስምዒትና ንኽንቈጻጸር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ሓደ እዋን፡ እቲ ኣቦ ሰሎሞን ዝነበረ ንጉስ ዳዊት፡ ምስ ሓደ ናባል ዚብሃል ሰብኣይ ብዚተሓሓዝ፡ ኣብ ደም ካብ ምእታው ንስክላ እዩ ኣምሊጡ፣ ከምኡ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ዳዊት ነቲ ዅነታት ብዕምቈት ንኺርእዮ ዜኽእሎ ሓገዝ ስለ ዝረኸበ እዩ። ዳዊትን ሰቡን ነተን ኣብ በረኻ ይሁዳ ዝነበራ ኣባጊዕ ናባል ሓልዮምወን እዮም። እተን ኣባጊዕ ዚቕምቀማሉ እዋን ምስ በጽሐ ድማ፡ ዳዊት ንናባል፡ እተወሰነ እኽለ ማይ ኪህቦ ሓተቶ። ናባል ግና፡ “እንጌራይን ማየይን እቲ ንቘረጽቲ ኣባጊዔይ ኢለ ዝሐረድክዎ ሕሩደይን ወሲደስ፡ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህቦም እየ፧” ኢሉ መለሰ። ከመይ ዝበልዎ ውርደት ኰን እዩ! ዳዊት ንቓላት ናባል ምስ ሰምዐ፡ 400 ሰብኡት ሒዙ ብምኻድ፡ ንናባልን ንቤቱን ኬጥፍኦም ተበገሰ።—1 ሳሙኤል 25:4-13

ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገራት ምስ ፈለጠት፡ ናብ ዳዊት ከደት። ምስ ዳዊትን ሰቡን ምስ ተራኸበት ድማ፡ ኣብ እግሪ ዳዊት ወዲቓ፡ “በጃኻ፡ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ትዛረብ፡ ዘረባ ገረድካውን ስማዕ” ኢላ ለመነቶ። ድሕሪኡ፡ ናባል ዓሻ ምዃኑ፡ ዳዊት ከኣ ሕነ እንተ ፈድዩን ደም እንተ ኣፍሲሱን ጸኒሑ ኸም ዜጣዕሶ ነገረቶ።—1 ሳሙኤል 25:24-31

እቲ ነቲ ዅነታት ዘህድኦ ቓላት ኣቢጋይል፡ ንዳዊት እንታይ ከም ዘስተውዕል እዩ ገይርዎ፧ ቀዳማይ፡ ናባል ብባህርዩ ዓሻ ኸም ዝዀነ ተገንዘበ፣ ካልኣይ ከኣ፡ ሕነ እንተ ፈድዩ፡ ኣብ ደም ምፍሳስ ከም ዚኣቱ ተረድአ። ንዓኻ እውን ልክዕ ከም ዳዊት፡ ዜሕርቕ ኵነታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። እሞኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዚግብኣካ፧ ማዮ ክሊኒክ ንቝጥዓ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ ኣብ ዚገልጽ ጽሑፉ፡ “ንእተወሰነ እዋን ኣዕሚቝካ ኣስተንፍስ፣ ካብ ሓደ ኽሳዕ ዓሰርተ ኸኣ ቍጸር” ይብል። እወ፡ ብዛዕባ ጠንቂ እቲ ጸገምን ብዛዕባ እቲ ስጕምትኻ ኼስዕቦ ዚኽእል ሳዕቤንን ሕሰብ። ምስትውዓል፡ ንቝጥዓ ደንጋዪ ንኽትከውን፡ ካብኡ ሓሊፍካ እውን ምሉእ ብምሉእ ንኸተወግዶ ኺሕግዘካ ፍቐደሉ።—1 ሳሙኤል 25:32-35

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ንቝጥዓኦም ምእንቲ ኺቈጻጸርዎ፡ ሓገዝ ረኺቦም እዮም። ሰባስትያን ዝስሙ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ፖላንድ ተኣሲሩ ኸሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዐ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንቝጥዓኡ ኺቈጻጸሮ ኸኣለ። “ፈለማ ብዛዕባ እቲ ጸገም እሓስብ። ድሕሪኡ፡ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክትግብሮ እጽዕር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝበለጸ መምርሒ ዚህብ መጽሓፍ ኰይኑ እየ ረኺበዮ” በለ።

ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባር፡ ንቝጥዓኻ ምእንቲ ኽትቈጻጸሮ ኺሕግዘካ ይኽእል

ሴትሱኦ እውን፡ ተመሳሳሊ ሜላ እዩ ተጠቒሙ። ከምዚ በለ፦ “ኣብ ስራሕ ከለኹ፡ ሰባት እንተ ኣሕሪቖምኒ እጭድረሎም ነበርኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘጽንዕ ንነጀው ግና፡ ኣብ ክንዲ ተቐዳዲመ ዝጭድር፡ ‘ቀደሙ እውን እኮ መን ድዩ ጌገኛ፧ ጠንቂ እቲ ጸገም ኣነ ደይኰንኩን፧’ ኢለ ንርእሰይ እሓትታ።” ሴትሱኦ ኸምኡ ኢሉ ስለ ዚሓስብ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ኪኸውን ከኣለ፣ ነቲ ኣብ ልቡ ዚፈልሕ ሓያል ስምዒት እውን ኪቈጻጸሮ ኸኣለ።

ቍጥዓ ኣዝዩ ሓያል ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ ግና ካብኡ ንላዕሊ ይሕይል። ስለዚ፡ ነቲ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ትትግብሮን ምእንቲ ኺሕግዘካ ናብ ኣምላኽ ትጽልን እንተ ዄንካ፡ ምስትውዓል ንቝጥዓ ደንጓዪ ንኽትከውን ወይ ንቝጥዓኻ ንኽትቈጻጸሮ ኺሕግዘካ እዩ።