ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧

“ንማይክ ንዓመታት ዚኣክል እየ ዝፈልጦ። ንሱ ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ። ሃይማኖቱ ግና ፈጺሙ ኣይርድኣንን እዩ። የሆዋ መን እዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓላት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧ ማይክ ኣባል ሓደ ኣንቈራ ድዩ፧”—ቤኪ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ.።

“ጐረባብተይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ምስ ጀመሩ፡ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም እንታይ ማለት እዩ፧ እንታይ ዓይነት ስም ሃይማኖት ደኣሉ እዚኸ!’ ብምባል እሓስብ ነበርኩ።”—ዜኖን፡ ኦንታርዮ፡ ካናዳ።

“ኣነን ብዓልቲ ቤተይን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ብዘይ ምኻድና ዚስምዓና ናይ ገበን ስምዒት ንኺምዝምዙ ኢሎም ዚመጹ እዩ ዚመስለና ነይሩ። ‘እቲ ኺምለሰልና እንደልዮ ሕቶታት፡ ኣብዘን ጥንታውያን ቤተ ክርስትያናት እኳ ኽንረኽቦ ዘይከኣልናስ፡ ኣብዞም ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣመሰሉ ጕጅለ ኣንቈራ ኺርከብ ዘይመስል እዩ’ ዚብል ኣተሓሳስባ ነበረና።”—ኬንት፡ ዋሽንግተን፡ ሕ.መ.ኣ.።

“እንታዎት ምዃኖምን እንታይ ከም ዚኣምኑን ኣይፈልጥን እየ ነይረ።”—ሰሲልያ፡ ኢስበርግ፡ ዴንማርክ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ወይ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኪሰብኩን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኪዝርግሑን ርኢኻ ትኸውን፣ ወይ እውን ናጻ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚመርሑ ትፈልጥ ትኸውን። እዛ መጽሔት እዚኣ እውን ሓደ ኻባታቶም እዩ ሂቡካ ኪኸውን ዚኽእል። ገና ግና፡ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ እንታዎት እዮም፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ምናልባት እውን እቲ ዘለካ ኣረኣእያ ምስዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ርእይቶታት ዚመሳሰል ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዜተሓሳስብ ሕቶታት እንተ ኣልዩካ፡ መልሱ ኻበይ ኢኻ ኽትረኽቦ እትኽእል፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ እንታይ ከም ዚኣምኑ፡ ዕዮኦምን ቦታታት ኣምልኾኦምን ብኸመይ ከም ዚምወል፡ ከምኡ እውን ኣብ ቤትካ ዚበጽሑኻን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዜዘራርቡኻን ስለምንታይ ምዃኖም ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧

እታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ሰሲልያ፡ “ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኢንተርነት ብዙሕ እየ ኣንቢበ። ሰባት ብጽልኢ ተደሪኾም እተዛረብዎ ዘረባን ሕሜትን ስለ ዝሰማዕኩ ድማ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣማዕበልኩ” በለት። ጸኒሓ ግና፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቐጥታ ተራኸበት፡ ንሕቶታታ ዚኸውን ዜዕግብ መልስታት ከኣ ረኸበት።

ነቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎካ ሕቶታት፡ ቅኑዕ መልስታት ክትረኽበሉ ትደሊዶ፧ እቲ መልሲ ኻብ ባዕላቶም፡ ማለት ካብቶም ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትረኽቦ ነተባብዓካ። (ምሳሌ 14:15) እዘን ዚቕጽላ ዓንቀጻት፡ እንታዎት ምዃንናን እንታይ ከም እንኣምንን ዕዮና እንታይ ከም ዝዀነን ንኽትርዳእ ኪሕግዛኻ ተስፋ ንገብር።