ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልሲ ንኽረክብ ዝነበረኒ ጽምኢ ኣርወየለይ

ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልሲ ንኽረክብ ዝነበረኒ ጽምኢ ኣርወየለይ
  • ዓመተ ልደት: 1987

  • መበቈል ሃገር: ኣዘርባጃን

  • ታሪኽ: ኣስላማይ ኣቦን ኣይሁዳዊት ኣደን

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ባኩ፡ ኣዘርባጃን እየ ተወሊደ፣ ካብ ክልተ ውሉዳት ድማ፡ ኣነ እታ ሕሳስ ልደ እየ ነይረ። ኣቦይ ሰዓቢ እምነት ምስልምና እዩ ነይሩ፣ ኣደይ ግና ኣይሁዳዊት እያ ነይራ። ወለደይ ኣዝዮም ይፋቐሩ ብምንባሮም፡ ነቲ ዝነበሮም ናይ እምነት ፍልልይ ተቐበልዎ። ኣቦይ ኣብ እዋን ሮመዳን ኪጸውም ከሎ፡ ኣደይ እውን በዓል ፋስጋ ኸተብዕል ከላ ንሓድሕዶም ይደጋገፉ ነበሩ። ኣብ ቤትና ቝርኣን፡ ቶራህ (ሕጊ ሙሴ)፡ ከምኡ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ነበረና።

ንገዛእ ርእሰይ ከም ኣማኒት ምስልምና እየ ዝቘጽራ ነይረ። ዋላ እኳ ብህላወ ኣምላኽ ዘይጠራጠር እንተ ነበርኩ፡ ዜጨንቐኒ ሕቶታት ግና ነይሩኒ እዩ። ‘ኣምላኽ ንሰባት ዝፈጠሮም ስለምንታይ እዩ፧ ሰባት ኣብ ምሉእ ህይወቶም መከራ ኸም ዜሕልፉን ምስ ሞቱ ድማ ኣብ ገሃነም ከም ዚሳቐዩን ዚገብር ስለምንታይ እዩ፧’ ዚብል ሕቶታት የተሓሳስበኒ ነበረ። ሰባት፡ ኵሉ ዜጋጥም ነገራት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዚዛረቡ፡ ‘ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ጸገማት ኣምጺኡሎም ክነሱ፡ ስቓዮም እናረኣየ ይሕጐስ ማለት ድዩ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ።

ጓል 12 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ናማዝ—ኣመንቲ ምስልምና ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ግዜ ዚገብርዎ ስግደት—ክሰግድ ጀመርኩ። ኣጋ ሽዑ ኣቢሉ፡ ኣቦይ ንዓይን ንሓብተይን ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይሁድ ኣእተወና። ገለ ኻብቲ እንመሃሮ ዝነበርና ዓይነት ትምህርቲ፡ ልምድታት ቶራህን ቋንቋ እብራይስጥን እዩ ነይሩ። ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማርና፡ መዓልታዊ ኸም ልምዲ ኣይሁድ ጌርና ንጽሊ ነበረና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንግሆ ኣብ ቤተይ ናማዝ እሰግድ፡ ጸኒሐ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ናይ ኣይሁድ ጸሎት እሳተፍ ነበርኩ።

ንሕቶታተይ ዚኸውን ርትዓዊ መልሲ ንኽረክብ ሓያል ባህጊ እዩ ነይሩኒ። ነቶም ኣብ ቤት ትምህርትና ዝነበሩ ረቢታት፡ “ኣምላኽ ንሰባት ዝፈጠሮም ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ነቲ ኣማኒ ምስልምና ዝዀነ ኣቦይ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ ኣቦይ ሕያዋይ ሰብ ክነሱ፡ ስለምንታይ እዩ ኸም ዘይንጹህ ዚቑጸር፧ ኣምላኽ ንኣቦይ ዝፈጠሮኸ ስለምንታይ እዩ፧” ኢለ ብተደጋጋሚ እሓትቶም እኳ እንተ ነበርኩ፡ እቲ ዝሃቡኒ ሒደት መልስታት ግና ዘይርትዓውን ዘየእምንን እዩ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ብ2002 እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረኒ እምነት ደኸመ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናብ ጀርመን ገዓዝና፣ ኣብኡ ሓደ ሰሙን ጥራይ ምስ ጸናሕና ግና፡ ኣቦይ ብሰንኪ ወቕዒ ሃለዋቱ ኣጥፍአ። ንዓመታት ዚኣክል ብዛዕባ ጥዕናን ድሕንነትን ስድራ ቤተይ ጸልየ እየ። ኣብ ልዕሊ ህይወትን ሞትን ሓይሊ ዘለዎ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኢለ እኣምን ብምንባረይ፡ መዓልታዊ ምእንቲ ህይወት ኣቦይ እልምን ነበርኩ። ‘ኣምላኽ ንልባዊ ድሌት ሓንቲ ንእሽቶ ቘልዓ ኺፍጽም ቀሊል እዩ’ ኢለ ኸኣ እየ ዝሓስብ ነይረ። ኣምላኽ ንልመናይ ከም ዚምልሶ ርግጸኛ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣቦይ ግና ሞተ።

ኣምላኽ ዘይግደስ ኰይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ኣዝየ ተደቘስኩ። ‘ወይ ብግጉይ መገዲ እየ ዚጽሊ ዘለኹ፡ ወይ ድማ ኣምላኽ ዘየለ ኪኸውን ኣለዎ’ ኢለ ሓሰብኩ። እቲ ዅነታት ስለ ዘደንጸወኒ፡ ድሕሪኡ ናማዝ ክሰግድ ኣይከኣልኩን። ካልኦት ሃይማኖታት እውን ትርጕም ስለ ዝሰኣንኩለን፡ ‘ኣምላኽ የለን’ ኣብ ዚብል መደምደምታ በጻሕኩ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትና መጹ። ንክርስትና ኽብ ኣቢልና ንርእዮ ስለ ዘይነበርና፡ ኣነን ሓብተይን ንሳቶም ከም እተጋገዩ ብትሕትና ኸነርእዮም ደለና። ስለዚ ድማ፡ “ንየሱስን ንማርያምን ንኻልኦት ኣማልኽትን ምምላኽ ምስቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዚጋጮ ኽነሱ፡ ክርስትያናት ከምኡ ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧” ኢልና ሓተትናዮም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጣኦት ከምልኹ ኸም ዘይብሎምን ጸሎት ድማ ናብ ኣምላኽ ጥራይ ኪቐርብ ከም ዘለዎን ዜእምን መርትዖ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣርኣዩና፡ ኣዝየ ተገረምኩ።

ድሕሪኡ፡ “ብዛዕባ ስላሴኸ፧ የሱስ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ ምድሪ ዚነብርን ብደቂ ሰብ ዚቕተልን፧” ኢልና ሓተትናዮም። ንሳቶም ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ወይ እውን ማዕሪኡ ኸም ዘይኰነ ኣርኣዩና። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ስላሴ ኸም ዘይኣምኑ ገለጹልና። በዚ ኣዝየ ስለ እተገረምኩ፡ ‘እዚኣቶምሲ ስግንጢር ክርስትያናት እዮም’ ኢለ ሓሰብኩ።

ገና እውን፡ ሰባት ስለምንታይ ከም ዚሞቱ ኸምኡ እውን ኣምላኽ ስለምንታይ ስቓይ ከም ዘፍቀደ ኽፈልጥ ደለኹ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንዅሉ ሕቶታተይ እትምልስ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት * ዘርእስታ መጽሓፍ ኣርኣዩኒ። ብኡብኡ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩለይ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ፡ ንዝሓትቶ ዝነበርኩ ሕቶታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ርትዓዊ መልስታት እረክብ ነበርኩ። ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ ኸም ዝዀነ ኸኣ ፈለጥኩ። (መዝሙር 83:18NW) ቀንዲ ባህርዩ ድማ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ እያ። (1 ዮሃንስ 4:8) ኣምላኽ ንሰባት ዝፈጠሮም፡ ውህበት ህይወት ኬካፍሎም ስለ ዝደለየ እዩ። ኣምላኽ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኪህሉ እኳ እንተ ፈቐደ፡ ነዚ ኸም ዚፍንፍኖን ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ድማ ንዘለኣለም ኬወግዶ ምዃኑን ተረዳእኩ። ኣዳምን ሄዋንን ምዕላዎም፡ ንደቂ ሰብ ጐዳኢ ሳዕቤን ከም ዘምጸኣሎም ተመሃርኩ። (ሮሜ 5:12) ሞት እነፍቅሮም ሰባት፡ እንተላይ ሞት ኣቦይ፡ ገለ ኻብቲ ሳዕቤናት ምዃኑ ተረዳእኩ። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ኵነታት ኬጥፍኦ እዩ፣ ሽዑ ምዉታት ኪትንስኡ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልሲ ኽረክብ ንዝነበረኒ ጽምኢ ኣርወየለይ። ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ኣብ ኣምላኽ ክኣምን ጀመርኩ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ እናፈለጥክዎም ምስ ከድኩ፡ ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት ምዃኖም ተገንዘብኩ። በቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍቕርን ሓድነትን ከኣ ተመሰጥኩ። (ዮሃንስ 13:34, 35) እቲ ብዛዕባ የሆዋ እተመሃርክዎ ነገራት ንኸገልግሎ ስለ ዝደረኸኒ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ወሰንኩ። ብ8 ጥሪ 2005 ድማ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

እቲ ዜእምን መርትዖታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ህይወት ዝነበረኒ ኣረኣእያ ቐየሮ። እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝረኸብክዎ ኺእመን ዚኽእል መግለጺታት፡ ውሽጣዊ ሰላም ኣምጽኣለይ። ብመሰረት እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ተስፋ ትንሳኤ፡ ንኣቦይ ክረኽቦ ኸም ዚኽእል ምፍላጠይ፡ ዓብዪ ሓጐስን ምጽንናዕን ኣምጺኡለይ እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

ምስቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ጆናታን በዓል ቤተይ ካብ ዝምርዖ ሽዱሽተ ዓመት ገይረ ኣለኹ፣ ዜሐጕስ ሓዳር ድማ ኣሎኒ። ኣነን ብዓል ቤተይን፡ እቲ ቐሊልን ርትዓውን ዝዀነ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ፡ ብዋጋ ዘይሽነን ምዃኑ ፈሊጥና ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኢና ነቲ ብዛዕባ እምነትናን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋናን ንኻልኦት ከነካፍል ዝረኸብናዮ መሰል ኣኽቢርና እንርእዮ። ሎሚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ስግንጢር” ዘይኰኑስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃኖም ፈሊጠ እየ።

^ ሕ.ጽ. 15 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፣ ሕጂ ግና ኣይትሕተምን እያ ዘላ።